እቲ ደቂ ሰባት ዝናበሩሉ ነገር

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

"ንሕና፡ ነሕዋት ነፍቅሮም ስለ ዝዀንና፡ ካብ ሞትሲ ናብ ህይወት ከም እተሳገርና፡ ንፈልጥ ኣሎና። እቲ ዘየፍቅር ግና ኣብ ሞት ይነብር።" – 1 መልእኽቲ ዮሃንስ 3፡14

“ግናኸ ዝዀነ ይኹን ጥሪት እዛ ዓለም እዚኣ ዘለዎ እሞ ሓዉ ተሸጊሩ ኸሎ እናረኣዮስ ድንጋጹ ዚዓጽወሉ፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ከመይ ኢላ ኣብኡ ትነብር? ኣቱም ደቀየ፡ ብግብርን ብሓቅን እምበር፡ ብቓልን ብልሳንን ኣይንፋቐር።" – 3፡ 17-18

“ኣቱም ፍቁራተይ፡ ፍቕሪ ኻብ ኣምላኽ ኢያ እሞ፡ ንሓድሕድና ንፋቐር። ዜፍቅር ዘበለ ዅሉ ኻብ ኣምላኽ እተወልደ ኢዩ፡ ንኣምላኽውን ይፈልጦ ኢዩ። ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ እሞ፡ እቲ ዘየፍቅር ንኣምላኽ ኣይፈልጦን ኢዩ።" – 4፡7-8

“ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ ከቶ የልቦን፡ ንሓድሕድና እንተ ተፋቐርና፡ ኣምላኽ ኣባና ይነብር፡ ፍቕሩውን ኣባና ትፍጸም።" – 4፡12

“ንሕናውን ነታ ኣምላኽ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ ፈሊጥናያን ኣሚንናያን ኣሎና። ኣምላኽ ፍቕሪ ኢዩ፡ እቲ ኣብ ፍቕሪ ዚነብር ከኣ ኣብ ኣምላኽ ይነብር፡ ኣምላኽውን ኣብኡ ይነብር።" – 4፡16

"እቲ ዝረኣዮ ሓዉ ዘየፍቅሮስ፡ ነቲ ዘይረኣዮ ኣምላኽ ኬፍቅሮ ኣይከኣሎን ኢዩ እሞ፡ ንሓዉ እናጸልኦስ፡ ንኣምላኽ ኤፍቅሮ እየ፡ ዚብል እንተሎ፡ ንሱ ሓሳዊ ኢዩ።" – 4፡20

ሳይሞን ዝሽሙ፡ ናቱ ዝውንኖ ገዛን መሬትን ዘይነበሮ፡ ምስ ሰበይቱን ደቁን ኣብ ናይ ሃገረ-ሰብ ኣጉዶ ዝቕመጥ፡ ብጽፍሩ ጽዒሩ ዝናበር፡ ሰራሕ ጫማ ነበረ። እቲ ዕዮ ብዙሕ ኣታዊ ስለ ዘይነበሮ፡ ዋጋ እኽሊ ግና ክቡር ስለ ዝነበረ፡ ኣታዊኡ ንወጻኢታት ምግቢ ይውዕል ነበረ። እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ኣብ ክረምቲ በብተራ ዝኽደኑዎ ካብ ቆርበት በጊዕ ዝተሰርሐ ካቦት ነበሮም፡ ንሱውን ቅዳድ ስለ ዝነበረ፡ ሓድሽ ብቆርበት በጊዕ ዝተሰርሐ ካቦት ክገዝእ ክሓስብ መበል ካልኣይ ዓመቱ ነበረ። ሳይሞን እዋን ክራማት ከየርከበ ከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ሰበይቱ ብስቱር ዝተቐመጠ፡ ሰለስተ ሩብል ጥቕላል ሒደት ገንዘብ ኣዋህሊሉ ነበረ፡ ኣብቲ ዓዲ ዝነብሩ ዓማዊሉውን ሓሙሽተ ሩብልን ዕስራ ኮፔክን ይእውድዎ ነበሩ።

በዚ ምኽንያት ሓደ ረፍዲ ምእንቲ ቆርበት በጊዕ ክገዝእ ናብቲ ዓዲ ክኸይድ ክዳሎ ጀመረ። ኣብ ልዕሊ ካምቻኡ ብጡጥ ዝተሰርሐ ጃኬት ሰበይቱ ተኸድነ፡ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ናይ ገዛእ ርእሱ ካቦት ደረበ። ነቲ ሰለስተ ሩብል ጥቕላል ገንዘብ ኣብ ጁባኡ ኣእትዩ፡ መደገፊ ምሩኹዝ ዝኾኖ በትሪ ድሕሪ ምቑራጽ ቆሪሱ ተበገሰ። "ነቲ ዝእውዶም ሓሙሽተ ሩብል ክእክብ እየ፡" ብምባል ሓሰበ፡ "ምሳይ ዘሎ ሰለስተ እንተ ወሲኸሉ ከኣ ንኽራማት ዝኸውን ቆርበት በጊዕ ክዕድግ የኽእለኒ ኢዩ።"

ኣብቲ ዓዲ ምስ በጸሐ ኣብ ሓደ ኣጉዶ ቀሪቡ ጸውዐ፡ ግና እቲ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኣይጸንሐን። ሰይቲ እቲ ሓረስታይ እቲ ገንዘብ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክኽፈል ምዃኑ ተመባጸዐት፡ ንሳ ባዕላ ግና ኣይኾነትን እትኸፍሎ። ሳይሞን መሊሱ ናብ ኻልእ ሓረስታይ ከደ፡ ግና ዝገደደ እዚ ገንዘብ ዝበሃል ከም ዘይብሉ መሓለ፡ ነቲ ሳይሞን ዘዐረዮ ቡት ጫማ ዝእውዶ ገንዘብ፡ ዕስራ ኮፔክ ጥራይ ከኣ ኸፈለ። እቲ ኩነታት ስለ ዘገደዶውን ሳይሞን ነቲ ቆረበት በጊዕ ብዕዳ ክዕድጎ ፈተነ፡ ግና እቲ ነጋዳይ ክኣምኖ ኣይኸኣለን።

“ገንዘብካ ደኣ ተማላእ፡" በለ፡ "ሽዑ ነቲ ቆርበትካ ክትወስዶ ትኽእል። ኣይ ዕዳ ምእካብ ክንድ ምንታይ ኣሸጋሪ ምዃኑ ኩላትና ንፈልጦ እንዲና።" ስለዚ እቲ ሰራሒ ጫማ ብጀካ ዋጋ'ቲ ቡት ጫማ ዘዐረየሉ ዕስራ ኮፔክን ሓደ ሓረስታይ ምእንታን ሶላኡ ብቆረበት ክቕየረሉ ዝሃቦ ጽምዲ ቡት ጫማን ካልእ ዘሳለጦ ዕዮ ኣይነበረን።

ሳይሞን ጓሂ ተሰምዖ። ነቲ ዕስራ ኮፔክ ኣብ መስተ ቮድካ ኣጥፍኦ፡ ዝኾነ ቆረበት ከይዓደገ ድማ ናብ ገዝኡ ገጹ ተበገሰ። ንግሆ ቁሪ ኣስሓይታ ተሰሚዑዎ እኳ እንተ ነበረ፡ ሕጂ ቮድካ ምስ ሰተየ ግና ዋላውን ብቆርበት በጊዕ ዝተሰርሐ ካቦት ኣይከደን ረስኒ ተሰምዖ። በቲ ሓደ ኢዱ ኣብቲ በረድ ዝመልአ ምድሪ በትሩ እናንበረ፡ በቲ ካልኣይ ከኣ ነቲ ቡት ጫማ እናወዛወዘን ምስ ገዛእ ነፍሱ እናተዛረበን ጎሰስ ብምባል ጉዕዞኡ ቀጸለ።

“ሙቐት ይስመዓኒ ኣሎ፡" በለ፡ "ብዘይ በጊዕ ቆርበት። ንጣብ ክንሱ ግና ኣብ ደም ሰራውረይ ይዘዋወር ኣሎ። ቆርበት በጊዕ ዝበሃል ኣየድልየንን ኢዩ። ብዘይ ገለ ጸገም ክጓዓዝ እኽእል እየ። ከመይ ዝበልኩ ሰብኣይ'ኮ እየ! እንታይ ዘጨንቕ ኣሎኒ? ብዘይ ቆርበት በጊዕ ክነብር እኽእል'ኮ እየ። ንዓይ ኣየድልየንን ኢዩ። ሰበይተይ ብርግጽ ክትቆርር ኢያ። ብልክዕ ድማ ሓደ ሰብ ምሉእ መዓልቲ ስርሕ ውዒሉ ገለ ጻማ ከይረኸበ ክተርፍ ውርደት ኢዩ። እቲ ገንዘብ ኣንተ ዘይተማሊእካዮ ተጠንቀቕ ቆርበትካ እየ ከልዕሎ፡ ወይለይ እንተ ዘይተማሊኤዮስ'ባ ብሩኽ እየ። ከመይ'ዩ ነገሩ? ኣብ ሓደ እዋን ዕስራ ኮፔክ እየ ዝኸፍል! ኣነ በዚ ዕስራ ኮፔክ እንታይ ክገብር እኽእል? እንትርፎ ክሰትዮ ካልእ ዝግበር ነገርሲ የሎን! ተጸጊመ ከኣ በለ! ተጸጊሙ ይኸውን ግና ኣነኸ? ንስኻ ገዛ፡ ከብትን ኩሉን ኣሎካ፥ ኣነ ደው ዝበለሉ ምድሪ ጥራይ ኢዩ ዘሎኒ! ንስኻ ዝዘራእካዮ ዓፋፉን ኣሎካ፡ ኣነ ግና እኽሊ ክሽምት ኣሎኒ። ዝገበርኩ ጌረ ኣብ ሰሙን ሰለስተ ሩብል ንእንጌራ ጥራይ ከውጽእ ኣሎኒ። ኣብ ገዛ ኣብ ዝምለሰሉውን ኩሉ'ቲ እንጌራ ተወዲኡ ይጸንሓኒ፡ መሊሰ ከኣ ሓደ ሩብልን ፈረቓን ከውጽእ እግደድ። እቲ ዝእውደካ ዘበለ ኽፈል፡ ይጻወት የለኹን!”

ኣብዚ እዋን ኣብ ኩርናዕ እቲ መገዲ ኣብ ዝርከብ ሰፈር ኣምልኾ በጺሑ ነበረ። ናብ ላዕሊ ገጹ ምስ ጠመተ፡ ብድሕር'ቲ ሰፈር ኣምልኾ ጻዕዳ ነገር ተዓዘበ። ጸሓይ ዳርጋ ዓሪባ ነበረት፡ እቲ ሰራሒ ጫማ ኣተኲሩ ናብቲ ነገር እንተ ጠመተውን እንታይ ምዃኑ ብንጹር ከለልይ ኣይኸኣለን። "ቅድም ሕጂ ጻዕዳ እምኒ ኣብኡ ኣይነበረን። ብዕራይ'ዶ ይኸውን? ብዕራይ ከኣ ኣይመስልን። ሰብ ዝመስል ርእሲ ኣለዎ፡ ግና ኣዝዩ ጻዕደወ፡ ሰብከ ኣብኡ እንታይ ይገብር?” ብምባል ሓሰበ።

ብንጹር ክርኢ ክብል ከኣ ተጸግዐ። ሓደ ምውት ዲዩ ህያው፡ ሕቖኡ ነቲ ቅዱስ ስፍራ ሂቡ፡ ብዕርቓኑ ከሎ ብዘይ ገለ ምንቅስቓስ ኮፍ ኢሉ ነበረ። እቲ ሰራሒ ጫማ ብፍርሂ ክመውት ደለየ፡ ከምዚ ብምባል ከኣ ሓሰበ፡ "ገለ ሰብ ቀቲሉ፡ ክዳኑ ገፊፉ ኣብዚ ገዲፉዎ ኣሎ፡ ማለት ኢዩ። ኣብ ዘየእትወኒ ኢደይ እንተ ኣእቲየ ብርግጽ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እየ።"

ስለዚ እቲ ሰራሒ ጫማ መገዱ ቀጸለ። ምእንቲ ነቲ ሰብ ከይርኢ ክብል ከኣ ብቕድሚ እቲ ሰፈር ኣምልኾ ሓለፈ። ገለ ርሕቐት መገዲ ምስ ተጓዕዘ፡ ድሕሪት ገጹ ጠመተ፡ እቲ ሰብኣይ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ተጸጊዑ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ናብኡ ገጹ ዝጥምት ክመስል ክንቀሳቐሰ ርኣዮ። እቲ ሰራሒ ጫማ ካብቲ ቅድም ዝገደደ ብፍርሂ ተበልዐ፡ ከምዚ ብምባል ከኣ ሓሰበ፡ "ናብኡ'ዶ ክምለስ፡ ወይስ መገደይ ክቕጽል? ናብኡ ገጸይ እንተ ቐሪበ ገለ ዘሰንብድ ነገር ከጓንፍ ይኽእል። መንነት እዚ ሰብ መን ክፍለጥ ይኽእል? ብጥዕና መቸም ናብዚ ስፍራ ኣይመጸን። ናብኡ እንተ ቐሪበ ዘሊሉ ጎሮሮይ ክሓንቐኒ ይኽእል፡ ካብኡ መዋጽኦ ዝበሃል የሎን። እንተ ዘይኮይኑውን ካብ ሸኽም ሰብ ምዃን ኣይኽሓልፍን ኢዩ። ኣነ ምስ ዕሩቕ ሰብ እንታይ ክገበር እኽእል? ነቲ ተሪፋ ዘሎ ክዳነይ ክህቦ ኣይኽእልን እየ። ካብዚ ስፍራ ክሃድም ኣምላኽ ጥራይ ይደግፈኒ!”

