እምነት ክርስትና

"ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘየተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም።” 

― 1 ቆረንቶስ 15:14-17

መሰረታዊ እምነት

ከም'ቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስ ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።

እቲ፣ ንዘይሓልፍን ዘይረክስን ዘይጽምሉን ኣብ ሰማያት ተኣርኒቡልኩም ዘሎ ርስቲ፣ ብናይ የሱስ ክርስቶስ ትንሳኤ ካብ ምውታት ብብዝሒ ምሕረቱ ንህያው ተስፋ ብሓድሽ ዝወለደና ኣምላኽ፣ ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፣ ይባረኽ።1

1. እግዚኣብሄር ኣምላኽ

ሰማይን ምድሪን ዝፈጠረ ሓደ ኣምላኽ ጥራይ ይምለኽ።2

ሓደ ኣምላኽ ብሰለሰተ ኣካላት፣ ማለት ብእግዚኣብሄር ኣብ፣ እግዚኣብሄር ወልድን እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስን ተወኪሉ ኣሎ።3

እግዚኣብሄር ኣብ፣ መሰረት ኩሉ ፍቕሪ፣ እግዚኣብሄር ወልድ ነዚ ፍቕሪ ዋጋ ከፊሉ ብጸጋኡ ዘረከበና፣ እግዚኣብሄር መንፈስ ቅዱስ ምሳና ሕብረት ብምግባር ፍቕሪን ጸጋን ኣምላኽ ኣብ ልብና ዘንብር።4

ክርስቶስ የሱስ ፍጹም ኣምላኽን ፍጹም ሰብን ኢዩ።5

ወዲ እግዚኣብሄር ስጋ ለቢሱ ንዓለም ከድሕን ናብ ምድሪ መጺኡ ኢዩ።6

ክርስቶስ የሱስ ካብ ድንግል ተወሊዱ ኢዩ።.7

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንታና ብሓሶት ተኸሲሱ፣ ተገሪፉ፣ ተዋሪዱ፣ ተጸሪፉ፣ መጺጽ ሰቲዩ፣ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡ፣ ኣብ መስቀል እንጨይቲ ተሰቒሉ፣ ሞይቱ፣ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ሞት ስኢሩ ተንሲኡን ናብ ሰማይ ድማ ዓሪጉን ኢዩ።8

2. ቃል ኣምላኽ

መጽሓፍ ቅዱስ ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስ ብቅዱሳት ሰባት ኢዩ ተጻሒፉ።9

ቃል ኣምላኽ ጽሩይን ገለ ዘይውሰኾን ኢዩ።10

መጻሕፍቲ ብሉይ ኪዳን፣ ማለት መጻሕፍቲ ሕጊ፣ ጽሑፋትን መጻሕፍቲ ነቢያትን፤ ከምኡውን መጻሕፍቲ ሓድሽ ኪዳን፣ ማለት ወንጌላት፣ መልእኽቲ ጽሑፋትን ራእይን፤ ቃል እግዚኣብሄር ኢዮም።11

3. ድሕነት

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ እንኮ መድሕን ዓለም ኢዩ። ብጀካ ብደም ክርስቶስ ስርየት ሓጢኣት የልቦን።12

መዓልቲ ድሕነት ሕጂ ኢያ። ንየሱስ ክርስቶስ ብልቢ ከምጐይታ ዚተኣመነን ብኣፉ ዚመስከረን ክድሕን፣ እቲ ዚነጸጎ ድማ ድሮ ገዛእ ርእሱ ዘለኣለም ኰኒኑ ኣሎ።13

