ምዕራፍ ኣርባዕተ

ኣብነታዊ ጸሎት

“ንስኻትኩምሲ ከምዚ ኢልኩም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።” (ማቴዎስ 6፡9)

ነፍሲ ወከፍ መምህር፡ ብምሳሌ ኣብ ምምሃር ዘሎ ሓይሊ ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ቈልዓ እንታይ ከምዝገብርን ብኸመይ ከምዝገብሮን ጥራይ ዘይኰነ፡ ብርግጽ ከኣ ብኸመይ ከምዝግበርውን ብግብሪ የርእዮ ኢዩ። ሰማያዊ መምህርና፡ ምእንቲ ትሑትን ዕቡይን ኣተሓሳስባና ክነወግድ፡ ናብ ኣቦና ኣብ እንቐርበሉ እዋን፡ እንጥቐመሎም ቃላት ሂቡና ኢዩ። ኣብአን ድማ ጽሩይን ምሉእን ዘለኣለማዊ ህይወት ዝትንፍስ ቅዲ ጸሎት ንረክብ። ኣመና ቀሊል ስለ ዝዀነ ከኣ፡ ህጻን እኳ ብኾልታፍ መልሓስ ክብሎ ዝኽእል ኢዩ። ብዝያዳ ግና ኵሉ እግዚኣብሄር ዝህቦ መለኮታዊ ሃብቲ ኣጠቓሊሉ ዝሓዘ እውን ኢዩ። ንዅሎም ካልኦት ጸሎታት መርኣዪን መበርትዒን ድማ ኰይኑ ኢዩ። እዚ ጸሎት ዓሚቕ ቋንቛ ነፍስና ኰይኑ ከኣ፡ ኵሉ ግዜ መመሊሱ ናብ ገዛእ ርእሱ ይስሕበና ኣሎ።

"ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና!" ነዚ መግለጺ ፍቕሪ ዝዀነ ቃል ዝያዳ ንምስትምቓር፡ ኣብ እዋን ብሉይ ኪዳን ካብ ዝነበሩ ቅዱሳን፡ ንእግዚኣብሄር ብድፍረት ኣቦይ ኢሉ ዝጸወዐ ከምዘየልቦ ምዝካር እኹል ኢዩ። እዚ ኣጸዋውዓ ድማ፡ ወዲ ኣምላኽ ብተኣምራት ዝመጸን ዝተገልጸን፡ ምእንቲ ኣቦኡ ንዓናውን ኣቦ ክዀነና ኢሉ ከምዝዀነ ክንርዳእ የኽእለና። እዚ ንምስጢር ድሕነት እውን ኣጠቓሊሉ ሒዙ ኣሎ። ክርስቶስ፡ ምእንቲ ውሉዳት ኣምላኽ ክንከውን ክንበቅዕ፡ ካብ መርገም ኣድሒኑና ኢዩ።

ምስጢር ዳግም ምውላድ፡ ብመንፈስ ከምብሓድሽ ክንውለድን ሓድሽ ህይወት ክንረክብን ኢዩ። ምስጢር እምነት ከኣ፡ ምእንቲ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ተዳሊዮም ክጸንሑን ነቲ ገና ዝመጽእ ዘሎ በረኸት ከስተማቕርዎን፡ ቅድሚ ስርዓት ድሕነት ምፍጻሙን ምግሃዱን፡ ኣብ ኣፎም ተዋህቦም። እዞም ቃላት፡ መፍትሕ፡ ወይ መምርሒ፡ ንብምሉኡን ንዅሉን ጸሎት ከኣ ኢዮም።