ስለዚ እቲ ሰራሒ ጫማ ብቕልጡፍ ካብቲ ከባቢ ስፍራ ኣምላኾ ክርሕቕ ጀመረ፡ ይኹንምበር ህልናኡ ምስ ወቐሶ ኣብ መገዲ ደው በለ።

“እንታይ ትገብር ኣሎኻ ሳይሞን?” ድማ በለ፡ ንገዛእ ርእሱ። "እቲ ሰብ ብሕሰም ተወዲኡ ከሎ፡ ንስኻ ግና ብሰንኪ ፍርሂ ገዲፍካዮ ትኸይድ ኣሎኻ። ክንድ ምንታይ ሃብቲ ደሊብካ ኢኻ'ኸ፡ ክንድ'ዚ ሰረቕቲ ትፈርህ? ኣየ ሳይሞን፡ የዋርድካ!”

ናብቲ ሰብኣይ ገጹ ከኣ ክስጉም ጀመረ።

ሳይሞን ናብቲ ጋሻ ምስ ቀረበ፥ መንእሰይ፡ ድልዱል፡ ኣብ ሰብነቱ ገለ ስምብራት ዘይብሉ፡ ጥራይ ቆሪሩን ፈሪሁን ዓይኑ ምኽፋት ዝሰኣነ ክመስል ናብኡ ገጹ ከይጠመተ ድሕሪት ገጹ ተጠውዩ ርኣዮ። ሳይሞን ዝያዳ ናብኡ ቀረበ፡ ሻቡ እቲ ሰብኣይ ዝተበራበረ መሰለ። ርእሱ ኣቕኒዑ ዓይኑ ኸፊቱ ገጽ ሳይሞን ጠመተ። እቲ ኣጠማምታ ጥራይ፡ ሳይሞን ነቲ ሰብ ከፍቅሮ ገበሮ። ነቲ ቡት ጫማ ኣብ መሬት ኣንቢሩ፡ ዕጣቑ ድሕሪ ምፍታሕ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ቡት ጫማ ኣንቢሩ፡ ካቦቱ ኣውጽአ።

“ሕጂ እዋኑ እዋን ዘረባ ኣይኮነን፡" ድማ በለ፡ "እንካ ብቕልጡፍ ነዚ ካቦት ተኸደኖ!” ካብኡ ሳይሞን ነቲ ሰብኣይ ብኹርናዕ ኣእዳው ሒዙ ደው ክብል ደገፎ። ንሱ ደው ኣብ ዝበለሉ፡ ሳይሞን፥ ሰብነቱ ጽሩይን ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ከም ዘሎን፡ ቀላጽም ኣእዳውን ኣእጋሩን ተሪር፡ ገጹ ጽቡቕን ለዋህን ምዃኑ ተዓዘበ። ኣብ ልዕሊ'ቲ መንኩብ ሰብኣይ ካቦቱ ኣንበረ፡ ይኹንምበር እቲ ሰብኣይ እጅግኡ ክረኽቦ ኣይኸኣለን። ሳይሞን ኢዱ ሒዙ ናብቲ እጅገ ብምእታው፡ በቲ ካቦት ጽቡቕ ጌሩ ከደኖ፡ ቁልፊ ጌሩውን ኣብ ሽምጡ ዓጠቖ።

ሳይሞን ነቲ ቀዳድ ቆቢዑ ከይተረፈ ኣውጺኡ ኣብ ርእሲ እቲ ሰብኣይ ከንብሮ ደለየ፡ ግና ኣብ ርእሱ ቁሪ ስለ ዝተሰምዖ "ኣነ ገዛ ርእሰይ በራህ እየ፡ ንሱ ግና ነዊሕ ጸጉሪ ርእሲ ኣለዎ።" ብምባል ሓሰበ። ስለዚ ነቲ ቆቢዕ መሊሱ ኣብ ርእሱ ኣንበሮ። "ነእጋሩ ገለ ነገር እንተ ሃብኩዎ ይሓይሽ።" ብምባል ሓሰበ፡ ነቲ ሰብኣይ ኮፍ ኣቢሉውን ነቲ ቡት ጫማ ክወድዮ ሓገዞ፡ "በልከ ዝዓርከይ፡ ሕጂ ገዛእ ርእስኻ ክተማሙቕ ተዛወር። እቲ ካልእ ነገር ደሓር ቀስ ኢሉ ይፍታሕ። ክትስጉም ትኽእል'ዶ?”

እቲ ሰብኣይ ደው ኢሉ ንሳይሞን ብሓልዮት ጠመቶ፡ ገለ ቃል ግና ኣይተዛረበን።

“ስለምንታይ ዘይትዛረብ?” በለ ሳይሞን። "ኣብዚ ስፍራ ክትጸንሕ እቲ ቦታ ኣዚዩ ቆራሪ ኢዩ፡ ናብ ገዛ ክንኸይድ ኣሎና። ሓዝ በል ነቲ በትረይ፡ ድኻም እንተ ተሰሚዑካ፡ ኣብኡ ተመርኮዝ፡ ንኺድ በል!"

እቲ ሰብኣይ ድሕሪት ከየንሰሓበ ብቐሊሉ ክስጉም ጀመረ።

ኣብ ዝጓዓዙሉ፡ ሳይሞን ከምዚ ብምባል ሓተተ፡ "ኣበይ'ዩ ዓድኻ?”

“ኣነ ካብዚ ከባቢ ኣይኮንኩን።"

“ብዙሕ ሓሰብኩ። ነቶም ኣብዚ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት እፈልጦም እየ። ግና ኣብዚ ቅዱስ ስፍራ እንታይ ክትገብር መጺኻ?”

“እዚ ኢዩ ክብል ኣይኽእልን እየ።"

“ገለ ሰብ ይገፍዓካ ከይህሉ?”

“ዝኾነ ሰብ ኣብ ልዕለይ ግፍዒ ዝፈጸመ የሎን። እግዚኣብሄር ኢዩ ቀጺዑኒ።"

“ልክዕ ኢዩ እግዚኣብሄር ኣብ ኩሉ ስልጣን ኣለዎ። ግድን ምግቢን መጽለሊ ገዛን ኣብ ገለ ስፍራ ክትረክብ ኣሎካ። ናበይ ኢኻ'ኸ ክትኸይድ ትደሊ?”

“ንዓይ ኩሉ ሓደ ኢዩ።"

ሳይሞን ተገረመ። እቲ ሰብኣይ ቀጣፊ ኣይመስልን፡ ኣዘራርባኡውን ልኡም ኢዩ፡ ግና መንነቱ ብጭራሽ ኣይገለጸን። ሳይሞን ሕጂውን ከምዚ ብምባል ሓሰበ፡ "እንታይ ከም ዘጓንፍ መን ክፈልጥ ይኽእል?” ነቲ ጋሻ ከኣ ከምዚ ብምባል ተወከሶ፡ "ደሓን በል፡ ምሳይ ናብ ገዛ ምጻእ፡ ካልእ ይትረፍ ገዛእ ርእስኻ ተሟሙቕ።"

ስለዚ ሳይሞን ናብ ገዝኡ ገጹ ክስጉም ጀመረ፡ እቲ ጋሻውን ጎድን ጎድኑ ምስኡ ሰዓበ። እቲ ንፋስ ስለ ዝበርተዐ ሳይሞን ኣብ ትሕቲ ካምቻኡ ቁሪ ተሰምዖ። ኣብቲ እዋን ስኽራኑ በኒኑ ስለ ዝነበረ፡ ኣስሓይታ ክስምዖ ጀሚሩ ነበረ። ብሰንኪ ቁሪ ኣፍንጭኡ ፊፍፊፍ እናበለ ከኣ ጃኬት ሰበይቱ ተኸድነ፡ ምስ ገዛእ ርእሱ ከምዚ ብምባልውን ሓሰበ፡ "ሕጂ ኢዩ፡ ቆርበት በጊዕ ዘድሊ ዝነበረ! ቆርበት በጊዕ ክማላእ ኢለ ገይሸስ፡ ናብ ገዛይ ዝባነይ'ኳ ዝሽፍን ካቦት ዘይበለይ እምለስ ኣሎኹ፡ ዝገደደ ድማ ዕሩቕ ሰብኣይ ምሳይ ይማልኦ ኣሎኹ። ማትርዮና በዚ ባህ ኣይክብላን ኢዩ!” ብዛዕባ ሰበይቱ ክሓስብ ከሎ፡ ጓሂ ተሰምዖ፡ ግና ናብቲ ጋሻ ሰብኣይ ምስ ጠመተ፡ ኣብቲ ቅዱስ ቦታ ብኸመይ ከም ዝጠመቶ ዘኪሩ ልቡ ብሓጎስ ተመልአ።

ኣብቲ መዓልቲ ሰይቲ ሳይሞን ብእዋኑ ኩሉ ኣዳልያ ወዲኣ ነበረት። እንጨይቲ ሰይራ፡ ማይ ተማሊኣ፡ ደቃ ምግቢ ኣብሊዓ፡ ንሳውን ቆሪሳ ክትሓስብ ጀሚራ ነበረት። መዓስ ቅጫ ክትስንክት ከም ዘለዋ ሓሰበት፡ ሎሚ፡ ወይስ ጽባሕ? ገና ዘይተበልዐ ዓቢ ቁራስ ተሪፉ ኣሎ።

“ዋላውን ሳይሞን ኣብ ከተማ ኣይደረር፡" ብምባል ሓሰበት፡ "ወይውን እኹል ድራር ኣይደረር፡ እቲ ቅጫስ ንኻልእ መዓልቲ ይኣክል ኢዩ።"

ነቲ ቁራስ ቅጫ ደጋጊማ ብኢዳ መዘነቶ፡ ከምዚ ድማ ሓሰበት፡ "ሎሚ መዓልቲ ካልእ ኣይስንክትን እየ። ሓደ እዋን ጥራይ ዘሰንክት ሓሩጭ ኢዩ ተሪፉና ዘሎ፡ ነዚ ከም ገለ ጌርና ክሳብ ዓርቢ ክነተኣኻኽሎ ኣሎና።"

ስለዚ ማትርዮና ነቲ ቅጫ ኣብ ስፍርኡ ኣቐሚጣ፡ ካምቻ ሰብኣያ ክትልቅብ ኮፍ በለት። ኣብ እትዓየሉውን ሰብኣያ ንኽረምቲ ዝኸውን ቆርበት ክዕድግ ምዃኑ ትሓስብ ነበረት።

“እቲ ነጋዳያ ከየታልሎ ጥራይ። እቲ ለዋህ ሰብኣየይ ገርሂ እንዲዩ፡ ዝኾነ ሰብ ከታልል ኣይኽእልን፡ ግና ዝኾነ ቆልዓ ክጻወተሉ ይኽእል ኢዩ። ሸሞንተ ሩብል ኣዝዩ ብዙሕ ገንዘብ ኢዩ፡ በቲ ገንዘብ ጽቡቕ ካቦት ክዕድግ ይኽእል። ዋላውን ቀለም ኣይስተ፡ ግና ደሓን ዝኾነ ካቦት ክራምት ክረክብ ይኽእል ኢዩ። ዝሓለፈ ክራማት ብዘይ ዘሟምቕ ካቦት ብመከራ ተሓሊፉ። ብሰንኪ'ዚ ናብ ሩባ ይኹን ኣብ ካልእ ቦታ ክወጽእ ኣይከኣልኩን ኔረ። ንሱ ኩሉ ተኸዲኑዎ ስለ ዝወጽእ፡ ንዓይ ገለ ዘይበለይ እተርፍ ኔረ። ሎሚ ኣንጊሑ ኣይኮነን ተበጊሱ፡ ግና እቲ ዝመጻሉ ሰዓት ቀሪቡ ኢዩ። ሰትዩ ከይመጽእ ጥራይ ኢዩ፡ እቲ ጸሎተይ!”

