ምዕራፍ ዓሰርተ ሹዱሽተ

ሓይሊ ጽኑዕ ጸሎት

"ከይቀበጹ ኵሉ ሳዕ ኪጽልዩ ከምዚግብኦም ድማ፣ ብምስላ ተዛረቦም፣ ከምዚ ኢሉ . . . ጐይታ በለ፤ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን ኢዩ፣ ይጽመሞምዶ ኸ? ቀልጢፉ ፍትሒ ከምዜውጽኣሎም፣ እብልኩም አሎኹ።” (ሉቃስ 18፣1-8)

ካብ ኵሎም ኣብ ናይ ጸሎት ዓለም ዘለዉ ምስጢራት፣ ብቐጻሊ ከየቋረጽካ ጸሎት ምግባር፣ ካብቶም ዝዓበዩ ሓደ ኢዩ። እዚ፣ ጐይታ፣ እቲ ፍቑርን ክባርኸና ዝናፍቕን፣ ቅድሚ እቲ መልሲ ምርካብና፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ፣ ኣብ ገለ እዋን ድማ፣ ካብ ዓመት ናብ ዓመት፣ ክንልምኖ ምዃንና፣ ብቐሊሉ ክንርድኦ ዘይንኽእል ነገር ኢዩ። እዚ፣ ብእምነት ጸሎት ኣብ እንገብረሉ እዋን፣ ካብቶም ዘጋጥሙና ዓበይቲ ብድሆታት ሓደ ኢዩ።

ጸኒዕና ኣብ እንልምነሉ፣ ግና መልሲ ኣብ ዘይንረኽበሉ፣ እቲ ገዛእ ርእሱ ምስሉይ መንፈሳዊነት ዝተላበሰ ህኩይ ስጋና፣ እግዚኣብሄር መልሲ ከይህበና ናቱ ዚዀነ ምኽኒያት ኣለዎ፣ ስለዚ ጸሎት ምግባር ክነቋርጽ ኣሎና፣ ብምባል ክሓስብ ይጅምር ኢዩ።

እዚ ብድሆ ብእምነት ጥራይ ኢዩ ዝሰዓር። እምነት ሓንሳዕ ኣብ ቃል እግዚኣብሄርን ኣብ ስም የሱስን እንተ ተወኪሉ፣ ከምኡውን ብመገዲ ጸሎት፣ ፍቓድን ክብርን ኣምላኽ ጥራይ ክደሊ፣ ገዛእ ርእሱ ንመሪሕነት መንፈስ ኣሕሊፉ እንተ ሃበ፣ መልሲ ብምድንጓዩ ተስፋ ኣይክቈርጽን ኢዩ።

ብእምነት ዝግበር ጸሎት ድላዩ ከምዝረክብ፣ ኣብ ቃል ኣምላኽ ተገሊጹ ኢዩ። ሓቀይና እምነት ፈጺሙ ኣየጉህይን ኢዩ። ከምቲ ማይ፣ ምእንቲ በቲ ዘይዕገት ሓይሉ ክዓዪይ፣ ማለት እቲ ውሕጅ ብምሉእ ብርታዐ ክውሕዝ፣ ክእከብን ክውህለልን ዘለዎ፣ መብዛሕቱ እዋን ጸሎትውን፣ ክሳብ እግዚኣብሄር መዐቀኒኡ ምምልዑ ኣረጋጊጹ መልሲ ዝህብ፣ ይእከብ ኢዩ።