ክነጽንዖም ነዊሕ ግዜ ይወስድ ኢዩ። ህይወትና እውን ይጠልብ ኢዩ። ብምልኣት ክንርድኦም ግዜ እውን ኣይኣኽለናን ኢዩ። ፍልጠት ፍቕሪ እግዚኣብሄር ኣቦ፡ እቲ ቀዳማይን ቀሊልን ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጸሎት እንምሃሮ ነገር ኢዩ። ይኹንምበር እቲ ናይ መወዳእታን ዝለዓለን ትምህርቲ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ጸሎት እውን ኢዩ። እቲ ምስ ህያው እግዚኣብሄር እንገብሮ ርክብን ብውልቂ ተኻፋሊ ፍቕሩ ምዃንና ብምስትውዓልን ኢዩ፡ ጸሎት ዝጅምር። ብመንፈስ ቅዱስ ዝተጋህደ፡ ኣቦነት እግዚኣብሄር ምስ እንፈልጥ ኢዩ፡ ሓይሊ ጸሎት ሱር ዝሰድድን ዝዓቢን። በቲ ናይ ኣቦ፡ ደረት ኣልቦ ርህሩህነቱ፡ ድንጋጽኡን ትዕግስቱን፡ ከምኡውን በቲ ክሰምዕን ክሕግዝን ድልው ዝዀነ ፍቕሩ ኢዩ፡ ናይ ጸሎት ህይወት ፍስሃ ዝረክብ። ዎ፡ ክሳብ እቲ መንፈስ፡ ነዞም፡ "ኣቦና ኣብ ሰማያት እትነብር።" ዝብሉ ቃላት ኣባና መንፈስን ሓቅን ዝገብሮምን ልብናን ህይወትናን ዝመልኦን፡ ግዜ ወሲድና ንመርምሮም። ካብኡ ብርግጽውን ኣብቲ ሓይሊ ዝርከበሉ፡ ጸሎት ኵል ግዜ ድማ ዝዕወተሉ፡ ኣብ ውሽጢ ጉልባብ፡ ኣብ ምስጢራዊ ስፍራ ምህላውና ንፈልጥ።

"ስምካ ይቀደስ።" ኣብዚ ቀልጢፉ ጦብላሕ ዝብለና ነገር ኣሎ። ንሕና ከምልሙድ ብመጀመርታ ነቲ ድሌትና ኢና ብጸሎት ናብ እግዚኣብሄር እንቕርብ፡ ብምቕጻል ድማ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ንሓስብ። ጐይታ ግና ነዚ ቅደም ተኸተል ቀይርዎ ኢዩ። ብመጀመርታ፦ ስምካ፡ መንግስትኻ፡ ፍቓድካ ንብል። ካብኡ ቀጺልና ከኣ፦ ሃበና፡ ይቕረ በለልና፡ ምሓረና፡ ኣድሕነና ንብል ማለት ኢዩ። እዚ ትምህርቲ ካብቲ ንሕና እንሓስቦ ንላዕሊ ዓብይ ኣገዳስነት ኣለዎ። ኣብ ሓቀይና ኣምልኾ፡ ኣቦ፡ ቀዳማይን ኵሉ ቦታን ይሕዝ። ኣነ ምእንቲ ንዕኡ ክኸብር ክብል፡ ብኣጋኡ ገዛእ ርእሰይ ምዝርስዕ፡ ብጸሎት ናባይ ዝመጽእ በረኸት ክበዝሕ ድማ ኢዩ።

ምእንቲ ኣቦ ክብል ዋጋ መስዋእቲ ብምኽፋሉ፡ ሓደ ሰብ እኳ ዝከሰረ የሎን።

እዚ ግድን ንዅሉ ጸሎትና ይጸልዎ ኢዩ። ክልተ ዓይነት ጸሎት ድማ ኣሎ። ንሱ ድማ፡ ስለ ገዛእ ርእስና እንገብሮን ኣብ ክንዲ ካልኦት ሰባት እንገብሮን ኢዩ። ከምልሙድ ነቲ ዳሕራዋይ ዝወሓደ ግዜናን ሓይልናን ንህብ። ከምኡ ክኸውን ግና ኣይግባእን። ክርስቶስ ቤት-ትምህርቲ ጸሎት ዝኸፈተ፡ ብፍላይ ክንድ ካልኦት ሰባት ዝጽልዩ፡ ብእምነቶምን ብጸሎቶምን ከኣ፡ ነቲ ቅዱስ ዝዀነ ስርሑን ፍቕሩን፡ ናብ ምሉእ ዓለም ዘምጽኡ ሰባት ክምህር ኢሉ ኢዩ። ነዚ ዕላማና እንተ ዘይጌርናዮ ድማ፡ ብጸሎት ብዕሙቐት ክንዓቢ ኣይንኽእልን ኢና።

