ምልኪ

ኣብ መስፍናዊ ስርዓት ቹ ኣህባይ ወኒኑ ብመገዶም ዝናበር ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ነበረ። ህዝቢ ቹ "ጆ ጎንግ" (ሓለቓ ኣህባይ) ብምባል ይጽውዕዎ ነበሩ።

እዚ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ንግሆ ንግሆ ነቶም ኣህባይ ኣብ ማእከል'ቲ ቀጽሪ ኣኪቡ፡ በቲ ብዕድመ ዝዓበየ ህበይ ተመሪሖም ናብ ኣኽራናት ብምድያብ፡ ካብ ቍጥቋጥን ኣእዋምን ፍረታት ኣርዮም ከምጽኡ ይእዝዞም ነበረ። ነፍስወከፍ ህበይ ካብቲ ዝኣከቦ፡ ነቲ ሽማግለ ሰብኣይ ሓደ ዕስሪት ክህብውን መምርሒ ነበረ። እቶም ነዚ ትእዛዝ ዘየማልኡ ከኣ፡ ብዘይ ምሕረት ብኵርማጅ ይዝበጡ ነበሩ። ዋላውን ኵሎም እቶም ኣህባይ ብኽፉእ እንተ ተሳቐዩ፡ ተቢዑ ብህም ኢሉ ዝዛረብ ግና ኣይነበረን።

ሓደ መዓልቲ፡ ሓደ ብዕድመ ዝነኣሰ ህበይ፡ ነቶም ካልኦት ኣህባይ፡ ከምዚ ስዒብ ዘሎ ብምባል ሓተቶም፡ "ነዚ ኵሉ ኣብ ቍጥቋጥን ኣእዋምን ዝርከብ ፍረታት፡ እዚ ሽማግለ ሰብኣይ ዲዩ ተኺሉዎ?” ንሳቶም ከኣ፡ "ኣይፋል ባዕሉ'ባ ብተፈጥሮ ቦቒሉ።" ብምባል መለሱሉ። እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ህበይ እንደገና፡ ከምዚ ብምባል ሓተተ፡ "ነቲ ፍረታት ብዘይ ፍቓድ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ክንወስድ ኣይንኽእል ዲና?” ንሳቶም ድማ፡ "እወ፡ ንኽእል'ባ።" ብምባል መለሱሉ። እቲ ብዕደመ ዝነኣሰ ህበይውን ብምቕጻል፡ "ስለምንታይ ደኣ ኣብቲ ሽማግለ ሰብኣይ ተጸጊዕና ንነብር፡ ስለምንታይ'ከ ነገልግሎ?” በለ።

እቲ ብዕድመ ዝነኣሰ ህበይ ዘረባኡ ኣብ ዝዛዘመሉ፡ እቶም ኵሎም ኣህባይ ሃንደበት ነቕሑ፡ እቲ ጉዳይውን በርሃሎም።

ኣብታ ለይቲ ከኣ፡ እቶም ኣህባይ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከም ዝደቀሰ ምስ ኣረጋገጹ፡ ነቲ ተሓዪሮምሉ ዝነበረ ሓጹር ኣፍረስዎ፡ ነቲ መሐየሪ ቦታውን ፍጹም ኣብረስዎ። እቲ ሽማግለ ሰብኣይ ከዚኑ ዘቐመጦ ፍረታት ከኣ፡ ምስኦም ናብ ዱር ተማልእዎ። ዳግም ናብኡ ገጾም ኣይተመለሱን። እቲ ሽማግለ ሰብኣይውን ከይደንጎየ ብክቱር ጥሜት ሞተ።

ዩ-ሊ-ዚ ከም'ዚ ኢሉ፡ "ኣብዛ ዓለም ገለ ሰባት ንህዝቦም ብጽድቂ ዘይኮነ ዘመሓድሩ፡ እኳ ደኣ ብቕጥፈት ኢዮም ዝገዝኡ። እዚኦም ልክዕ ከምቲ ሓለቓ እቶም ኣህባይ ዶ ኣይኮኑን? ገዛእ ርእሶም የታልሉ ከም ዘለዉ ከኣ ኣይተረደኦምን ኣሎ። እቲ ህዝቢ ምስ ነቕሐ፡ መደናገሪ ሜላኦም ኣይክሰርሕን ኢዩ።

ምንጪ፥ ካብ ምልካዊ ስርዓት ናብ ዲሞክራሲ ብጄን ሻርፕ ግንቦት 2010

ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