እምነት ክርስትና

"ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምብኣርከ ስብከትና ኸንቱ እዩ፡ እምነትኩምውን ከንቱ እያ። ኣምላኽ ንክርስቶስ ኣተንሲእዎ ኢልና መስኪርና ኢና እሞ፡ ንክርስቶስ ዘየተንስኦ እንተ ዀይኑስ፡ ምዉታትውን እንተ ዘየተንስኡ፡ ንሕና ሓሰውቲ ምስክር አምላኽ ኴንና ንርከብ ኢና። ምዉታት እንተ ዘይትንስኡስ፡ ክርስቶስውን ኣይተንስኤን እሞ፡ ክርስቶስ ዘይተንስኤ እንተ ዀይኑስ፡ እምነትኩም ከንቱ እያ፡ ንስኻትኩም ገና ኣብ ሓጢኣትኩም ኣሎኹም።” 

― 1 ቆረንቶስ 15:14-17

ተልእኾ

ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ'ቲ ከምፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ፣ ካብ'ዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ከድሕነና ኢሉ፣ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፣ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም። ንዕኡ ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹን። ኣሜን።1

እዚ መርበብ ሓበሬታ፥ ሕሉፍ፣ ህልውን መጻኢን መንፈሳዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ግምት ኣእቲዩ ዝተዳለወ ኢዩ። ኩሉ ኣብ ልዕሊ'ዛ ፍቕርቲ ሃገርናን እቲ ፍትው ህዝብናን ዝወርድ ዘሎ ክቱር መከራን ጭንቂን፣ ከም'ቲ ኣብ ጎደና ዝውረ ሓደ ሰብ ብውልቁ ዘምጽኦ ዘይኮነ፣ ሳዕቤን መንፈሳዊ ኩነታት ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ኢዩ። ሓደ ሰብ ብውልቁ ሃገር ከብርስን ክሃንጽን ዓቕሚ የብሉን። ለባማት፣ "ሓደ ህዝቢ ከከምግብሩ ዚግብኦ መራሒ ኢዩ ዝረክብ።" ይብሉ። ስለዚ ኢድና ናብ ካልእ ምውጥዋጥ ገዲፍና፣ ብውልቂ ነብስና ክንፍትሽ ይግባእ። እዚ፣ ንቤተ-ክርስቲያን፣ ንመንግስቲን ንስድራ-ቤትን የጠቓልል።

እምበኣርከ ዕላማ’ዚ መርበብ ሓበሬታ ምምራር ኣይኮነን። ምዕዝምዛምን ነንሕድሕድካ ምንቛትን ቁስልና የግፍሖን ስቓይና የናውሖን ኢዩ። እግዚኣብሄር ምዕዝምዛም ይጸልእ። ዘይጠቅም ቆይቋን ነንሕድሕድካ ምውንጃልን መሳርሒታት ሰይጣን ኢዮም።2 ጸላኢ ኣተኵሮና ካብ’ቲ ኣውራ ነገር ጠዊዩ ንኣሽቱ ዘይጠቕሙ ዛዕባታት ከምእነተኵር ብምግባር፣ ፈጺሙ ክውሕጠና ቁሩብ ተሪፋቶ ኣላ። ስለዚ ሰዓብቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኮንና ንተንኮል ሰይጣን ንምብዳህን ምፍሻልን ብልዑል ደርጃ ክንነጥፍ እዋኑ እዩ። ነድሪ እግዚኣብሄር ክዝሕልን ከይንጠፍእን፣ ነቲ ዝፈረሰ ቐጽሪ ክነጣጥእ፣ ምእንቲ ኤርትራ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ኣብ'ቲ ምንቃዕ ብንስሓ ክንቐውም ግድን ኢዩ።3 ነዚ ንምፍጻም ከኣ ስዒቦም ዝተጠቐሱ ነጥብታት እኹል ቆላሕታ ክንህቦም ይግባእ።

