ጠባይ

ክልተ ፈላስፋታት፡ እንስሳታት ተዓሊሞም ምስ ደቂ ሰባት ዝመሳሰል ጠባይ ከማዕብሉ ይኽእሉ ዶ? ኣብ ዝብል ነጥቢ ይሟገቱ ነበሩ። እቲ ሓደ ፈላስፋ፥ ኣብ ሓደ ዘመናዊ ሆቴል ከም ኣሳሳዪ ተዓሊሙ ዝዓዪይ ድሙ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ መዓልቲ ፈሊዮም ናብቲ ቦታ ክኸዱ'ሞ ክዕዘቡ ርእይቶኡ ሃበ። እቲ ካልኣዩውን በቲ ሓሳብ ተሰማምዐ ። ብመሰረት ቆጸሮኦም ከኣ፡ ናብቲ ሆቴል ኣምርሑ። እቲ ድሙ፡ ጁባ ተኸዲኑ፡ ብጽምብላሊዕ ዝፍለጥ ክራባታ ወዲዩ፡ ብኽልተ ኣእጋሩ ደው ኢሉ፡ ጭሕሙን ኣፍንጭኡን ንላዕሊ ገጽ ኣቕኒዑ፡ ብኽልተ ኣእዳዉ ሸሓኒ ተሸኪሙ እናሰጎመ፡ ነቶም ዓማዊል ብንጥፈት የገልግሎም ነበረ። ኣብዚ እዋን እቲ ካልኣይ ፈላስፋ ቦርሳኡ ከፈተ፡ ብዙሓት ኣናጹ ካብኡ ብምውጻእውን ናብ ዝተፈላለየ ሸነኽ ሸበድበድ ክብላ ጀመራ። እቲ ተክሲዶ ዝተኸድነ ድሙ፡ ነዚ ምስ ርኣየ፡ ሃንደበት ኣብ ኣእዳዉ ሒዙዎ ዝነበረ ጥርሙዝ ነቢትን ዝተኸሸነ ምግቢን ኣብ ምድሪ ዛሕ ኣቢሉ፡ ደድሕሪ እተን ኣናጹ በርባዕቲኡ ኣንፈት ክጎዪይ ጀመረ። ነቶም ፈላስፋታትውን ርእሶም ከም ዝንቕንቑ ገበሮም።

ካብ ፈተና ክንሃድም እምበር፡ ናብ ፈተና ገጽና ክንጎዪይ ኣይግባእን ኢዩ። ብዙሕ ገና ክቕየር ዝግብኦ ስጋዊ ባህርያት ኣብ ውሽጥና ከም ዘሎ ንዘክር። ብመጠን ዝበጻሕናዮ ብመንፈስ ኣብ እንመላለሰሉ፡ እቲ ስጋዊ፡ ወይ ዓለማዊ ባህርያትና ዝብህጎ ነገራት ብምኽላእ ክነማስኖ ይግባእ። ስለዚ ከይንወድቕ'ሞ ከይንጉዳእ፡ ነካይዳና ደረት ንግበረሉ።

“ኣታ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንስኻ ግና ካብዚ ህደም እሞ ደድሕሪ ጽድቂ፡ ኣምልኾ፡ እምነት፡ ፍቕሪ፡ ትዕግስቲ፡ ህድኣት ስዓብ።" (1 ጢሞቴዎስ 6፡11)

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