ማትርዮና ገና ነዚ ሓሳባታ ከይወደአት ከላ፡ ኣብቲ ከባቢ መጥሓን ድምጺ ስጉምቲ ሰምዐት፡ ገለ ሰብውን ኣተወ። ማትሮዮና ነቲ መርፍዕ ኣብቲ ካምቻ ወጊኣ፡ ናብቲ ኮሮዲዮ ወጸት። ኣብኡ ክልተ ሰባት ርኣየት፡ ሳይሞንን ሓደ ቆቢዕ ዘይገበረ ቡት ጫማ ዝወደየ ሰብኣይን ኢዮም።

ማትርዮና ሽዑ ንሽዑ ሰብኣያ ኣልኮል መስተ ይጨንው ምህላው ተረድአት። "ርኣዩ በሉ፡ ክሰቲ'ዩ ውዒሉ።" ብምባል ሓሰበት። ካቦት ከም ዘይብሉ፡ ናታ ጃኬት ጥራይ ከም ዝተኸደነን ገለ ጥቕላል ከም ዘይተማልአን ምስ ተዓዘበት፡ ሕንከት ተሰሚዑዋን ተስፋ ቆሪጻን ደው በለት። "በቲ ገንዘብ ሰቲዩ ኣሎ ማለት ኢዩ፡" ብምባል ሓሰበት፡ "ምስዚ ናብ ገዛ ዝተማልኦ ዘይረብሕ ሰብኣይ ክሰቲ ውዒሉ ኣሎ፡ ማለት ኢዩ።"

ማትርዮና ናብ ውሽጢ'ቲ ኣጉዶ ኣሕለፈቶምን ደድሕሬኦም ሰዓበትን፡ እቲ ጋሻ፥ መንእሰይ፡ ኣቓውምኡ ትኽ ዝበለ ምዃኑን ካቦት ሰብኣያ ከም እተኸድነን ተዓዘበት። ኣብ ትሕቲኡ ካምቻ ዝበሃል ኣይገበረን፡ ቆቢዕውን የብሉን። ምስ ኣተው ከይተንቀሳቐሰን ዓይኑ ከየልዓለን ደው በለ፡ "ሕማቕ ሰብ ክኸውን ኣለዎ፡ ፈሪሁ ኣሎ።" ብምባል ማትርዮና ሓሰበት።

ማትርዮና ፈዚዛ እንታይ ከም ዝገብሩ ክትዕዘብ ብድሕሪ'ቲ ምድጃ ደው በለት።

ሳይሞን ገለ ጸገም ከም ዘየሎ ቆቢዑ ኣውጺኡ ኣብቲ መንበር ኮፍ በለ።

“ማርትዮና፡ ንዒ፡ ገለ ድራር እንተሎ ቀርብልና ክንድረር።"

ማርትዮና ምስ ገዛእ ርእሳ ገለ ተዛሪባ ከይተንቀሳቐሰት ርእሳ ጥራይ ነቕኒቓ ኣብ ዝነበረቶ ድሕርቲ ምድጃ ደው በለት። ሳይሞን ሰበይቱ ከም ዝሓረቐት ተዓዘበ፡ ግና ከም ዘይረኣየ ስቕ በለ። ነቲ ጋሻ ብኢዱ ድማ ሓዞ።

“ኮፍ በል ዝዓርከይ፡" በለ፡ "ድራርና ንደረር።"

እቲ ጋሻ ኣብቲ መንበር ኮፍ በለ።

“ገለ ዝብላዕ ኣዳሊኽልና ዶ?” በለ ሳይሞን።

ማትርዮና ሕርቓና ክትቖጻጸር ኣይኸኣለትን፡ "እወ ምግቢ ኣዳሊየ እየ፡ ንዓኻ ግን ኣይኮነን። ቀልብኻ ክሳብ ተጥፍእ ሰቲኻ ኢኻ መስለኒ። ቆርበት በጊዕ ክትዕድግ ገይሽካስ ምሳካ እተኸድንካዮ ካቦትን ዕሩቕ ግዳም ሓደርን ተማሊእካ። ከማኻ ንዝበሉ ሰኽራማት ዝኸውን ድራር የብለይን።"

“ይኣክል ማትርዮና። ብዘይ ምኽንያት መልሓስኪ ኣይተወጣውጢ። እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃኑ እንተ ሓተትኪ --”

“ንስኻ እምበር ነቲ ገንዘብ ኣበይ ከም ዝዘረኻዮ ሓብረኒ?”

ሳይሞን ነቲ ሰለስተ ሩብል ጥቕላል ገንዘብ ካብ ውሽጢ ጃኬት ጁባኡ ኣውጺኡ ዘርግሖ።

“እንሄለ እቲ ገንዘብ። ትሪፎኖፍ ኣይኸፈለን፡ ግና ኣብ ቀረባ ክኸፍል ምዃኑ ቃል ኣቲዩ ኢዩ።"

ማትርዮና ሕጂውን ዝያዳ ሓረቐት፡ ዝኾነ ቆረበት በጊዕ ኣይዓደገን፡ ነቲ ሓደ ካቦቱ ነቲ ዕሩቕ ሰብኣይ ሂቡዎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናብ ገዛናውን ሒዙዎ መጺዩ።

ነቲ ገንዘብ ካብ ልዕሊ'ቲ ጣውላ መንዚዓ፡ ኣብ ስቱር ቦታ ክተቐምጦ ወሰደቶ፡ "ንዓኹም ዝኸውን ድራር የብለይን። ኣብዛ ዓለም ዘለዉ ዕሩቓት ሰኽራማት ክንቕልብ ኣይኮንናን።"

“በሊ መልሓስኺ ዓርንቢ፡ ማትርዮና። ፈለማ እቲ ሰብኣይ እንታይ ከም ዝብል ስምዒ -”

“እንታይ ቁም ነገር ክሰምዓሉ'የ ካብ ሓደ ዓሻ ሰኽራም፡ ከማኻ ዝበለ ሰኽራም ከይምርዓው ወሲነ ምንባረይ ቅኑዕ'ዩ ኔሩ። ኣደይ ዝሃበትካ ጋቢ ሰቲኻዮ፡ ሕጂውን ኣብ ክንዲ ካቦት ትገዝዕ ሰቲኻዮ።"

ሳይሞን ዕስራ ኮፔክ ጥራይ ከም ዘውጽአን ብኸመይ ነቲ ሰብኣይ ከም ዝረኸቦን - ንሰበይቱ ከረድኣ ፈተነ፡ ማርትዮና ግና ዘረባኡ ኣየወደአቶን። ካብ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ኣትሒዙ ዝነበረ ነገራት ኣምጺኣ፡ ብዘይ ምቑራጽ ሃተውተው በለት።

ማትርዮና እኹል ትሩፍ ተዛሪባ ምስ ወደአት፡ ናብ ሳይሞን ገጻ ተወርዊራ ብእጅገኡ ሓዘቶ።

“ጃኬተይ ሃበኒ። ንሱ ጥራይ'ዩ ዘሎኒ፡ ካባይ ወሲድካ ክትኽደኖስ ግቡእ'ዶ ኢዩ። ሃበኒ ኣብዚ ደኣ፡ ኣታ ሕሙም ዝቆርበቱ ከልቢ፡ ሰይጣን ደኣ ሒዙካ ይኺድ።"

ሳይሞን ነቲ ጃኬት ካብ እጅገኡ ኣትሒዙ ከውጽኦ ጀመረ፡ ማትርዮና ነቲ ጃኬት ጨቢጣ ምስ ሓዘቶ፡ እቲ ዕጣር ተተርተረ፡ መንዚዓ ኣብ ርእሳ ብምድርባይ ከኣ ናብቲ ማዕጾ ገጻ ኣምርሐት። ሓሳባታ ክትወጽእ ኢዩ ኔሩ፡ ግና ከይወሰነት ደው በለት – ወጺኣ ዕራቓና ክትቖጻጸሮ ደለየት፡ ግና እቲ ጋሻ መን ምዃኑ ክትፈልጥውን ተሃንጠየት።

ማትርዮና ደው ኢላ፡ "ሕያዋይ ሰብ እንተ ዝኸውን፡ ብዕራቓኑ ጥራይ ኣይምተራእየን። ስለምንታይ ካምቻ'ኳ ዘይብሉ። እዚ ሰብ ጥዑይ እንተ ዝኸውን፡ ብኣንትብኡ ምተዛረብካ ኔርካ።" በለት።

“ኣይ ንሱ እንዲየ ክሕብረኪ ደሊየ፡" በለ ሳይሞን። "ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ምስ በጻሕኩ ብዕርቓኑን ቆሪሩን ኮፍ ኢሉ ርኣኹዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነታት ኣየር ብዕርቓንካ ኮፍ ክትብል ናይ ጥዕና ኣይኮነን! እግዚኣብሄር ኢዩ ናብኡ ልኢኹኒ፡ እንተ ዘይኮነ ምሞተ ኔሩ። ኣነ እንታይ ዘይገበርኩ? እንታይ ከም ዘጓንፎ ብኸመይ ንፈልጥ? ስለዚ ክማልኦ ወሲነ፡ ክዳን ሂበ ከኣ ምሳይ ኣምጺአዮ። ብዙሕ ኣይትሕረቒ፡ ማትርዮና። እዚ ሓጢኣት ኢዩ። ሓደ መዓልቲ ኩላትና ክንመውት ምዃንና ዘክሪ።"

ማትርዮና ብሕርቓን ክትዛረብ ደለየት ግና ነቲ ጋሻ ምስ ርኣየቶ ስቕ በለት። ከይተንቀሳቐሰ ኢዱ ኣብ ብርኩ ዓጺፉ፡ ርእሱ ኣብ ኣፍልቡ ጌሩ፡ ዓይኑ ዓሚቱ፡ ከም እተቆንዘወ ሽፋሽፍቲኡ ኣሲሩ፡ ኣብ ጫፍ'ቲ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ። ማትርዮና ትም በለት፡ ካብኡ ሳይሞን ከምዚ በለ፡ "ማትርዮና፡ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝበሃል የብልኪን'ዶ?”

ማትርዮና ነዘን ቃላት ምስ ሰምዐትን ነቲ ጋሻ ምስ ጠመቶቶን ሃንደበት ልባ ራሕርሓሉ። ካብቲ ማዕጾ ተመሊሳ ካብቲ ምድጃ ድራር ኣውጽአት። ኣብ ልዕሊ ጣዋላ ኩባያ ኣንቢራ ኪቫስ ቀድሐት። ነቲ ተሪፋ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ቅጫ ኣውጺኣውን፡ ካራን ማንካን ቀረበት።

“ንቐደም በሉ፡" ከኣ በለት።

ሳይሞን ነቲ ጋሻ ናብቲ ጣውላ ኣቕረቦ።

“ንበር ኣታ መንእሰይ።" በለ።

ሳይሞን ነቲ ቅጫ ፈትፊቱ ኣብቲ መረቕ ኣለኾ፡ ክበልዑ ከኣ ጀመሩ። ማትሮዮና ኣብ ኩርናዕ እቲ ጣውላ ኮፍ ኢላ፡ ርእሳ ብኢዳ ተመርኲሳ፡ ነቲ ጋሻ ትጥምቶ ነበረት።

ካብኡ ማትርዮና ነቲ ጋሻ ደንገጸትሉ፡ ክተፍቅሮ ከኣ ጀመረት። ብቕጽበት ገጽ ኣቲ ጋሻ በርሀ፡ ሽፋሽፍቱ ኣይዓጸፈን፡ ኣብ ማትርዮና ገጹ ዓይኑ ኣልዒሉ ከኣ ፍሽኽ በለ።

ድራር ምስ ተደረሩ፡ እታ ሰበይቲ ኣቑሑት ኣለዓዒላ ምስ ወደአት፡ ነቲ ጋሻ ክትሓቶ ጀመረት። "ኣበይ'ዩ ዓድኻ?” በለት።

“ኣነ ካብዚ ከባቢታት ኣይኮንኩን።"

“ግና ብኸመይ ደኣ ናብቲ መገዲ መጺኻ?”

“እዚ ኢዩ ክብል ኣይኽእልን እየ።"

“ገለ ሰብ ሰሪቑካ ዲዩ?”

“እግዚኣብሄር ኢዩ ቀጺዑኒ።"

“እሞ ኸኣ ኣብኡ ብዕርቓንካ ግምብው ኢልካ ኔርካ?”

“እወ፡ ዓሪቐን ቆሪረን ኔረ። ሳይሞን ምስ ርኣየኒ ደንገጸለይ። ካቦቱ ኣውጺኡ ከደነኒ፡ ናብዚ ድማ ተማሊኡኒ። ንስኽውን ምግቢን ዝስተን ሂብክኒ፡ ደንጊጽክለይ። ኣምላኽ ጻማ ይሃብኪ!”

