ማይ ቡሑቝ - ማቴዎስ 13:33-34
33 ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኲሉ ኽሳዕ ዚበኲዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቚ ትመስል። 34፡35 የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ፡ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነበረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዂሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።