ከምቲ ሓደ ሓረስታይ፣ ዓሰርተ ሽሕ ዘርኢ ክዘርእ፣ ዓሰርተ ሽሕ ስጉምቲ ክስጉም ዘለዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ስጕምቲ ድማ፣ ክፋል ምቕርራብ ናይቲ ናይ መወዳእታ እቶት ዚዀነ፣ ከምኡውን ኵሎም ነቲ ዘድሊ በረኸት ከምጽኡ፣ ብተደጋጋሚ ጸኒዕካ ምልማን ኣድላዪ ኢዩ። ካብቲ ብእምነት እንገብሮ ጸሎት፣ ሓደ እኳ ኣብ ሰማይ ብዘይ ውጽኢት ኣይፈሽልን ኢዩ። ግና ነቲ ክሳብ መወዳእታ ዝጽመም፣ ምእንቲ ኣብ ምዱብ ግዜ፣ ርግጸኛ ውጽኢታዊ መልሲ ከምጽኣሉ፣ ክእከብ ኢዩ። እዚ፣ ከምቓል እቲ ህያው ኣምላኽ እምበር፣ ብሓሳብ፣ ወይ ብሓይሊ ሰብ ከምዘይኰነ ከኣ ፍሉጥ እዩ።

እሞ ኣብርሃም እኳ ኣብ ነዊሕ ዓመታት፣ “ተስፋ ኣብ ዘይብሉ፣ ብተስፋ ኣመነ፣” ካብኡ ከኣ፣ “ብእምነትን ብትዕግስቲን ነታ ተስፋ ወረሳ።” ጐይታ ዝጽመም ምእንቲ ድሕነት ክንረክብ ኢዩ። ጐይታ ብቕልጡፍ መጺኡ ተስፋኡ ክምልእ ምጽባይ ድማ ኢዩ።

ጸሎትና ብኡንብኡ ኣብ ዘይምለሰሉ፣ ምእንቲ ብትዕግስቲን ብሕጉስ ርእሰ ተኣማነንት ጸኒዕና ክንጽሊ፣ ጐይታና ብዛዕባ እቲ ዓመጸኛ ፈራዲ ዘይኰነ፣ እኳ ደኣ ኣምላኽናን ኣቦናን፣ ነቶም ለይቲን መዓልቲን ክልምኑ ዘፍቐደሎም ሰባት፣ ዝሃቦም ክልተ ቃላት ብፍላይ ክንርድኦም ክንፍትን ይግባእ። “ንሱ ይጽመሞም፣ ቀልጢፉ ከኣ ፍትሒ የውጽኣሎም።”

ጐይታ፣ ቀልጢፉ ፍትሒ ከውጽኣሎም ኢዩ፣ በለ። ኵሉ እቲ በረኸት ተዳሊዩ ኢዩ። ንሱ ንዝለመኑዎ ክህቦም ፍቓደኛ ጥራይ ዘይኰነ፣ ክህቦም እውን ኣዚዩ ይደሊ ኢዩ። እቲ ዘልኣለማዊ ፍቕሪ፣ ንፍቑራቱ ገዛእ ርእሱ ክግለጽን ድሌቶም ከማልእን፣ ብብርቱዕ ናፍቖት ምስ ተቓጸለ ኢዩ። እግዚኣብሄር፣ ካብቲ ዝድለ ግዜ ንላዕሊ፣ ሓንቲ ደቒቕውን ትኹን ኣየሕልፍን ኢዩ። እቲ መልሲ ብናህሪን ብቕልጣፈን ከመጽእ፣ ኵሉ ዘለዎ ሓይሊ ክጥቐም ኢዩ።

እዚ ሓቂ እንተ ዀይኑን ሓይሉ መወዳእታ እንተ ዘይብሉን፣ ስለምንታይ ደኣ፣ ንጸሎት መልሲ ክህብ ኣዚዩ ይድንጉይ? ስለምንታይ ኸ፣ መብዛሕቱ ግዜ ሕሩያት ኣምላኽ ባዕሎም፣ ኣብ ማእከል ስቕያትን ተቓውሞን ኰይኖም፣ መዓልቲን ለይቲን ይጠርዑ?