ሓደ ህጻን ንኣቦኡ፡ ንገዛእ ርእሱ ዘድልዮ ነገር ጥራይ ይሓቶ ይኸውን። ከይደንጐየ ግና ንሓፍተይ እውን ሃባ ክብል ክጅምር ኢዩ። እቲ ንዓቕመ ኣዳም ዝበጽሐን ምእንቲ ረብሓ ኣቦኡ ዝነብርን ትካል ኣቦኡ ዘመሓድርን ውላድ ግና፡ ካብዚ ዝዓቢ ይሓትትን ይወሃቦን ኢዩ። ከምኡውን የሱስ፡ እቲ ኵሉ ድሌትና፡ ምእንቲ ስም፡ መንግስቲን ፍቓድን ኣቦን ክኸውን፡ ውፉይን ኣገልጋሊን ዝዀነ ቅዱስ ህይወት ክንመርሕ ይምህረና። ዎ፡ ምእንቲ እዚ ደኣ ንንበር። ከምኡውን ኣቦና! ኢልና ብፍቕሪ ኣብ እነወድሰሉ፡ ብተመሳሳሊ ትንፋስውን ኣስዒብና፥ ስምካ፡ መንግስትኻ፡ ፍቓድካ፡ ኢዩ ትጽቢትናን ኣተኵሮናን ንበል።

"ስምካ ይቀደስ።" ኣየናይ ስም? እዚ ሓድሽ ስም ኣቦ። ቅዱስ ዚብል ቃል፡ ማእከላይ ቃል ብሉይ ኪዳን ኢዩ። ኣቦና ዚብል ቃል ከኣ፡ ማእከላይ ቃል ሓድሽ ኪዳን ኢዩ። ኣብዚ ፍቑር ስም ድማ፡ ኵሉ ቅድስናን ክብርን እግዚኣብሄር ሕጂ ተጋሂዱ ኣሎ። እሞ ደአ፡ ብኸመይ ኢዩ፡ እቲ ስም ክቕደስ? እግዚኣብሄር ባዕሉ ክቕድሶ ምዃኑ ብምግላጽ ድማ፡ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ፦ "ነቲ ዘርከስኩምዎ ዓብይ ስመይ ክቕድሶ እየ።" ብውልቅና፡ ምስ ውሉዳት ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ ዓለምን እንጽልዮ ጸሎት፡ እግዚኣብሄር ባዕሉ፡ ምእንቲ ንቕድስና፡ መለኾታዊ ሓይሊን ሕቡእ ክብርን፡ ስም ኣቦ ክገልጽ ክንብል ክኸውን ይግባእ። መንፈስ ኣቦ፡ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ገዛእ ርእስና ንሱ ክመርሓና ኣሕሊፍና ምስ እንህብ ጥራይ ኢዩ፡ እቲ ስም ኣብ ጸሎትናን ህይወትናን ዝቕደስ። "ኣቦና ስምካ ይቀደስ።" ዚብል ጸሎት ንመሃሮ።