ማትርዮና ብድድ ኢላ ካብ ልዕል'ቲ ፊኒስትራ ነቲ ትልቅቦ ዝነበረት ኣረጊት ካምቻ ሳይሞን ኣምጺኣ ነቲ ጋሻ ሃበቶ። ስረ ኣምጺኣውን ሃበቶ።

“እንሄለ፡" በለት፡ "ከምዝርእዮ ካምቻ የብልካን፡። ነዚ ተኸደን፡ ኣብ ድላይካ ቦታ ከኣ ጎቦ ኹን፡ ኣብቲ ስፍራ መቐመጢ ሓሰር፡ ወይ ኣብ ልዕልቲ ከባቢ መዕጎዲ ሓዊ።"

እቲ ጋሻ ካቦቱ ኣውጺኡ፡ ካምቻ ገበረ፡ ኣብቲ መቐመጢ ሓሰር ከኣ ጎቦ ኾነ። ማትርዮና ሽምዓ ኣውጺኣ ካቦት ሒዛ ናብቲ ሰብኣያ ዝደቀሰሉ ደየበት።

ማትርዮና ነቲ ካቦት ኣብ ልዕሌኣ ደሪባ ጎቦ ኮነት፡ ግና ክትድቅስ ኣይኸኣለትን፡ እቲ ጋሻ ካብ ኣእምሮኣ ክወጽእ ኣይኸኣለን።

ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ቁራስ ቅጫ ከም ዝበልዖን ንጽባሕ ዝኸውን ከም ዘየሎን ምስ ዘከረት፡ ከምኡውን ነቲ ዝሃበቶ ካምቻን ስረን ምስ ሓሰበት፡ ጣዕሳ ተሰምዓ፡ ብኸመይ ፍሽኽ ከም ዝበለ ምስ ዘከረት ግና ልባ ብሓጎስ ተመልአ።

ማትርዮና ከየደቀሰት ነዊሕ ጸንሐት፡ ሳይሞንውን ከም ዘይደቀሰ ኣስተብሃለት – ነቲ ካቦት ናብኡ ገጹ ሰሓቦ።

“ሳይሞን!”

“እህ?”

“ነቲ ተሪፉ ዝነበረ ቅጫ በሊዕኩሞ ኢኹም፡ ካልእ ብሑቕ ከኣ ኣየዳለኹን። ጽባሕ እንታይ ከም እንገብር ኣይፈልጥን እየ። እንተ ኾይኑለይ ካብ ማርታ ጎረቤትና ክልቃሕ እየ።"

“ብህይወት እንተ ኣሎናስ ዝብላዕ ኣይንስእንን ኢና።"

እታ ሰበይቲ ደቂሳ ከላ፡ ከምዚ በለት፡ "ንሱ ሕያዋይ ሰብኣይ ይመስል፡ ግና መን ምዃኑ ስለ ምንታይ ዘይሓበረና?”

“ናቱ ምኽንያት ግድን ክህልዎ ኣለዎ ይብል።"

“ሳይሞን!”

“እህ?”

“ንሕና ንህብ፡ ግና ስለምንታይ ዝኾነ ሰብ ንዓና ዘይህብ?”

ሳይሞን ዝምልሶ ጨነቖ፡ ስለዚ ከምዚ ጥራይ በለ፡ "ዘረባ ይኣኽለና።" ካብኡ ተገምጢሉ ደቀሰ።

ንግሆ ምድሪ ሳይሞን ተበራበረ። እቶም ቆልዑ ደቂሶም ነበሩ፡ ሰበይቱ ድሮ ካብ ጎረቤት ገለ ቅጫ ክትልቃሕ ከይዳ ነበረት፡ እቲ ጋሻ ነቲ ዝዓረገ ካምቻን ስረን ተኸዲኑ ንላዕሊ ገጺ ኣንቃዕሪሩ በይኑ ኣብ መንበር ኮፍ ኢሉ ነበረ። ገጹ ካብ'ቲ ትማሊ ዝነበሮ ዝያዳ በሪሁ ነበረ።

ሳይሞን ከምዚ ብምባል ተወከሶ፡ "ሃየ ዝዓርከይ፡ ከብዲ እንጌራ፡ ዕሩቕ ሰብነት ከኣ ክዳውንቲ ይደሊ ኢዩ። ሓደ ሰብ ክነብር ክሰርሕ ይግባእ፡ እንታይ ዕዮ ትዓዪይ?”

“ኣነ ዝኾነ ይኹን ኣይፈልጥን እየ።"

እዚ ንሳይሞን ኣገረሞ፡ ግና ከምዚ በለ፡ "እቶም ክመሃሩ ድልዋት ዝኾኑ ሰባት ዝኾነ ይኹን ነገር ክመሃሩ ይኽእሉ ኢዮም።"

“ሰባት ይሰርሑ፡ ኣነውን ክሰርሕ እየ።"

“መን'ዩ ስምካ?”

“ማይክል።"

“ደሓን እሞ፡ ማይክል፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስኻ ክትዛረብ እንተ ዘይደሊኻ፡ እቲ ጉዳይ ንዓኻ ጥራይ ዝምልከት ይኸውን፡ ግና ባዕልኻ ጽዒርካ ክትናበር ይግባእ። ከምቲ ኣነ ዝሕብረካ እንተ ዓዪኻ፡ ኣነ ምግብን መጽለሊን ክህበካ እየ።"

“እግዚኣብሄር ይባርኽካ! ኣነ ከመሃር ድልው እየ፡። እንታይ ክገብር ከም ዝግባእ ኣርእየኒ።"

ሳይሞን ፈትሊ ኣልዒሉ፡ ኣብ ዓባይ ዓባይቶኡ ብምጥቕላል ክፍሕሶ ጀመረ።

“ኣዚዩ ቀሊል ኢዩ – ርአ!”

ማይክል ርኣዮ፡ ገለ ፈትሊ ኣልዒሉ ከኣ ብተመሳሳሊ ኣብ ዓባይ ዓባይቱኡ ጠቕሊሉ፡ ብብልሓት ነቲ ፈትሊ ፈሓሶ።

ካብኡ ሳይሞን ብኸመይ ነቲ ፈትሊ ስምዒ ከምዝለኽዮ ኣርኣዮ። ማይክል ነዚውን መለኾ። ብምቕጻል ሳይሞን ብኸመይ ጸጉሪ ከም ዝፈሓስን ብኸመይ ከምዝስፈን ኣርኣዮ። ማይክል ብቕልጡፍ ተመሃሮ።

ሳይሞን ዝርኣዮ ዘበለ ብቕጽበት ተረድኦ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ፡ ልክዕ ከምዚ ምሉእ ህይወቱ ጫማ ቡት ዝሰፍይ ዝነበረ ይዓዪይ ነበረ። ብዘይ ዕረፍቲ ይዓዪይን ሒደት ይምገብን ነበረ። ስራሕ ምስ ተዛዘመ ብዘይ ዘረባ ኮፍ ኢሉ ንላዕሊ ገጹ ኣንቃዕሪሩ ይጥምት ነበረ። ናብ ጎደና ገጹ ዳርጋ ኣይከይድን፡ ኣብቲ ዘድሊ ጥራይ ይዛረብ፡ ከምኡውን ፈጺሙ ኣይዋዘን ኣይስሕቅን ነበረ። እንትርፎ እታ ፈለማ ምሽት ማትርዮና ድራር ምስ ሃበቶ፡ ካልእ እዋን ፍጹም ፍሽኽ ክብል ርእዮሞ ኣይፈልጡን ነበሩ።

በብመዓልቲን በብሰሙንን እቲ ዓመት ተወደአ። ማይክል ምስ ሳይሞን ይሰርሕን ይቕመጥን ነበረ። ሰባት ከም ማይክል እቲ ሰራሕተኛ ሳይሞን ጌሩ ቡት ጫማ ዝሰፊ የሎን ክሳብ ዝብሉ ተፈላጥነቱ ገነነ፡ ካብ ኩሉ ኣውራጃታት ቡት ጫምኦም ሒዞም ናብ ሳይሞን ይመጹ ስለ ዝነበሩ ከኣ፡ መነባብሮኡ ጽቡቕ ክኻየድ ጀሚሩ ነበረ።

ሓደ ክረምቲ ሳይሞንን ማይክልን ኮፍ ኢሎም ኣብ ዝዓዩሉ እዋን፡ ብሰለስተ ኣፍራስ ዝዝወር ካሮሳ ምስ ደወሉ እናቓጨለ ናብቲ ኣጉዶ መጸ። ብፊኒስትራ ምስ ጠመቱ፡ እቲ ካሮሳ ኣብ ኣፍደገኦም ደው በለ፡ እቲ ኣገልጋሊ ካብ ውሽጢ እቲ ካሮሳ ዘሊሉ ወሪዱውን ነቲ ማዕጾ ከፈቶ። ብዝለፍዐ ቆርበት ዝተሰርሐ ካቦት ዝተኸድነ ሰብኣይ ወሪዱ ናብ እንዳ ሳይሞን ኣጉዶ ኣምርሐ። ማትርዮና ነቲ ኣፍደገ ከፈተቶ። እቲ ሰብኣይ ጉምብሕ ኢሉ ናብቲ ኣጉዶ ኣተወ፡ ቅንዕ ምስ በለ ከኣ፡ ዳርጋ ርእሱ ነቲ ሰንቀ ተንኪፉዎን ብግዝፉ ነቲ ክፍሊ መሊኡዎን ነበረ።

ሳይሞን ተሲኡ ብትሕትና ጉምብሕ ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ሰብኣይ ብኣድናቖት ጠመቶ። ንዕኡ ዝመስል ሰብ ፈጺሙ ርእዩ ኣይፈልጥን ነበረ። ሳይሞን ዕባራ ኢዩ፡ ማይክልውን ቀጢን ኢዩ፡ ማትርዮና ዳርጋ ዓጽሚ ጥራይ ኢያ፡ ግና እዚ ሰብ ካልእ ዓለም ዝመጸ ኢዩ ዝመስል፡ ገጹ ቀይሕ፡ ፍርዙን፡ ክሳዱ ከም ኣርሓን ኩሉነትናኡ ብሓጺን ዝተሰርሐን ኢዩ ዝመስል።

እቲ ሰብኣይ ኡፍ ኢሉ ኣስተንፈሰ፡ ነቲ ብዝተለፍዐ ቆርበት ዝተሰርሐ ካቦቱ ኣውጺኡ ኣብቲ መንበር ድሕሪ ምቕማጥ ከኣ፡ "መን ኢኹም ኢዩ፡ ክኢላ ሰራሒ ቡት ጫማ?” በለ።

“ኣነ እየ፡ ጎይታይ፡" ብምባል ሳይሞን ናብ ቅድሚት ገጹ ቀረበ።

ካብኡ እቲ ሰብኣይ ነቲ ምስኡ ዝመጸ መንእሰይ፡ ዓው ኢሉ "ስማዕ፡ ኬድካ ነቲ ቆርበት ተማልኣዮ!” በለ።

እቲ ኣገልጋሊ ብጉያ ጥቕላል ኣቅሓ ሒዙ ተመልሰ። እቲ ሰብኣይ ነቲ ጥቕላል ተቐቢሉ ኣብ ልዕሊ ጣውላ ኣንበሮ።

“ፍትሓዮ፡" በለ። እቲ መንእሰይውን ፈትሖ።

እቲ ሃብታም ሰብኣይ ናብቲ ቆርበት ኣመልከተ።

“ኣብዚ ርአ፡ ሰራሒ ጫማ፡" በለ፡ "ነዚ ቆርበት ትርእዮ ደሎኻ?”

“እወ እርእዮ ኣሎኹ፡ ጎይታይ።"

“ግና እንታይ ዓይነት ቆርበት ምዃኑ ትፈልጥ ዶ?”

ሳይሞን ነቲ ቆርበት ዳሕሲሱ፥ "ጽቡቕ ቆርበት ኢዩ።" በለ።

“ጽብቕ'ዶ በልካ፡ እወ ብሓቂ ጽቡቕ እምበር! ኣታ ዓሻ ከምዚ ዝበለ ቆርበት ኣብ ምሉእ ህይወትካ ርኢኻ ኣይትፈልጥን ኢኻ። ናይ ዓዲ ጀርመን ኢዩ፡ ዕስራ ሩብል ድማ ተዋሂቡዎ።"

ሳይሞን ፈርሀ፡ ከምዚ ድማ በለ፡ "ከመይ ኢለ'ኸ ከምዚ ዝበለ ቆርበት ክርኢ እኽእል?”

“ልክዕ በልካ! በል፡ ብእኡ ቡት ጫማ ክትሰርሓለይ ትኽእል'ዶ?”

