ነዘን ዓሰርተ ትእዛዛት ቅድሚ በብሓደ ምጥዋቕና፣ ፈለማ በብተራ ብቓል ክንምልሰን ንፈትን።
ክንደይ ኢና ካባና ንዓሰርቱ ቃላት ብዝርዝር ክንገልጸን ንኽእል? እዘን ትእዛዛት፣ ምስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብትኹል፣ ምስ ከማና ካልኦት ሰባት ድማ ብጋድም፣ ክህልወና ዝግባእ ቅዱስን ፍቕራዊን ርክብ ዝሕብራ ኢየን። ስለዚ ብግቡእ ንፍለጠንን ንተግብረንን ኢና።።
"እቲ ቓል፣ ምእንቲ ኽትገብሮስ፣ ኣብ ኣፍካን ኣብ ልብኻን ኣዝዩ ቐረበኻ ኢዩ።" (ዘዳ 30፣14)