"መንግስትኻ ትምጻእ።" ኣቦ ንጉስ እዩ። ናቱ መንግስቲ ከኣ ኣለዎ። እቲ ወዲ ንጉስን ወራሲኡን፡ ካብ ናይ ክብሪ መንግስቲ ኣቦኡ ዚዓቢ ሃረርታ የብሉን። ኣብ ግዜ ኲናት፡ ወይ ሓደጋ ድማ፡ እዚ ብርቱዕ ባህጉ ይኸውን። ካልእ ነገር ክሓስብ ድማ ኣይኽእልን። መንግስተ ኣምላኽ ገና ብምልኣት ስለ ዘይተጋህደ፡ ውሉዳት ኣቦ ኣብ ግዝኣት ጸላኢ ይርከቡ። ስም ኣቦኦም ምቕዳስ ምስ ተመሃሮ ከኣ፡ ብዓሚቕ ስምዒት፡ "መንግስትኻ ትምጻእ" ኢሎም ክጭድሩ ካብ ብምብሃግ ዚልዕል ባህሪ ኣይክህልዎምን ኢዩ። እቲ ዓብይ ፍጻመ፡ ማለት ምግሃድ ክብሪ እግዚኣብሄር፡ በረኸት ውላዱን ድሕነት እዛ ዓለምን፡ ኣብ ምምጻእ እዚ መንግስቲ ይምርኰሱ። ምምጻእ መንግስቲ ኣምላኽ ንጸሎትና እውን ይጽበ ኣሎ። ምስቶም ዝደሓኑ ሓቢርና፡ "መንግስትኻ ትምጻእ" ብምባልዶ ብተመስጦ ኣይምጨደርናን? ነዚ ኣብ ቤት-ትምህርቲ የሱስ ንመሃሮ።

"ፍቓድካ ከምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።" መብዛሕቱ እዋን እዚ ልማኖ ምስ ምፍጻም ፍቓድ ኣምላኽ ተኣሳሲሩ ይግለጽ። ኣብ ሰማያት ፍቓድ እግዚኣብሄር ኢዩ ዝፍጸም። እቲ ጐይታ ነቲ ውላድ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ከምቲ ኣብ ሰማይ ኣብ ምድሪውን ክፍጸም፡ ብኣኽብሮት ብምእዙዝ መንፈስ ክሓትት ይምህሮ ኣሎ። ፍቓድ ኣምላኽ ክብሪ ሰማያት ኢዩ። ፍቓድ ኣምላኽ ምፍጻም ድማ፡ በረኸት ሰማያት ኢዩ። ፍቓዱ ምዝፍጸም፡ መንግስተ ሰማያት ናብ ልቢ ይሰፍር። እምነት ንፍቕሪ ኣቦ ኣብ ዚቕበለሉ፡ ምእዛዝ ንፍቓድ ኣምላኽ ይቕበል። ምእንቲ ንሰማያዊ ህይወት እዙዛት ክንኸውን ክንብል፡ ገዛእ ርእስና ኣሕሊፍና ንጸሎት ክንህብ፡ ከምናይ ህጻን ዝኣመሰለ መንፈስ ጸሎት የድልየና ኢዩ።

"ናይ ዕለት እንጌራና ሎሚ ሃበና።" እቲ ውሉድ ብመጀመርታ ንገዛእ ርእሱ ምእንቲ ስም፡ መንግስትን ፍቓድን ኣቦ ኣሕሊፉ ስለ ዝሃበ፡ ናይ ዕለት እንጌራኡ ክሓትት ምሉእ መሰል ኣለዎ። እቲ ጐይታ ብዛዕባ ምግቢ ኣገልገልቱ ይግደስ፡ እቲ ጀነራል ንወተሃደራቱ፡ ከምኡውን ኣቦ ንውላዱ። እሞኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ፡ ነቲ ንገዛእ ርእሱ ብጸሎት ንፍቓድ ኣቦኡ ኣሕሊፉ ንዝሃበ ውላዱዶ ኣይግደስን ኢዩ? ብርግጽ ድማ ብርእሰ ተኣማንነት፦ ኣቦ፡ ኣነ ምእንቲ ክብርኻን ዕዮኻን ክነብር እየ፤ ንስኻ ከምእትሓልየለይ እውን እፈልጥ እየ፤ ክንብል ይግባእ። ንእግዚኣብሄርን ንፍቓዱን ተገዚእካ ምንባር፡ ኣብ ምድሪ ንዘለዉ ግዚያዊ ነገራት ክንሓትት ምሉእ መሰል ይህበና። ኵሉ ኣብዛ ምድሪ ብህይወት ዝነብር ፍጡር፡ ኣብ ትሕቲ'ቲ ግዱስ ፍቕሪ ኣቦ ይነብር።