ዚተነሰሐ፣ ዚኣመነን ዚተጠምቀን ክድሕን ኢዩ።14

ትእዛዛት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዘኽብር፣ ማለት ፍቓድ እግዚኣብሄር ዚፍጽም፣ ዘለኣለማዊ ህይወት ክረክብ ኢዩ። እግዚኣብሄር ዘፍቅር፣ ብጻዩ ዘፍቅር፣ ጸላኢኡ ዘፍቅር፣ ርእሱ ዘትሕት፣ ክሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፣ በደላት ዝሓድግ፣ ንድኻታት ዝሓልይ፣ መሊሱ ዘይብድል፣ ትምኒት ስጋኡ ዝገትእ፣ ሰናይ ዚገብር፣ ህልንኡ ዘጽሪ፣ ዘይፈርድ፣ ርእሱ ዚምርምር፣ ንኻልኦት ኣርኣያ ዚኸውን፣ ድሕነቱ ዚሕልው፣ ብዘይ መንቀብ ብቅድስና ዚመላለስ፣ ፍቕሪ ዓለም ዘይብሉ፣ ንሓጥኣን ዚምለስ፣ ሓጢኣት ዘይገብር፣ ኣብ እምነት ዚጸንዕን ቃላት ትንቢት ዚሕሉን፣ ኣብ'ቲ ናይ'ቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት ክጻሓፍን ዘለኣለማዊ ህይወት ክረክብን ኢዩ።15

4. ሕብረት-ኣመንቲ

ሕብረት ኣመንቲ፣ መስቀል ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዝተሰከሙ ምእምናን ይቐውም።16

መንፈስ ቅዱስ፣ ከምፍቓዱ መንፈሳዊ ህያባት ንምእምናን ይህብ ኢዩ። መንፈሳዊ ህያባት ንምህናጽን ንምቕዳሳን ሕብረት ኣመንቲ ክርስቶስ የገልግል። መንፈስ ቅዱስ፣ ከምፍቓዱ መንፈሳዊ ህያባት ንምእምናን ይህብ ኢዩ። መንፈሳዊ ህያባት ንምህናጽን ንምቕዳሳን ሕብረት ኣመንቲ ክርስቶስ የገልግል።17

ኣመንቲ፣ ኣገልገልቲ ሓድሽ ኪዳን፣ ማለት ኣምባሳደራት ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኢና።18

ዕላማ ኣመንቲ፣ ኣብ ጸልማት ዘለዉ ናብ ብርሃን፣ ኣብ ትሕቲ ሓይሊ ሰይጣን ዘለዉ ናብ እግዚኣብሄር ብምምጻእ፣ ምሕረት ሓጢኣት ክረኽቡ ምግባር ኢዩ።19

ንእግዚኣብሄር ብመንፈስን ብሓቂን ኢና ነምልኾ። ብመንፈስ ድማ ንመላለስ።20

ምእምናን መዘከርታ ምእንታና ዚተወሃበ ስጋ ጐይታና፣ እንጌራ ሓቢርና ክንቘርስን፤ ምእንቲ ሓድሽ ኪዳን ዝፈሰሰ ክቡር ደም ጐይታና ድማ፣ ሓቢርና ጽዋእ ኣልዒልና ክንሰትይን ይግባእ። ከምኡ ብምግባርና ድማ ክሳብ ጐይታና ዳግም ዚመጽእ ምእንታና ከምዝሞተ ንነግር ኣሎና።21

6. መወዳእታ ፍርዲ

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ንኣመንቱ ምስኡ ክእክብ ብመላእኽቱ ተዓጂቡ ክመጽእ ኢዩ።22

ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ነቶም ድምጹ ዝሰምዑን ዝተኣዘዙዎን ሞሳ ጻማ ክህብ፤ ነቶም ኣብ ኣደባባይ ዝከሓዱዎ ድማ ክኵንኖም ኢዩ።23

