በሰርን ጕንዲን - ማቴዎስ 12:24-30

1፡2 ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። 3 ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጒንዲ ዘይፈለጥካስ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ? 4 ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፧ እንሆ፡ ጒንዲ ኣብ ዓይንካ ኣሎ። 5 ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጒንዲ ኣውጽእ። ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።