ጸጋ ኣምላኽ

ሮበርት ሮቢንሶን ኣብ መበል 18 ክፍለ ዘመን ዝነበረ ኣገልጋሊ ወንጌል ኢዩ። ናይ መጋቢነትን ስብከትን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ግጥሚን ምጽሓፍ ማህሌትን እውን ፍሉይ ተሰጥኦ ነበሮ። ይኹንምበር ነዊሕ እዋን ኣገልጋሊ ጓሳ ኮይኑ ድሕሪ ምግልጋል እምነቱ ክድስክል ጀመረ። ኣገልግሎቱ ሓዲጉ ናብ ሃገረ ፈረንሳ ኣምርሐ። ኣብኡ ኣብ ሓጢኣት ጥሒሉ ይነብር ነበረ።

ሓደ ምሽት ምስ ሓንቲ ዘመናዊት ጓል ፓሪስ ይጓዓዝ ነበረ። እዛ ሰበይቲ ሓድሽ ኣማኒት ክርስቶስ ነበረት። ገለ ተንብቦ ዝነበረት ግጥሚ ርእይቶኡ ክህባ ሓተቶ። እቲ ግጥሚ ከምዚ ስዒብ ይብል ነበረ፥

ወሓዚ ኩሉ በረኸት ምጻኒ፡
ቃንዮ ልበይ ጸጋኻ ክዝምር፡
ዘየቋርጽ ወሓዚ ምሕረት፡
ዝለዓለ ዝማረ ምስጋና ዝጽውዕ"

እታ ሰበይቲ ናብኡ ገጻ ቁልሕ ምስ በለት ሮቢንሶን ክበኪ ርኣየቶ። ብዝተሰባበረ ድምጺ፥ "ብዛዕብኡስ እንታይ ይሓስብ?" በለ። "ኣነ ባዕለይ ኮ እየ ጽሒፈዮ። ሕጂ ግና ካብኡ ብዙሕ እየ ኣልጊሰ፡ ናብኡ ገጸይ መምለሲውን የብለየን።"

እታ ሰበይቲ፥ "ከመይ ጌርካ ዘይተስተብህል፡" በለት ብትሕትና፡ "መምለሲ መገዲ ደኣ እንሀለ ኣብ ሳልሳይ መስመር ግጥምኻ፡ ዘየቋርጽ ወሓዚ ምሕረት፡ ሎሚ ምሸት ኣብዚ ፓሪስውን እቲ ወሓዚ ይውሕዝ ኣሎ።" ኣብታ ምሸት ርቢንሶን ዳግም ንክርስቶስ ሂወቱ ኣሕሊፉሃበ።

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