ምውት ኣየድምን'ዩ

ኣብ ሓደ እዋን፡ ሓደ ንገዛእ ርእሱ ከም ምውት ዝሓስብ ሰብኣይ ነበረ። ሰበይቱን ኣዕሩኽቱን፡ ጉዳዩ ብዙሕ ስለ ዘሻቐሎም፡ ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከብ ሓኪም-ኣእምሮ ይወስዱዎ። እቲ ሳይካትሪስት ምስ ኣተሓሳስባ'ቲ ንነፍሱ ከም ምውት ዝሓስብ ዘሎ ሰብኣይ ዝጋጮ ጭብጢ ተጠቒሙ ከሕውዮ ይውስን። ምውት ኣይደምን ኢዩ፡ ዝብል፡ ብቐሊል ክትርድኦ እትኽእል፡ ኣገባብ ስነ-ሓሳብ ክትጥቀም ከኣ ይውስን። ነቲ ሰብኣይውን፡ ናይ ሕክምና ጽሑፋት ከም ዘንብብ፡ ምርመራ-ሬሳታት ከም ዝዕዘብ፡ ወዘተ፡ ይገብሮ። እቲ ሰብኣይ ንገለ ሰሙናት ነቲ ዝተወሃቦ ዕዮ ብግቡእ ምስ ኣጽንዐ ኸኣ፡ ኣብ መወዳእታ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ በለ፡ "በቃ፡ ይኣክል፡ ሕጂስ ኣእሚንካኒ ኢኻ። ብርግጽ ዝሞቱ ሰባት ኣይደምዩን ኢዮም።" ካብኡ እቲ ሳያካትሪስት፡ ነዚ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ መርፍእ ጌሩ ኢዱ ይወግኦ፡ ደም ክፈስስውን ይጅምር። ነዚ ምስ ርኣየ፡ እቲ ሰብኣይ ሃንደበት ምስሊ ገጹ ሓመድ ተፍአ፡ ተጸዊጉ ንታሕቲ ገጹ ደኒኑ ብምጥማት ከኣ፡ "ወይ ጉድ! ምውት ሰብውን እባ ይደሚ ኢዩ!” በለ።

 ክንደይ ኢና ብክርስቶስ ተኣሚና ድሕነት ምስ ረኸብና፡ ነቲ ሓቂ ምስ ገዛእ ርእስና ክንጽምብሮ ስለ ዘይከኣልና፡ ህይወትና ክልወጥን ከምቲ ዝድለ ፍረ ከነፍሪን ዘይኸኣልና? የሱስ ኢዩ እቲ ሓቂ፡ ንገለ ህሞት ካብኡ ምስ እንፍለ፡ ሓቂ ኣባና ኣይትዓዪን ኢያ። ብሰንኪ'ዚ፡ ነቲ ክንገብሮ እንደሊ ዘይኮነ፡ ነቲ ክንገብሮ ዘይንደሊ ኢና ንገብር። ስለዚ ነፍስወከፍና ምስ ክርስቶስ ብቐጻሊ ክንስጉም ክንኽእል፡ ንሱ ባዕሉ ብመንፈሱ ክድግፈና ንለምኖ። ኣሜን። 

“እቲ ጒንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።" ዮሃንስ 15:5

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