ብናይ ፍቕሪ ምስዕዓም ንሓድሕድኩም ሰላም ተባሃሃሉ። ብኽርስቶስ የሱስ ዘሎኹም ኵላትኩም ሰላም ይሃሉኹም። ኣሜን።24

እግረ-ጽሑፍ

1. 1 ጴጥ 1፣2-4

2. ዘፍ 1:1

3. ዘፍ 1፣26፤ ዘዳ 6፣4፤ ማቴ 3፣16-17፤ ማቴ 28፣19

4. 2 ቈረ 13:14

5. ዘፍ 3፣15፤ ዘዳ 18፣15፤ መዝ 110፣1፤ ኢሳ 9፣6-7፤ ኢሳ 44፣6፤ ኢሳ 45፣23፤ ኢሳ 53፤ ኤር 33፣15፤ ሉቃ 10፣22፤ ማቴ 8፣20፤ ማቴ 22፣44፤ ዮሃ 1፣1-4፤ ዮሃ 8፣58፤ ዮሃ 10፣30፤ ዮሃ 10፣36፤ ዮሃ 14፣8-11፤, ፊሊጲ 2፣6-11፤ ን ጢሞ 2፣5፤ ራእ 1፣8-11፤ ራእ 21፣6፤ ራእ 22፣13

6. ምሳ 30፣4፤ ኢሳ 48፣16፤ ዮሃ 3፣16፤ 1 ዮሃ 4፣2

7. ኢሳ 7፣14፤ ማቴ 1፣23

8. ዳን 9፣24-26፤ ማር 15፣1-47፤ ማር 16፣1-20፤ ራእ 1፣18፤ ራእ 2፣8

9. 2 ጢሞ 3፣16፣ 2 ጴጥ 1፣20-21

10.መዝ 12፣6፤ መዝ 19፣8፤ መዝ 119፣140፤ ማቴ 5፣1

11. ማቴ 5፣17፤ ማቴ 11፣3፤ ማቴ 21፣42፤ ማቴ 26፣54-56፤ ሉቃ 24፣27፤ ሮሜ 1፣2

12.ዮሃ 14፣6፤ ማቴ 26፣28፤ ማር 14፣24፤ ሉቃ 22፣20፤ ዮሃ 6፣53-56፤ ሮሜ 3፣25፤ ኤፌ 1፣7፤ ቈሎ 1፣20፤ እብ 9፣11-28

13. ማቴ 10፣32-33፤ ዮሃ 3፣18፤ 2 ቈረ 6፣2

14. ማር 16፣16፣ ግብ 2፣38

15.ማቴ 4፣17፤ ማቴ 18፣4፤ ማቴ 25፣34-40፤ ማር 11፣25-26፤ ማር 12፣30-31፤ ሉቃ 6፣ 27-38፤ ሉቃ 9፣62፤ ዮሃ 5፣14፤ ዮሃ 8፣51፤ ዮሃ 10፣27፤ ግብ 24፣16፤ ሮሜ 2፣7፤ 1 ቈረ 4፣5፤ 1 ቈረ 6፣12፤ 1 ቈረ 9፣25፤ 1 ተሰ 3፣13፤ ገላ 5፣14፤ ፊሊጲ 2፣12-13፤ 1 ጢሞ 1፣18-20፤ ያእ 4፣4፤ ያእ 5፣19፤ 1 ጴጥ 4፣7፤ 1 ዮሃ 2፣17፤ 1 ዮሃ 3፣6-9፣ ራእ 22፣7፤ ራእ 21፣27

16. ማቴ 11፣28-30፤ ግብ 2፣47፤ ግብ 20፣28

17. ዩኤል 2፣28፤ ሮሜ 12፣6-7፤ 1 ቈረ 12፣1-31

18. 2 ቈረ 3፣6፤ ኤፌ 6፣202 ቈረ 3፣6፤ ኤፌ 6፣20

19. ግብ 26፣18፤ ሮሜ 10፣15-18

20. ዮሃ 4፣23-24፤ ዮሃ 6፣63፤ ገላ 5፣16-17

21. 1 ቈረ 11፣23-34

22. ማር 13፣27፤ 1 ተሰ 4፣13-18

23. ዮሃ 10፣27-29፤ ዮሃ 12፣48፤ ሮሜ 10፣9-13፤ 1 ቈረ 3፣14፤ 1 ጴጥ 4፣5፤ ራእ 20፣4፤ ራእ 20፣11-15፤ ራእ 21፣7-8፤ ራእ 22፣12

24.1 ጴጥ 5፣14

ወንጌል ንብዘሎ ፍጥረት