“እወ፡ ይኽእል፡ ጎይታይ።"

ካብኡ እቲ ሰብኣይ ከምዚ ብምባል ኣጠንቀቖ፡ "ንስኻስ ትኽእል፡ ትኽእል ዶ? ደሓን በል፡ ዋናኡ መን ምዃኑን ዓይነት እቲ ቆርበትን ዘክር። ቅርጹ ከይቐየረን ስፍየቱ ከይለቀቐን ዓመት ምሉእ ዝገብሮ ቡት ጫማ ክትሰርሓለይ ይግባእ። ክትሰርሖ እንተ ኽኢልካ ነቲ ቆርበት ውሰዶሞ ቁረጾ፡ ዘይትኽእል እንተ ኾይንካ ግና ተዛረብ። ብሕጂ የጠንቅቐካ ኣሎኹ፡ ኣብ ውሽጢ ዓመት እቲ ቡት ጫማ ቅርጺ እንተ ቐዪሩ፡ ወይ ስፌቱ እንተ ለቂቑ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ክድርብየካ እየ። ኣብ ዓመት ቅርጺ እንተ ዘይቐዪሩን እንተ ዘይተቐዲዱን ንዕዮኻ ዓሰርተ ሩብል ክኸፍለካ እየ።"

ሳይሞን ፈርሀ፡ እንታይ ከም ዝምልስ ጠፍኦ። ናብ ማይክል ገጹ ጠሚቱ ብኹርናዕ ኢዱ እናተንከዮ፡ ብሕሹኽታ፥ "ነቲ ዕዮ ክቕበሎ'ዶ?” በለ።

ማይክል ብምልክት "እወ፡ ተቐበሎ።" ንምባል ርእሱ ነቕነቐ።

ሳይሞን ከምቲ ማይክል ዘማኸሮ ገበረ፡ ዓመት ምሉእ ቅርጺ ዘይቕይር፡ ወይ ዘይቕደድ ቡት ጫማ ክሰርሕ ተሰማምዐ።

እቲ ሰብኣይ ነገልጋሊኡ ጸዊኡ ኣእጋሩ ብምዝርጋሕ ነቲ ቡት ጫማ ካብ ጸጋማይ እግሩ ከውጽኦ ሓበሮ።

“ዓቐነይ ውሰድ!” ከኣ በለ።

ሳይሞን ዓሰርተ ሸቡዓተ ኢንች ዝቑመቱ ወረቐት ዓቒኑ ኣመዓራረዮ፡ ምእንታን ካልሲ'ቲ ወረጃ ሰብኣይ ከየርስሕ ክብል ከኣ ኢዱ ኣብ ግርምብያልኡ ደሪዙ ክዕቅን ጀመረ። ነቲ ሶላ እግሩን ታኮ እግሩን ዓቐነ፡ ፈርስ ዳንጋኡ ኣብ ዝዕቕነሉ እዋን ግና እቲ ወረቐት ኣዚዩ ሓጸረ። እቲ ዳንጋ እግሪ ከም ግንዲ ገመል ረጒድ ነበረ።

“ተጠንቀቕ ኣብ እግሪ ኣዚኻ ከይተክርሮ።"

ሳይሞን ካልእ ወረቐት ሰፈየ። እቲ ሰብኣይ ኣጻብዕቲ እግሩ ኣብ ውሽጢ እቲ ካልሲ ኣንፈጥፈጠን፡ ናብቶም ኣብቲ ኣጉዶ ዘለዎ ኣብ ዝጥምተሉ ንማይክል ኣስተብሃለሉ።

“መን ኢኻ ንስኻ?” ብምባል ሓተተ።

“እቲ ሰራሕተኛይ ኢዩ። ንሱ ነቲ ቡት ጫማ ክሰፍዮ ኢዩ።"

“ተጠንቀቕ፡" በለ እቲ ሰብኣይ ንማይክል፡ "ዓመት ምሉእ ከም ዘገልግለኒ ጌርካ ከም እትሰርሖ ዘክር።"

ሳይሞንውን ናብ ማይክል ጠመተ፡ ማይክል ከኣ ናብቲ ሰብኣይ ገጹ ይጥምት ከም ዘየለ ተዓዘበ፡ ግና ከምዚ ገለ ነገር ዝርኣየ፡ ድሕር'ቲ ሰብኣይ ኣብ ዘሎ ኩርናዕ ይጥምት ነበረ። ማይክል ብዙሕ ምስ ጠመተ ፍሽኽ በለ፡ ገጹውን በርሀ።

"ኣታ ዓሻ፡ ስለ ምንታይ ኢኻ ግይጽ ትብል ዘሎኻ?” ብምባል እቲ ሰብኣይ ኣንጎድጎደ። "እቲ ቡት ጫማ ኣብ እዋኑ ከም ዝዳሎ እንተ ሓሰብካ ይሕሸካ።"

“ኣብ እዋኑ ድልው ክኸውን ኢዩ፡" በለ ማይክል።

“ተጠንቐቕ፡ ከም ቃልካ ክትፍጸም፡" በለ እቲ ሰብኣይ፡ ቡት ጫማኡን ብዝለፍዐ ቆርበት ዝተሰርሐ ካቦቱን ጌሩ፡ ገዛእ ርእሱ በቲ ካቦት ብምሽፋን ናብቲ ማዕጾ ገጹ ኣምርሐ። ግና ጉምብሕ ከይብል ስለ ዝዘንገዐ ርእሱ ምስቲ ላዕላዋይ ልዳት ተላግዐ።

ተራጊሙ ርእሱ ሓሰየ። ኣብ ውሽጢ'ቲ ካሮሳ ኣቲውን መገዱ ቀጸለ።

ንሱ ምስ ከደ፡ ሳይሞን ከምዚ በለ፡ "ሰብኣይ ማለት እንሄልካ! ጉድ ኢዩ፡ ነዚ ብሞዶሻውን ኣይትቐትሎን ኢኻ። ነቲ ልዳት ዳርጋ ኣውዲቑዎ ነበረ፡ ግና ንሱስ ገለኳ ኣይተሓሰየን።

ማትርዮናውን ከምዚ በለት፡ "ትርርዒቱ'ዶ ይምስክር የሎን፡ ከመይ ጌሩኸ ዘይሕይል? ከምዚ ዝበለ ከውሒስ ሞት'ኳ ኣይቐርቦ!”

ሻቡ ሳይሞን ንማይክል ከምዚ በሎ፡ "ደሓን በል፡ ነቲ ስራሕ ተረኪብናዮ ኣሎና፡ ግና ኣብ ጸገም ከየእትወና ክንጥንቀቕ ኣሎና።" እቲ ቆርበት ክቡር ኢዩ፡ እቲ ሰብኣይ ከኣ ቁጡዕ ኢዪ። ፈጺምና ክንጋገ የብልናን። ንዓ ደኣ፡ ካብዚ ናተይ ዓይንኻ ብሩህ ኢድካውን ስሉጥ ኢዩ፡ ነዚ መዐቀኒ ውሰድ'ሞ፡ ነቲ ቡት ጫማ ቀዲድካ ቅረጾ። ኣነ ኣብ ምዝዛም'ቲ ላዕላዋይ ክፋል ኣብ ምስፋይ ክሕግዘካ እየ።"

ማይክል ከም እተባህሎ ገበረ። ነቲ ቆረበት ወሲዱ ኣብ ጣውላ ዘርግሖ፡ ንኽልተ ዓጺፉ ብኻራ ክቆርጾ ጀመረ።

ማትርዮና መጺያ ክቆርጽ ከሎ ርኣየቶ፡ ብኸመይ የዳልዎ ከም ዘሎ ርእያ ከኣ ተገረመት። ማትርዮና ቡት ጫማ ብኸመይ ከም ዝስራሕ ኣጸቢቓ ትፈልጥ ኢያ፡ ማይክል ነቲ ቆርበት ንቡት ጫማ ዘይኮነ ዝቖርጽ ዘሎ፡ እኳ ደኣ ብኸቢብ ይቖርጾ ከም ዘሎ ተዓዘበት።

ንሳ ክትዛረብ ደለየት፡ ግና ምስ ገዛእ ርእሳ ከምዚ ብምባል ኣስተንተነት፡ "ምናልባት ናይቶም ወረጃ ኣሰብኡት ቡት ጫማ ብኸመይ ከም ዝስራሕ ኣይፈልጥን ይኸውን። ማይክል ዝያዳ ይፈልጥ ይኸውን – ጣልቃስ ኣይክኣትውን እየ።"

ማይክል ነቲ ቆርበት ምስ ቆረጸ፡ ከምቲ ቡት ጫማ ዝስፈዮ ብኽልተ ጫፍ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ከም ሻባቶ ጫማ ፈትሊ ጌሩ ብሓደ ጫፍ ክሰፊ ጀመረ።

ማትርዮና ከም እንደገና ተገረመት፡ ግና ሕጂውን ጣልቃ ኣይኣተወትን። ማይክል ክሳብ ፋዱስ ብዘይ ምቑራጽ ሰፈየ። ካብኡ ሳይሞን ምእንቲ ክምሳሕ ብድድ በለ፡ ከባቢኡ ኣብ ዝጥመተሉውን፡ ማይክል በቲ እቲ ሰብኣይ ዘምጽኦ ቆርበት፡ ሻባቶ ጫማ ከም ዘዳለወ ተዓዘበ።

ሳይሞን “ኣህ፡" ብምባል ተቀንዘወ፡ ከምዚ ብምባል ከኣ ሓሰበ፡ "ከመይ ደኣ ኢዩ ማይክል ምሳይ ምሉእ ዓመት ጌሩ ገለ ጌጋ ዘይፈጸመስ፡ ሎሚ ከምዚ ዝበለ ዘሰምብድ ነገር ዝፍጽም? እቲ ሰብኣይ ካብ ሶላኡ ኣትሒዙ ብቆርበት ዝተሸፈነ ነዊሕ ቡት ጫማ ኢዩ ዝኣዘዘ፡ ማይክል ግና ብንጽል ሶላ ሻባቶ ጫማ ሰሪሑ ነቲ ቆርበት ኣባኸኖ። ነቲ ሃብታም ሰብኣይ እንታይ ክምልሰሉ ይኽእል። ኣነ ከምዚ ዝበለ ቆርበት ክትክኦ ኣይኽእልን እየ።"

ሻቡ ንማይክል ከምዚ በሎ፡ "እንታይ ትገብር ኣሎኻ እዚ ዓርከይ? ዋይ ኣነ፡ ኣዕነኻኒ! እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነዊሕ ቡት ጫማ ከም ዝኣዘዘ ትፈልጥ እንዲኻ፡ ግና እንታይ ከም ዝገበርካ ርአ!”

ገና ንማይክል ገሲጹ ከይውድአ፡ ኣብ ማዕጾ ዝርከብ ሓጺን ደውል "ራት-ታት" ብምባል ኣቃጨለ። ገለ ሰብ ይኩሕኩሕ ነበረ። ብፊንስትራ እንተ ርኣዩ፡ ሓደ ሰብ ብፈረስ እናጋለበ መጺኡ፡ ነቲ ፈረስ ኣሲሩዎ ነበረ። እቲ ማዕጾ ምስ ከፈቱ፡ እቲ ምስቲ ሃብታም ሰብኣይ ዝነበረ ኣገልጋሊ ኣተወ።

“ሰላም መዓልቲ፡" በለ።

“ሰላም መዓልቲ፡" ብምባል ሳይሞን መለሰ። "እንታይ ክንእዘዘካ?”

“እምበይተይ ብዛዕባ'ቲ ቡት ጫማ ልኢኻትኒ።"

“እንታይ ደኣ ተረኸበ ብዛዕባ እቲ ቡት ጫማ?”

“ስለምንታይ'ዶ፡ ደጊም ንጎይታይ ኣየድልዮን ኢዩ። ንሱ ሞይቱ ኢዩ።"

“እንታይ ትብል?”