ሀ. ሃገራዊ ተልእኾ

ፍቕሪን ዕርቂን፦ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት ኢዩ እምበር፣ ምስ ስጋን ደምን ከምዘይኰነ ተረዲእና4 ኣብ ፍቕሪን ዕርቂን ምትኳር፣5

ንስሓን ጽድቅን፦ ዝወረደና መቕዘፍቲ ክሓጽር፣6 ኣብ ንስሓ ምእታውን ብጽድቂ ምምልላስን፣7

ዘይባትኽ ጸሎትን ልማኖን ምህለላን ምስጋናን ፦ ብኹሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህወከት ምእንቲ ክነብርሲ፣ ስለ ሕጂ ዘለዉ ይኹኑ ስዒቦም ዚመጹ፣ ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዚለዓለ ጽፍሒ ዘገልግሉ መራሕቲ፣ ዙፋኖምን መንበሮምን ምስ ዙፋንን መንበርን ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ከተኣሳስሩ፣ ከይሰልከና ልማኖ፣ ጸሎትን ምህለላን ምስጋናን ምቕራብ፣8

ነዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቐሱ ነጥብታት ብግቡእ ተረዲእና ብልቢ ናብ እግዚኣብሄር ምስ እንምለስን ፍቓዱ ምስ እንፍጽምን፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ልቢ መራሕትና ከቕንዕ፣9 ምእንቲ ክብሩ ዝነብሩ ሓድሽ ወለዶ ከኣ፣ ከልዕልን ክባርኾምን ምዃኑ ቃሉ ሂቡ ኢዩ።10 ንቓሉ ክተግሃሉን ከምዚፍጸም ክግበሮን ድማ ኢዩ።11

ለ. ኣህጉራዊ ተልእኾ

ሓፈሻዊ ተልእኾ'ዚ ኣገልግሎት፣ "ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ዝፋን ጽድቂ፣ ፍትሒን ሓቂን ምቛም"12 ዚብል ኢዩ። እቲ ዕዮ ካብ የሩሳሌም ስለ ዝጅምር ከኣ፣ ቀዳማይ ኣተኵሮና፣ "ኣብ ኤርትራ ዝፋን ጽድቂ፣ ሓቂን ፍትሒን ምቋም"13 ዚብል ክኸውን ኢዩ። እቲ መገዲ ድማ፣ ሓደን ንጹርን ኢዩ። ንሱ ከኣ፣ ኣብ ልቢ ነፍስወከፍ ኤርትራዊ፣ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ምሉእ ኤርትራን ዓለምን የሱስ ከም ዚነግስን ግቡእ ናይ ክብሪ ቦታኡ ከም ዚሕዝ ምግባርን ኢዩ።

ዎ ጐይታና፣ እታ ሰማያዊት መንግስትኻ፣ ናብ ምድሪ ብቕልጡፍ ትምጻእ፤ ፍቓድካ'ውን ኣባናን ብኣናን ይፈጸም።14

ኣሕዋተየ፣ ጸጋ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስኩም ይኹን። ኣሜን።15

እግረ-ጽሑፍ

1. ገላ 1፣3-5

2.1 ቈረ 10፣10

3. ህዝ 22፡30

4.ኤፌ 6፣11-12

5. ሮሜ 10፣15፤ ሮሜ 11፣14-21

6. ዘዳ28:68

7.ኤር 26፡13

8. 1 ጢሞ 2፡1-2

9.ምሳ 21፡1

10. ዩኤል 2፣18-27

11.ኤር 1፡12

12. መዝሙር 89፣14፤ ማር 16፣15

13.ሉቃ 24፣47፤ ግብ 17፣26

14.ማቴ 6፣10፤ ራእ 22፣20

15. ገላ 6፣18

ጥቅምቲ 2010 ዓ.ም.

ወንጌል ንብዘሎ ፍጥረት