መዘኻኸሪ

እዚ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ዝተጸሓፈ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ ካብ እተሓተመ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ዝተወስደ ኢዩ። በዚ ኣጋጣሚ ነቶም ነዚ ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ብልዑል ብቕዓትን ጽፈትን ከምኡውን ብከቢድ ጻዕሪ ንዓመታት ዘዳለዉ ኣባላት ማሕበር መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ፡ ትሒትና ክነመስግኖም ዕድል ብምርካብና፡ ልዑል ሓበንን ሓጐስን ይስምዓና።
ከምኡውን ኩሎም ኣገልግሎታት ክርስቶስ፡ ብውልቂን ብሓባርን፡ ንናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ብኤሌክትሮኒካዊ ኣገባብ ብጽሑፍ፡ ብኦዲዮን ብቪዲዮን፡ ኣብ ምድላው ዝገበሩዎን ዝገብርዎ ዘለዉን ልዑል ጻዕሪን ተወፋይነትን፡ ልባዊ ምስጋናናን ናዕዳናን ንገልጽ።
ንጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።
ወንጌል ንብዘሎ ፍጥረት