"ንሕና ንዝበደሉና ከምዝሓደግናሎም፡ በደልና ሕደገልና።" ከምቲ ምግቢ ንሰብነት ቀንዲ ኣድላይ ነገር ዝዀነ፡ ይቕረ ምባል ድማ ንነፍሲ ኢዩ። ከምቲ ነቲ ሓደ እንቕርበሉ፡ ነቲ ካልኣይውን ምቕራቡ ግድን ኢዩ። ንሕና ውሉዳት ኢና። ግና ሓጥኣንውን ኢና። ሳላ እቲ ክቡር ደም ግና፡ ናብ ኣቦ ቐሪብናን ስርየት ሓጢኣት ረኺብናን ኢና። ምሕረት ክንረክብ ኢልና እንጽልዮ ጸሎት፡ ስለ ምግባሩ ክንብል ጥራይ እንፍጽሞ ከይንህልው ንጠንቀቕ። እቲ ብልቢ ዝተነሳሕናዮ ጥራይ ምሕረት ከምዝረክብ ንፍለጥ። ብእምነት ድማ ነቲ ቃል ምሕረት ንቐበሎ። ኣብ መንጐ እግዚኣብሄርን ንሕናን ዝፍጸም መንፈሳዊ ክውንነት ምዃኑ ንተኣመን። እዚ፡ ብምልኣት ናብ ፍቕሪ ኣምላኽን ውሉዳት ሓለፋ ኣብ እንረኽበሉ ቦታን መእተዊ ምዃኑ ከኣ ንፍለጥ። ንኻልኦት ይቕረ ዚብል መንፈስ እንተ ዘይብልና፡ ነዚ ምሕረት ብሓቂ ክነስተማቕሮ ኣይንኽእልን ኢና። ከምቲ ምሕረት ካብ ሰማይ ዝዀነ፡ ይቕረ ምብህሃል ድማ ምድራዊ ኢዩ። ርክብ ውሉዳት ኣምላኽ በዚ ይግለጽ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብ እግዚኣብሄር እንገብሮ ጸሎት፡ ናይ ግድን ሓደ እኳ ዘየፍቅሮ ሰብ የብለይን፡ ኢልና ብርግጸኛነት ክንዛረብ ክንኽእል ኣሎና።

"ካብ ክፉእ ኣድሕነና እምበር፡ ናብ ፈተና ኣይተእትወና።" ኣብዞም ሰለስተ ልማኖታት፦ ማለት ናይ ዕለት እንጌራና፡ ምሕረት ሓጢኣትና፡ ከምኡውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት ክንርሕቅን ካብቲ ክፉእ ክንድሕንን፤ ኣብ ዚብላ ልማኖታት፡ ኵሉ ንነብስና ዘድልየና ነገር ተጠቓሊሉ ንረኽቦ። ንእንጌራናን ንምሕረትናን ኢልና ኣብ እንጽልየሉ፡ ብተመሳሳሊ ኣብ ትሕቲ ፍቓድ እግዚኣብሄር ብቕድስና እዙዝ ኰይንና ክነብር ይግባእ። ከምኡውን እቲ ብእምነት ኵሉ ሳዕ እንጽልዮ ጸሎት፡ ካብ ሓይሊ እቲ ክፉእ፡ ብሓይሊ እቲ ኣባና ዝነብር መንፈስ ክዕቀብ ይግባእ።