“ካባኹም ምስ ተፈለና ኣብ ገዛውን ኣይበጽሐን፡ ኣብ ካሮሳ ከሎ ብሞት ተፈልዩ።" ኣብ ገዛ ምስ በጻሕና፡ እቶም ሰራሕተኛታት ደጊፎም ከውርድዎ ምስ መጹ፡ ከም ክሻ ተንከባለለ። ድሮ ሞይቱ ነበረ፡ ኣዚዩ ነቒጹውን ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ካሮሳ ብግዲ'ዩ ወጺኡ። ስለዚ እምበይተይ ከምዚ ብምባል ናብዚ ልኣኸትኒ፡ 'ነቲ ሰራሒ ጫማ፡ እቲ በቲ ቆርበት ቡት ጫማ ክስርሓሉ ዝኣዘዘ ወረጃ ሰብኣይ ብሕጂ እቲ ቡት ጫማ ኣየድልዮን ኢዩ፡ ግና ነቲ ሬስኡ ዝኸውን ሻባቶ ጫማ ብቕልጡፍ ከዳሎ ንገሮ። ክሳብ ዝውዳእ ተጸቢኻ ከኣ ምሳኻ ተማልኣዮ።' ስለዚ'የ ናብዚ ዝመጻኹ።"

ማይከል ነቲ ትርፍራፍ ቆርበት ኣኪቡ ጠቕለሎ፡ ነቲ ዘዳለዎ ሻባቶ ጫማ ኣላጊቡ ብግርምቢያልኡ ምስ ደረዘ፡ ነቲ ጥቕላል ቆርበት ነቲ ሰራሕተኛ ኣረከቦ፡ ንሱውን፡ "ደሓን ኩኑ፡ ሰላም መዓልቲ ይግበረልኩም!” ብምባል፡ ሒዙዎ ተበገሰ።

ዓመታት ሓለፈ፡ ማይክል ምስ ሳይሞን ካብ ዝቕመጥ ሹዱሽተ ዓመት ጌሩ ነበረ። ኣካይዳ ናብርኡ ኣይቐየረን። ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይከይድ፡ ሕሉፍ ኣይዛረብ፡ ኣብዚ ኩሉ ዓመታትውን ክልተ ጊዜ ጥራይ ፍሽኽ ምስ በለ ኢዩ – ሓደ ጊዜ ማትርዮና ምግቢ ምስ ሃበቶ፡ ከምኡውን መበል ካልኣይ ጊዜ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ኣጉዶኦም ኣብ ዝመጻሉ እዋን ነበረ። ሳይሞን ብሰራሕተኛኡ ኣዚዩ ዕጉብ ነበረ። ካበይ ከም ዝመጸ ምሕታት ገዲፉዎ ኢዩ፡ እቲ ኣውራ ፍርሁ ማይክል ገዲፉዎ ከይኸይድ ነበረ።

ሓደ መዓልቲ ኩሎም ኣብ ገዛ ተኣኪቦም ነበሩ። ማትርዮና ኣብ ምድጃ በራድ ሰኽቲታ ነበረት፡ እቶም ቆልዑ ኣብ ማእከል'ቲ መናብር ይጎዩን ብፊኒስትራ ንደገ ገጾም ይጥምቱን ነበሩ፡ ሳይሞን ብሸነኽ ሓደ ፊኒስትራ ኮይኑ ይሰፊ ነበረ፡ ማይክል ከኣ በቲ ካልእ ሸነኽ ንዳሕራዋይ ታኮ ጫማ የላግብ ነበረ።

ካብቶም ኣወዳት ቆልዑ ሓደ ብማእክል'ቲ መናብር ናብ ማይክል ገጹ ጎየየ፡ ኣብ መንኩቡ ተመርኪሱ ከኣ ብፊኒስትራ ንደገ ገጹ ጠመተ።

“ርአ፡ ሓውቦይ ማይክል! ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ናእሽቱ ኣዋልድ ደቃ! ናብዚ ገጻ ትመጽእ ዘላውን ኢያ ትመስል። ካብተን ኣዋልድ ሓደ ከኣ ትሕንክስ ኣላ።"

እቲ ቆልዓ ከምኡ ምስ በለ፡ ማይክል ዕዮኡ ኣቛሪጽ፡ ናብቲ ፊኒስትራ ገጹ ተጠዊዩ፡ ናብቲ ጎደና ጠመተ።

ሳይሞን ገረሞ። ማይክል ፈጺሙ ናብ ጎደና ገጹ ጠሚቱ ኣይፈልጥን ነበረ፡ ሕጂ ግና ኣብቲ ፊኒስትራ ተጸጊዑ ኣፍጢጡ ኣብ ሓደ ነገር ይጥምት ነበረ። ሳይሞንውን ንደገ ጠመተ፡ ጽቡቕ ክዳን እተኸድነት ሰበይቲ፡ ዝለፍዐ ቆርበት ዝተሰርሐ ካቦትን ብጡጥ ዝተሰርሐ ሻሽን ዝገበራ ክልተ ናእሽቱ ኣዋልድ ብኢዳ ሒዛ እናመርሐት ብርግጽ ናብ ኣጉዶኡ ገጻ ትመጽእ ከም ዝነበረት ተዓዘበ። ብጀካ እታ ሓንቲ ክትስጉም ከላ ጸጋማይ እግራ ሕንክስ ምባሉ፡ ነተን ኣዋልድ ነንሕድሕድን ምልላየን ኣጸጋሚ ነበረ።

እታ ሰበይቲ በቲ ገበላ ኣቢላ ናብቲ ኮሮዲዮ ኣተወት። ነቲ ስጋጥ ኣልዒላውን ነቲ ማዕጾ ኸፈተት። ነተን ክልተ ኣዋልድ ኣቐዲማ ከኣ ደድሕሬአን ናብቲ ኣጉዶ ኣተወት።

“ሰላም መዓልቲ፡ ኣቱም ኣዝማድ!”

“ብኽብረትኪ፡ እተዊ ደኣ፡" በለ ሳይሞን። "እንታይ ክንእዘዘኪ?”

እታ ሰበይቲ ኣብ ጥቓ እቲ ጣውላ ኮፍ በለት። ክልቴአን ናእሽቱ ኣዋልድ ከኣ ነቶም ኣብቲ ኣጉዶ ዘለዉ ፈሪሀን ኣብ ብርካ ተጸግዓ።

“ነዘን ክልተ ናእሽቱ ኣዋልድ ንጽድያ ዝኸውን ቆርበት ጫማ ክስርሓለይ ይደሊ ኣሎኹ።"

“ክንሰርሖ ንኽእል ኢና። ኣዝዩ ናእሽቱ ጫማ ሰሪሕና ኣይንፈልጥን ኢና፡ ግና ክንሰርሖ ንኽእል ኢና፡ ብቆርበት ጥራይ፡ ወይስ ጨርቂ ገበር እተገብሮ ግልብጥ ጫማ። እቲ መኹርዐይ ማይክል ኣብ ስርሑ ጠቢብ ኢዩ።"

ሳይሞን፡ ማይክል ስርሑ ገዲፉ ኮፍ ኢሉ ዓይኑ ኣብተን ናእሽቱ ኣዋልድ ተኺሉ ይጥምት ከምዘሎ ርኣየ። ሳይሞን ተገረመ። ሓቂ ኢዩ እተን ኣዋልድ ኣዒንተን ጸሊም፡ ዶብላጫት፡ ልስሉስ ምዕጉርተን፡ ደስ ዝብል መንዲልን ብዝለፍዐ ቆርበት ዝተሰርሐ ካቦት ዝተኸድናን ጽቡቓት ኢየን፡ ግና ማይክል ስለምንታይ ብኸምኡ – ከምዛ ቅድሚ ሕጂ ዝፈልጥን ጌሩ ይጥምተን ከምዘሎ፡ ሳይሞን ኣይተረድኦን። ደንጸዎ ግና ምስታ ሰበይቲ ዘረባኡ ቀጸለ፡ ተዋገዩ። ብዋጋ ምስ ተሰምምዑ፡ መዐቐኒ ኣዳለወ። እታ ሰበይቲ ነታ ሕንክስ ትብል ቆልዓ ኣልዒላ ኣብ ሰለፋ ኣንበረታ፡ "ካብዛ ንእሽቶ ጓል ክልተ መዐቀኒ ውሰድ። ሓደ ነቲ ሕንክስ ዝብል እግሪ፡ ከምኡውን ሰለስተ ነቲ ድልዱል ዝኸውን። ክልቴአን ዓቐነን ሓደ ኢዩ። መናቱ ኢየን።" በለት።

ሳይሞን ዓቒኑ ምስ ወድአ፡ ብዛዕባ እታ ትሕንክስ ጓል፡ ከምዚ በለ፡ "ብኸመይ እዚ ኣጓነፋ? ኣዝያ ጽብቕቲ ጓል ኢያ፡ ካብ እትውለድ ኣትሒዛ ዲያ?”

“ኣይፋል፡ ኣዴኣ እምበር እግራ ሓምሸሸታ።"

ካብኡ ማትርዮና ተጸመብረት። ብዛዕባ መንነት እታ ሰበይቲ፡ እተን ቆልዑን ወለደንን ተገረመት፡ ስለዚ ከምዚ በለት፡ "ንስኺ ኣዴአን ኣይኮንክን ዲኺ?”

“ኣይፋል፡ ኣቲ ብርኽቲ ሰበይቲ፡ ኣነ ኣዴአን ኣይኮንኩን፡ ምስአን ዝኾነ ዝምድናውን የብለይን። ንዓይ ጓኖት ኢዮም፡ ግና ከም ውላደይ ተቐቢለየን እየ።"

“ዋላውን ደቅኺ እንተ ዘይኮና፡ ኣዚኺ ተፍቅርየን ኢኺ?"

“ከመይ ጌረ'ኸ ዘየፍቅረን? ብገዛእ ጡበይ እንዲየ ኣዕቢየየን። ኣነ ናተይ ውላድ ኔሩኒ፡ ግና ኣምላኽ ወሰዶ። ንዕኡ ክንዲ እዚአን'ኳ ኣየፍቀርኩዎን።"

“ስለዚ ደቂ መን ኢየን ማለት ኢዩ?”

እታ ሰበይቲ ዘረባኣ ብምጅማር ኩሉ'ቲ ዛንታ ሓበረቶም።

“ክልቴኦም ወለደን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ሰሙን ካብ ዝሞቱ ሹዱሽተ ዓመት ጌሩ ኢዩ፡ ኣቦአን ሰሉስ መዓልቲ ተቐብረ፡ ኣዴኤን ከኣ ዓርቢ ሞተት። እዘን ዘኽታማት ኣቦአን ምስ ሞተ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኢየን ተወሊደን፡ ኣዴአንውን ካልኣይ መዓልቲ'ኳ ኣይጸንሐትን። ኣብቲ እዋን ኣነን ሰብኣየይን ሓረስቶት ኔርና። ምስኦም መካበቢያና ልግብ ጎረባብቲውን ነበርና። ኣቦአን ኣብ ዱር ቆራጺ ገረብን ግሉልን ሰብኣይ ነበረ። ሓደ መዓልቲ ኣእዋም ኣብ ዝቖርጸሉ፡ ሓደ ገረብ ኣብ ልዕሊኡ ወደቐ፡ ከብዱ ተርቲሩውን መዓንጥኡ ኣውጽኦ። ኣብ ገዛ ምስ ወሰዱዎ ኣብኡ ከይበጽሐ ነፍሱ ናብ ኣምላኽ ደየበት፡ ኣብታ ሰሙን ሰበይቱ መናቱ ኣዋልድ ሓረሰት። ንሳውን ድኻን ንጹልን ነበረት፡ መንእሰይ ይኹን ዓቢይ ሰብ ምስኣ ኣይነበረን። በይና ሓሪሳ ብሞት ተፈለየት።"

“ጽባሒቱ ክበጽሓ ኢለ ከይደ፡ ግና ኣብቲ ኣጉዶ ምስ ኣተኹ፡ እታ ምስኪን ድሮ ነቒጻን ዝሒላን ነበረት። ብሞት ኣብ እትጸዓረሉውን ተገምጢላ ነዛ ቆልዓ እግራ ሓምሺሻታ ነበረት። ደቂ'ቲ ዓዲ ናብቲ ኣጉዶ መጺኦም ነቲ ሬሳ ሓጺቦም ኣገምበውዎ፡ ሬሳ ሳጹን ሰሪሖም ድማ ቀበሩዋ። ብሓቂ ጥዑያት ሰባት ኢዮም። እተን ህጻናት በይነን ተረፋ። እንታይ ኢዩ ክግበር? ኣብቲ እዋን ኣብኡ ኣነ ጥራይ እየ ህጻን ቆልዓ ዝነበረኒ። ሸሞንተ ሰሙን ዝገብረ በኹሪ ውላደይ የጥቡ ኔረ። ስለዚ ንጊዜኡ ምሳይ ተማላእኩወን። እቶም ሓረስቶት ተኣኪቦም እንታይ ከም ዝገብርወን ብዙሕ መኸሩ፡ ኣብ መወዳእታ ከኣ ንዓይ ከምዚ በሉኒ፡ "ሚሪ፡ ንሕጂ እተን ኣዋልድ ምሳኺ ይጽንሓ፡ ኣብ መጻኢ እንታይ ክንገብር ከም ዘሎና ክንመክር ኢና። በዚ ምኽንያት ፈለማ ነታ ድልድልቲ ጡበ የጥቡን፡ ነታ ሕንክስ ትብል ግና ኣየጥብዋን ነበረኩ። ብህይወት ክትጸንሕ ኢያ ኢለ ኣይሓሰብኩን ኔረ። ግና መሊሰ ሓሰብኩ፡ ስለምንታይ እቲ ድኻ ምስኪን ይሳቐ? ደንገጽኩላ ከጥብዋ ከኣ ጀመርኩ። ስለዚ ወደይን ነዘን ክልተን – ሰለስቴኦም – ብጡበይ መገብኩወን። መንእሰይን ድልድልትን ኔረ፡ ከምኡውን ጽቡቕ እምገብ ኔረ፡ ኣምላኽውን ኣኺሉስ በብእዋኑ መሊኡ ዝፈስስ ጸባ ጡብ ሂቡኒ። ኣብ ገለ እዋን ሳልሳይ ኣብ ዝጽበየሉ ክልተ ብሓንሳብ ዘጥብወሉ ጊዜ ኔሩ። ሓደ ኣብ ዝጸግበሉ ነቲ ሳልሳይ የጥቡ ኔረ። ብእግዚኣብሄር ፍቓድ እዘን ክልተ ዓበያ፡ እቲ ናተይ ግና ክልተ ዓመት ከይገበረ ተቐብረ። ዋላውን ሃብታማት እንተ ኾንና፡ ካልእ ውላድ ግና የብለይን። ሕጂ ሰብኣየይ ምስቲ ነጋዳይ እኽሊ ኣብ እንዳ መጥሓን ይሰርሕ ኣሎ። እቲ ክፍሊት ጽቡቕ ኢዩ፡ ስለዚ ናብራና ምቹእ ኢዩ። ግና ናተይ ዝብሎ ውላድ ስለ ዘይብለይ፡ ሳላ እዘን ክልተ ኣዋልድ እምበር፡ ብጽምዋ ምተበላዕኩ ኔረ! ከመይ'ከ ዘየፍቅሮም! ኣይ ሓጎስ ህይወተይ እንዲየን!”

ነታ ሕንክስ ትብል ጓል በቲ ሓዳ ኢዳ ኣጸጊዓ ሒዛ፡ በቲ ካልእ ካብ ምዕጉርታ ንብዓታ ሓንሰሰት።

ካብኡ ማትርዮና ብሓዘን ኣስተንፈሰት፡ "እቲ 'ሓደ ብዘይ ኣቦ ወይ ኣደ ክነብር ይኽእል ኢዩ፡ ግና ብዘይ እግዚኣብሄር ክነብር ኣይኽእልን ኢዩ።' ዝብል ምስላስ ሓቂ ኢዩ።" በለት።

ብኸምኡ ብሓባር ኣዕለሉ፡ ሃንደበት ብወገን ኩርናዕ'ቲ ማይክል ኮፍ ዝበለሉ ስፍራ፡ ከምዚ በርቂ ክራማት ኩሉ'ቲ ኣጉዶ ብርሃን ተወልዐ። ኩሎም ናብኡ ምስ ጠመቱ፡ ኮፍ ኢሉ ኢዱ ኣብ ብርኩ ኣጣሚሩ፡ ብፍሽኽታ ንላዕሊ ገጹ ክጥምት ርኣዩዎ።

እታ ሰበይቲ ምስተን ኣዋልድ ከደት። ማይክል ካብ መንበሩ ብድድ ኢሉ መሳርሒኡ ብምቕማጥ ግርምብያልኡ ኣውጽአ። ካብኡ ኣብ ቅድሚ ሳይሞንን ሰበይቱን ብትሕትና ጉምብሕ ኢሉ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ በለ፡ "ደሓን ኩኑ ጎይቶተይ። እግዚኣብሄር ምሕረት ጌሩለይ ኢዩ። ንስኻትኩምውን ዝፈጸምኩዎ በደል ኩሉ ይቕረ ክትብሉኒ እሓትት።"

ካብ ማይክል ብርሃን ከንጸባርቕ ከኣ ርኣዩ። ሳይሞን ደው ኢሉ ኣብ ቅድሚ ማይክል ብትሕትና ጉምብሕ ድሕሪ ምባል፡ "ሕጂ ተረዲአ፡ ዎ ማይክል፡ ንስኻ ተራ ሰብ ኣይኮንካን፡ ኣነውን ኣየታርፈካን ስለምንታይ ኢለውን ኣይሓተካን እየ። ነዚ ጥራይ ግና ሓብረኒ፡ ብኸመይ ደኣ ኣነ ፈለማ ክረኽበካን ናብ ገዛ ከምጽኣካን ከሎኻ ተስፋ ዝቆረጽካ ትመስል ኔርካ፡ ሰበይተይ ምግቢ ምስ ሃበትካ ግና፡ ፍሽኽ በልካን ገጽካ በርሀን? ካልእ ጊዜውን እቲ ሃብታም ሰብኣይ ምእንቲ ቡት ጫማ ክስርሓሉ ክእዝዝ ምስ መጸ፡ ሕጂውን ፍሽኽ በልካን ገጽካ በርሀን? ሕጂ ከኣ እዛ ሰበይቲ ምስተን ናእሽቱ ኣዋልድ ምስ መጸት፡ ንሳልሳይ ጊዜ፡ ከም ቀትሪ ጸሓይ በራህካ? ንገረኒ ማይክል፡ ስለምንታይ ገጽካ በርሀ፡ ስለምንታይ'ከ ኣብዘን ሰለስተ እዋናት ፍሽኽ በልካ?”

ማይክል ከምዚ ብምባል መለሰ፡ "ብርሃን ካባይ ዘንጸባርቐሉ ምኽንያት ተቐጺዐ እኳ እንተ ነበርኩ፡ ሕጂ ግና እግዚኣብሄር ምሕረት ስለ ዝገበረለይ ኢዩ። ስለዚውን ሰለስተ ጊዜ ፍሽኽ በልኩ፡ ምኽንያቱ እግዚኣብሄር ምእንቲ ሰለስተ ሓቅታት ክመሃር ኢዩ ልኢኹኒ፡ ኣነውን ተማሂረዮም። ነቲ ቀዳማይ፥ ሰበይትኻ ምስ ደንገጸትለይ ተመሂረዮ፡ ስለዚውን እየ ንፈለማ ጊዜ ፍሽኽ ዝበልኩ። ነቲ ካልኣይ፥ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ቡት ጫማ ክስርሓሉ ምስ ኣዘዘ ተማሂረዮ፡ ሽዑውን እንደገና ፍሽኽ በልኩ። ሕጂ ከኣ ነተን ክልተ ናእሽቱ ኣዋልድ ምስ ርኣኹወን፡ ነቲ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ሓቂ ተመሂረዮ፡ ንሳልሳይ ጊዜ ድማ ፍሽኽ በልኩ።"

ሳይሞንውን በለ፡ "ንገረኒ ማይክል፡ እግዚኣብሄር ስለምንታይ ቀጺዑካ? እንታይ ኢዮም'ከ እቶም ሰለስተ ሓቅታት? ኣነውን ምእንታን ክፈልጦም ንገረኒ።"

ማይክልውን ከምዚ ብምባል መለሰ፡ "እግዚኣብሄር ስለ ዘይተኣዘዝኩዎ ቀጺዑኒ። ኣነ ኣብ ሰማይ መልኣኽ እየ ኔረ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይተኣዘዝኩዎን። እግዚኣብሄር ነፍሲ ሓንቲ ሰበይቲ ክማላእ ልኢኹኒ። ናብ ምድሪ ድማ ነፈርኩ፡ መናቱ ኣዋልድ ዝወለደት ሕምምቲ ሰበይቲ በይና ደቂሳውን ርኣኹ። ንሳተን ኣብ ጎድኒ ኣዴአን ብድኹመን ይንቐሳቐሳ ነበራ፡ ንሳ ግና ናብ ጡባ ክተልዕለን ኣይኸኣለትን ኔራ። ንዓይ ምስ ርኣየት እግዚኣብሄር ስለ ነፍሳ ናብኣ ከም ዝለኣኸኒ ፈለጠት፡ ነቢዓ ከኣ ከምዚ በለት፡ 'መልኣኽ እግዚኣብሄር! ሰብኣየይ ገረብ ወዲቑዎ ምስ ሞተ ሕጂ ኢዩ እተቐብረ። ነዘን ዘኽታማተይ ዝከናኸን ሓፍቲ ኮነ ሓትነ፡ ወይ ኣደ የብለይን። ነፍሰይ ኣይትውሰዳ! ቅድሚ ሞተይ ውላደይ ከጥቡ፡ ክምግበን፡ እግሪ ከትኽለን ሕደገኒ። ህጻናት ብዘይ ኣቦን ኣደን ክነብራ ኣይኽእላን ኢየን።' ኣነውን ሰማዕኩዋ። ነታ ሓንቲ ህጻን ከም እተጥብዋ ጌረ፡ ነታ ካልእ ኣብ ኢዳ ኣሕቆፍኩዋ፡ ኣብ ሰማያት ኣብ ዘሎ ጎይታ ከኣ ተመለስኩ። ናብ ጎይታ ነፊረውን ከምዚ በልኩዎ፡ "ነፍሲ እታ ኣደ ክወስድ ኣይከኣልኩን። ሰብኣያ ገረብ ጸቒጡዎ ሞይቱ፡ እታ ሰበይቲ መናቱ ውላድ ኣለዉዋ፡ ስለዚ ምእንታን ነፍሳ ከይውሰድ ለመነት። ንሳ በለት፡ 'ደቀይ ከጥቡን ክምግብን ከምኡውን እግሪ ከትክለን ይፈቐደለይ። ህጻናት ብዘይ ኣቦን ኣደን ክነብራ ኣይኽእላን ኢየን።' ስለዚ ነፍሳ ኣይወሰድኩዎን።' እግዚኣብሄርውን ከምዚ በለ፡ 'ኪድ'ሞ ነፍሲ'ታ ኣደ ውሰድ፡ ነዞም ሰለስተ ሓቅታት ከኣ ተመሃር፥ እንታይ ኣብ ሰብ ከም ዝነብር፡ እንታይ ንሰብ ከም ዘይተወሃበን ብምንታይ ሰብ ከም ዝናበርን ተመሃር። ነዞም ነገራት ምስ ተመሃርካ ናብ ሰማይ ክትምለስ ኢኻ።' ስለዚ እንደገና ናብ ምድሪ ነፊረ ነፍሲ'ታ ኣደ ወሰድኩ። እተን ህጻናት ካብ ኣጥባታ ወደቓ። ሰብነታ ኣብቲ ዓራት ተንከባሊሉ ነታ ሓንቲ ህጻን እግራ ጠዊዩ ሓምሸሻ። ነፍሳ ናብ እግዚኣብሄር ክወስድ ክብል፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ዓዲ ሓፍ በልኩ፡ ግና ንፋስ ኣገተኒ፡ ኣኽናፈይ ከኣ ፈጺሙ ረገፈ። ኣነ ኣብ ምድሪ ኣብ ጥቓ'ቲ መገዲ ኣብ ዝወደቕኩሉ፡ ነፍሳ ንበይኑ ናብ እግዚኣብሄር ደየበ።