ውሉዳት ኣምላኽ! የሱስ፡ ኣብ ሰማይ ናብ ዝነብር ኣቦና፡ ብኸምዚ ኣገባብ ክንጽልይ ኢዩ ዝደሊ። ስሙ፡ ከምኡውን መንግስቱ፡ ከምኡውን ፍቓዱ፡ ኣብ ፍቕርና ቀዳማይ ይኹን። ልግሱን ምሕረቱን፡ ከምኡውን ዕቃበ ፍቕሩ፡ እርግጸኛ ምቓል ብጺሕትና ይኹን። ብሰንኪ’ዚ፡ እዚ ጸሎት ሓቀይና ህይወት ውሉድ ክነሕልፍ ይመርሓና። ኣቦ ኵለንትንኡ ናብ ውላዱ ኢዩ። ኣቦ ኵለንትንኡ ንውላዱ ድማ ኢዩ። ትርጉም ኣቦን ውላድን፡ ብኸመይ ናቱ ናሕና ምዃኑን ኵሉ ድማ ሓደ ምዃኑን ክርድኣና ኣለዎ። ከምኡውን ብኸመይ ኣተሓሳስብኡ ናብ ኣምላኽ ዝወፈየ ጸሎት፡ ብሓይሊ እምነት ናትና ከምዝኸውን ክንርዳእ ይግባእ። ብርግጽ ድማ ከምዚ ዚበለ ጸሎት፡ ሕብረትን ውሽጣዊ ምልውዋጥ ፍቕርን ኢዩ። ነቲ መጀመርታ ጥራይ ዘይኰነ፡ ግና መወዳእታ እውን ዝዀነ ከኣ፡ መመሊስና ክነምልኾን ክንእመኖን የኽእለና። "መንግስትን ሓይልን ክብርን ንዘለኣለም ናትካ ኢዩ እሞ፡ ኣሜን።" ወዲ ኣቦ፡ "ኣቦና" ኢልና ምጽላይ ምሃረና።

"ጐይታ፡ ምጽላይ ምሃረና።"

ዎ፡ ኣታ በይንኻ ካብ ኣምላኽ ዝወጻኻ፡ "ኣቦና" ኢልና ክንጽልይ ክትምህረና ንልምነካ ኣሎና። ጐይታ፡ ነዞም ብሩኻት ዝዀኑ ቃላት ህይወት ስለ ዝሃብካና ነመስግነካ። ምእንታናን ምእንቲ እቶም ብዕኦም ኣቢሎም ዝተማሃሩን፡ ንኣቦ ክፈልጡን ከምልኹን ዝኸኣሉ፡ ሚሊዮናት ሰባት ድማ ነመስግነካ። ጐይታ! ካብ ምልኣቶምን ዕሙቘቶምን ዝተላዕለ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልማኖ፡ ኣብ ቤት-ትምህርትኻ መዓልታትን ሰሙናትን ከምዘድልየና ይስማዓና ኣሎ። ይኹንምበር ትርጕሞም ብዕምቘት ክተረድኣና ንዓኻ ንጥምት ኣሎና። ምእንቲ ስምካ ክትብል ክትገብሮ ከኣ ንጽልይ። ስምካ ወዲ ኣቦ ኢዩ።

ጐይታ! "ንኣቦ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኪገልጸሉ ዚፈቱን ዚፈልጦ የልቦን።" ከምኡውን፡ "እታ ብዕኣ ዘፍቀርካኒ ፍቕሪ ኣባታቶም ምእንቲ ክትከውን ኣነውን ኣባታቶም ስምካ ኣፍሊጠዮም ኣሎኹ ከፍልጦምውን እየ።" ኢልካ። ጐይታ የሱስ! ንኣቦ ንዓና ግለጸልና። ስሙ፡ እቲ ደረት ዘይብሉ ፍቕሪ ኣቦ፡ እቲ ንዓኻ ዘፍቀረካ ፍቕሪ፡ ከምቲ ጸሎትካ ኣባናውን ይኹን። ካብኡ ኣጸቢቕና ብግቡእ "ኣቦና!" ክንብል ክንክእል ኢና። ካብኡ ድማ ትምህርትካ ብግቡእ ክንርድኦ ኢና። እቲ ቀዳማይ ዝፍኖ ትንፋስ ልብና ድማ፡ "ኣቦና፡ ስምካ፡ መንግስትኻ፡ ፍቓድካ።" ዚብል ይኸውን። ሳላ እቲ ንዅሉ ዝግደስ ፍቕሪ ኣቦ ከኣ፡ ነቲ ድሌትና፡ ሓጢኣትናን ፈተናናን፡ ብርእሰ ተኣማንነት ናብኡ ክነምጽኦ ኢና።

ብሩኽ ጐይታ! ንሕና ተመሃሮኻ ኢና። ንዓኻ ንኣምነካ ኢና። "ኣቦና" ኢልና ምጽላይ ምሃረና። ኣሜን።