፲፩

ሳይሞንን ማትርዮናን እዚ ኹሉ እዋን መን ምስኦም ከም ዝነበረን ንመን ክዳን ከም ዝኸደኑን ምግቢ ከም ዝመገቡን ተረድኡ። ብኣድናቖት ፈዚዞም ብሓጎስ ከኣ ነብዑ። እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ በለ፡ "ኣነ ብዕሩቐይ ኣብቲ ሰጣሕ ጎልጎል በይነይ ነበርኩ። ቅድሚ ሰብ ምዃነይ እንታይነት ቁሪን ጥሜትን ከምኡውን ሰባት እንታይ ከም ዘድልዮም ፈጺመ ኣይፈልጥን ነበርኩ። ስለዚ ጠሚየን ቆሪረን ከሎኹ፡ እንታይ ክገብር ከም ዝነበረኒ ኣይፈለጥኩን ኔረ። ኣብ ጥቓ'ቲ ጎልጎል ንእግዚኣብሄር ዝተሰርሐ ሰፈር ኣምልኾ ርኣኹ፡ መጽለሊ እንተ ረኸብኩ ኢለውን ናብኡ ኣምርሓኩ። እንተኾነ ግን እቲ ቅዱስ ስፍራ ተዓጺዩ ስለ ዝነበረ ኣብኡ ክኣትው ኣይኸኣልኩን። ስለዚ ካልእ ይትረፍ ገዛእ ርእሰይ ካብቲ ንፋስ መከላኸሊ ክረክብ ክብል ብድሕር'ቲ ቅዱስ ስፍራ ኮፍ በልኩ። እዋኑ እናመሰየ ከደ። ጠሚየ፡ ቆሪረን እቕንዘውን ነበርኩ። ሃንደበት ሓደ ሰብ በቲ መገዲ ኣቢሉ ይመጽእ ከምዘሎ ሰማዕኩ። ጽምዲ ቡት ጫማ ሒዙ ምስ ገዛእ ርእሱ ይዛረብ ነበረ። ሰብ ካብ ዝኸውን ንፈለማ ጊዜ ገጽ ህያው ሰብ ርኣኹ፡ ገጹ ዘሰክሕ ኮይኑ ስለ ዝተሰምዓኒ፡ ንዕኡ ምጥማት ሓደግኩ። ገዛእ ርእሱ ካብ ቁሪ ክራማት ብኸመይ ክኸድን ከም ዝግባእን ሰበይቱን ደቁን ብኸመይ ከም ዝምግቦምን ምስ ገዛእ ነፍሱ ክዛረብ ከሎ ከኣ ሰማዕኩዎ። ስለዚ ሓሰብኩ "ኣነ ብቁሪን ጥሜትን ክመውት ደሊየ ኣሎኹ፡ ኣብዚ ከኣ እዚ ሰብ ብኸመይ ገዛእ ርእሱን ሰበይቱን ክዳን ክኸድኖም ከም ዝግባእን ብኸመይ እንጌራ ከምዝረኽበሎምን ጥራይ ይሓስብ ኣሎ። ንዓይ ክረድኣኒ ኣይኽእልን ኢዩ። እቲ ሰብኣይ ንዓይ ምስ ጠመተ ፈዘዘን ምስሉ ዝያዳ ዘሰክሕ ኮነን፡ መገዲ ተሳጊሩ ከኣ፡ በቲ ሓደ ሸነኽ ሓሊፉኒ ከደ። ኣነ ተስፋ ቆረጽኩ፡ ግና ሃንደበት ድሕሪት ክምለስ ከሎ ርኣኹዎ። ናብኡ ገጸይ እንተ ጠመትኩ፡ ምስቲ ቅድሚ ሕጂ ዝርኣኹዎ ሰብ ኣይመሳሰልን ነበረ፡ ኣብቲ ቅድም ኣብ ገጹ ምስሊ ሞት ርኤ ነበርኩ፡ ሕጂ ግና ህያው ኢዩ፡ ኣብኡ ህላወ እግዚኣብሄር ምህላው ኣስተብሃልኩ። ናባይ መጺኡ ክዳን ከደነኒን ምስኡ ተማልኣኒን፡ ናብዚ ገዛ ከኣ ኣምጽኣኒ። ኣብቲ ገዛ ምስ ኣተኹ፡ ሓንቲ ሰበይቲ መጺኣ ክትቋየቕ ጀመረት። እታ ሰበይቲ ካብቲ እቲ ሰብኣይ ዝነበሮ ዝያዳ ተሰክሕ ነበረት፡ መንፈስ ሞት ካብ ኣፋ ወጸ፡ ብሰንኪ ኣብ ዙርያኣ ተዘርጊሑ ዝነበረ ሕማቕ ጨና ሞት ከኣ፡ ኣነ ክስተንፍስ ተጸገምኩ። ንሳውን ካብቲ ገዛ ናብ ደገ ኣብቲ ቁሪ ክትድርብየኒ ከም ዝደለየት ተረዳእኩ፡ ከምኡ እንተ ጌራ ሞት ከጓንፋ ምዃኑውን ፈለጥኩ። ሃንደበት ሰብኣያ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ተዛረባ፡ እታ ሰበይቲውን ብቕጽበት ተለወጠት። ምግቢ ምስ ኣምጽኣትለይን ምስ ጠመተትኒን፡ ናብኣ ገጸይ ግልጽ ኢለ ሞት ደጊም ኣብ ልዕሌኣ ከምዘይሰፈረ ተዓዘብኩ፡ ህያው ኮነት፡ ኣብኣውን ንእግዚኣብሄር ርኣኹ።

“ሻቡ እግዚኣብሄር ፈለማ ክመሃሮ ዝለኣኸኒ ትምህርቲ ዘከርኩ፡ 'ኣብ ሰብ እንታይ ከም ዝነብር ተመሃር።' ኣብ ሰብ ዝነብር ፍቕሪ ምዃኑ ተረዳእኩ! እግዚኣብሄር ድሮ ነቲ ቃል ዝኣተዎ ክገልጸለይ ስለ ዝጀመረ ተሓጎስኩ፡ ስለዚውን ንፈለማ ጊዜ ፍሽኽ በልኩ። ግና ገና ኩሉ ኣይተመሃርኩዎን ነበርኩ። እንታይ ንሰብ ከም ዘይተወሃበን ብምንታይ ሰብ ከም ዝናበርን ገና ኣይፈለጥኩዎምን ነበርኩ። ምሳኻትኩም ዓመት ሓለፈ። ሓደ ሰብኣይ ቅርጺ ከይቐየረን ከይተቐደን ዓመት ምሉእ ዝግበር ቡት ጫማ ክስርሓሉ ክእዝዝ መጸ። ንዕኡ ምስ ርኣኹዎ ሃንደበት ብድሕሪ መንኩቡ ብጻየይ መልኣከ ሞት ርኣኹዎ። ብጀካይ ነቲ መልኣኽ ዝርኣዮ ኣይነበረን፡ ቅድሚ ጸሓይ ምዕራባ ነፍሲ እቲ ሃብታም ሰብኣይ ክወስድ ምዃኑ ፈለጥኩ። ስለዚ ምስ ገዛእ ርእሰይ ከምዚ ብምባል ሓሰብኩ፡ 'እቲ ሰብኣይ ንዓመት ዝኸውን መደባት ኣውጽአ፡ ቅድሚ ምምሳዩ ከም ዝመውት ግና ኣይፈለጠን።' ካብኡ እግዚኣብሄር መበል ካልኣይ ጊዜ ዝተዛረቦ ዘከርኩ፡ 'እንታይ ንሰብ ከም ዘይተወሃቦ ተመሃር።'

"ኣብ ሰብ እንታይ ከም ዝነብር ድሮ ፈሊጡዮ ነበርኩ። ሕጂ ከኣ እንታይ ከም ከምዘይተወሃቦ ተማሂረ። ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዘድልዮ ነገር ክፈልጥ ኣይተወሃቦን። ስለዚውን ንኻልኣይ ጊዜ ፍሽክ በልኩ። ነቲ ብጻየይ መልኣኽ ብምርኣየይ ሕጉስ ኔረ – እግዚኣብሄር ነቲ ካልኣይ ዝሓተቶ ስለ ዝገለጸለይውን ተሓጒሰ እየ።

“ይኹንምበር ገና ንኹሉ ኣይፈለጥኩዎን ነበርኩ። ብምንታይ ሰብ ከም ዝናበር ኣይፈለጥኩን ኔረ። ስለዚ እግዚኣብሄር ክሳብ ነቲ ናይ መወዳእታ ትምህርቲ ዝገልጸለይ ተጸቢየ። ኣብ ሻዱሻይ ዓመት እተን መናቱ ኣዋልድ ምስታ ሰበይቲ ብሓንሳብ መጻ፡ ነተን ኣዋልድ ከኣ ኣለለኹወን፡ ብኸመይ ብህይወት ጸኒሐን ክናበራ ከም ዝኸኣላ ከኣ ሰሚዐ። ነቲ ዛንታ ምስ ሰማዕኩ፡ ከምዚ ብምባል ሓሰብኩ፡ 'ኣዴአን ስለ እተን ቆልዑ ኢላ ተላበወትኒ፡ እተን ህጻናት ብዘይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ ብህይወት ክናበራ ኣይኽእላን ኢየን፡ ዝበለቲኒ ኣሚነያ፡ ይኹንምበር እታ ጓና ኣለየተን፡ ከምኡውን ኣዕበየተን።' እታ ሰበይቲ ነተን ዘይናታ ቆልዑት ክተፍቅርን ኣብ ልዕሌአን ክትነብዕን ምስ ርኣኹ፡ ኣብኣ ነቲ ህያው ኣምላኽ ርኣኹን ብምንታይ ሰብ ከም ዝናበርን ተረዳእኩ። እግዚኣብሄር ነቲ መበል ሳልሳይ ትምህርቲ ከም ዝገለጸለይን ሓጢኣተይ ይቕረ ከም ዝበለኒን ፈለጥኩ። ስለዚውን ንሳልሳይ ጊዜ ፍሽኽ በልኩ።"

፲፪

ሰብነት እቲ መልኣኽ ጥርሑ ወጸ፡ ዓይኒ ዘበለ ከይርእዮውን ብርሃን ተኸድነ፡ ከምኡውን ድምጹ ካብኡ ዘይኮነ እኳ ደኣ ካብ ላዕሊ ሰማይ ከም ዝመጽእ ዓው በለ። እቲ መልኣኽ ከኣ ከምዚ በለ፡

“ኩሎም ደቂ ሰባት ስለ ገዛእ ነብሶም ብምሕላይ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ብፍቕሪ ከም ዝነብሩ ተማሂረ።

“ነታ ኣደ ደቃ ኣብ ህይወተን እንታይ ከም ዘድልየን ክትፈልጥ ኣይተወሃባን ኔሩ። እቲ ሃብታም ሰብኣይውን ንገዛእ ርእሱ ዘድልዮ ነገር ክፈልጥ ኣይተወሃቦን ኔሩ። ዝኾነ ካልእ ሰብውን እዋኑ ኣብ ዝመስየሉ ንእግሩ ቡት ጫማ ዲዩ ዘድልዮ፡ ወይስ ንሬሳኡ ሻባቶ ጫማ ክፈልጥ ኣይተወሃቦን ኢዩ።

“ኣነ ሰብ ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን ገዛእ ርእሰይ ብምእላይ ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ ፍቕሪ ኣብ ልዕሊ'ቲ ገያሻይ ብምንባሩ፡ ከምኡውን ብምኽንያት ንሱን ሰበይቱን ስለ ዝደንገጹለይን ዘፍቀሩኒን እየ ብህይወት ጸኒሔ። እተን ዘኽታማት ብህይወት ዝጸንሓ ኣዴአን ስለ ኣለየተን ዘይኮነ፡ እኳ ደኣ እታ ሰበይቲ ዋላውን ጓናአን እንተ ኾነት፡ ኣብ ልባ ፍቕሪ ብምንባሩ፡ ስለ ዝደንገጸትለንን ስለ ዘፍቐረተንን ኢዩ። ከምኡውን ኩሎም ደቂ ሰባት ብዛዕባ ገዛእ ረብሓኦም ብምሕሳብ ኣይኮኑን ብህይወት ዝነብሩ፡ እኳ ደኣ ፍቕሪ ኣብ ሰብ ስለ ዝነብር ኢዩ።

"ቀደም፡ እግዚኣብሄር ንደቂ ሰባት ህይወት ከም ዝሃቦምን ክነብሩ ባህጉ ምዃኑን እፈልጥ ኔረ፡ ሕጂ ካብኡ ዝዛይድ ተማሂረ።

“እግዚኣብሄር ሰባት ተፈላልዮም ክነብሩ ከም ዘይደሊ ተረዲአ፡ ስለዚ ነፍስ ወከፎም ንገዛእ ርእሶም እንታይ ከም ዘድልዮም ኣይገለጸሎምን፡ ግና ብሓድነት ክነብሩ ደለየ፡ ስለዚውን ንነፍስወከፎም ንኹሉ ዘድሊ ነገር ገለጸሎም።

“ዋላውን ሰባት ንገዛእ ርእሶም ብምሕላይ ይነብሩ ከም ዘለዉ እንተ መሰሎም፡ እቲ ሓቂ ግና ብፍቕሪ ጥራይ ከም ዝነበሩ ሕጂ ተረዲአ። እቲ ፍቕሪ ዘለዎ፡ ኣብ ኣምላኽ ኣሎ፡ ኣምላኽ ኣብኡ ኣሎ፡ እዚ ኣምላኽ ፍቕሪ ብምዃኑ ኢዩ።"

ሻቡ እቲ መልኣኽ ንእግዚኣብሄር ናይ ምስጋና መዝሙር ዘመረ፡ እቲ ኣጉዶውን ብድምጹ ኣንቀጥቐጠ። መኽደን'ቲ ኣጉዶ ተኸፍተ፡ ዓንዲ ሓዊውን ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ደየበ። ሳይሞንን ሰበይቱን ደቁን ኣብ ምድሪ ወደቑ። ኣብ መንኩብ እቲ መልኣኽ መንፈርፈር ተቐልቀለ፡ ናብ ሰማያትውን ደየበ።

ሳይሞን ቀልቡ ምስ ፈለጠ፡ እቲ ኣጉዶ ከም ቀደሙ ደው ኢሉ ነበረ፡ ብጀካ ስድራ-ቤቱ ከኣ፡ ካልእ ሰብ ኣብኡ ኣይነበረን።

ተፈጸመ