“ንሱ ክጽመሞም ኢዩ።” "እንሆ ሓረስታይ ነቲ ኽቡር ፍረ ምድሪ ይጽበዮ፣ ኣኸዛን ማይ ጽባሓትን ክሳዕ ዚረክብውን ይዕገስ ኢዩ።” ብርግጽውን እቲ ዋና ሕርሻ እቶቱ ክረክብ ይጽበ ኢዩ። ግና ከኣ እኹል ጸሃይን ዝናብን ክረክብ ከምዘለዎ ስለ ዝፈልጥ፣ ብዙሕ ትዕግስቲ ይገብር ኢዩ።

ቈልዓ መብዛሕትኡ ግዜ፣ ነቲ ብግቡእ ዘይበሰለ ፍረ ክኣሪ ይደሊ ኢዩ። እቲ ቀንዲ ሓረስታይ ግና፣ ክሳብ ግቡእ ግዜ ዝኣክል፣ ክጽበ ከምዘለዎ ይፈልጥ ኢዩ። ሰብ፣ ኣብ መንፈሳዊ ባህሪኡውን፣ በቲ ኵሎም ፍጥረታት ዝካየዱሉ ሕጊ፣ ማለት ኣብ ትሕቲ ዘገምታዊ ሕጊ ይመሓደር። ብመገዲ ምዕባለ ጥራይ ኢዩ፣ ናብቲ ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝመደበሉ ደረጃ ክበጽሕ ዝኽእል። እቲ ግዜን ኣዋርሕን ኣብ ትሕቲ ኢዱ ዝሓዘ፣ ኣቦ ኢዩ፣ እታ ነፍሲ፣ ወይ እታ ቤተ-ክርስቲያን ዝወሃባ በረኸት ብግቡእ ተቐቢላ ክትጥቐመሉ ኣብ እትኽእል ምሉእ እምነት ከምዝበጽሐት ዝፈልጥ። ከምቲ ሓደ ኣቦ፣ እቲ ሓደ ውላዱ፣ ካብ ቤት-ትምህርቲ ናብ ገዛ ክምለስ ብናፍቖት ዝጽበ፣ ግና ከኣ እቲ ናይ ትምህርቲ ግዜ ክሳብ ዝዛዘም ብትዕግስቲ ዝጽበ፣ ኣብ እግዚኣብሄርን ኣብ ደቁን እውን ከምኡ ኢዩ። እቲ ተጸሚሙ ዝጽበን ቀልጢፉ ዝምልስን፣ ንሱ ባዕሉ ኢዩ። ነዚ ሓቂ ምርዳእ፣ ነቲ ኣማኒ እውን ተመሳሳሊ ባህሪ ከጥሪ የኽእሎ። ትዕግስቲን እምነትን፣ ምጽባይን ምቕልጣፍን፣ ምስጢር ጽንዓቱ ከኣ ኢዮም።

ተስፋ ኣምላኽ ስለ ዝተኣመና፣ ነቲ ዚለመናዮ ዘበለ ከምዚሰምዓና ንፈልጥ ኢና። እምነት፣ ነቲ መልሲ፣ ኣብቲ ዚተወሃበ ቃል ተስፋ ይረኽቦ። ከምዘይርአ መንፈሳዊ ሃብቲ፣ በቲ ቃል ተስፋ ይሕጐስ፣ ከምኡውን ንዕኡ የወድሶ። ግና ኣብ መንጐ እቲ ነቲ ቃል ጨቢጡ ዝሓዘን መልሲ ከምዘለዎ ዝፈልጥን እምነትን፣ እቲ ነቲ ቃል ተስፋ ኣብ ሕጂ ግዜ ዘስተማቕር ግሉጽ፣ ምሉእን ብሱልን እምነትን ፍልልይ ኣሎ። ኣብ ዘይምእማን ዘይኰነ፣ ኣብ ጽኑዕ ግና ርግጸኛን ኣመስጋኒን ጸሎት፣ ነፍሲ ትዓቢን ምስ ጐይታኣ ትሓብርን፣ ኣብኡ ዘሎ በረኸት ድማ ትውንን።

ኣብ ከባቢና፣ ወይ ኣብ ማእከል እቲ ንሕና እንነብረሉ ዓቢይ ስርዓት፣ ወይ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝርከቡ ነገራት፣ ብጸሎትና ምስ ቀንዑ፣ መልሲ ጸሎትና ይመጽእ ይኸውን። ብመሰረት እቲ ትእዛዝ፣ እቲ ከምእተወሃበ ዝእመን እምነት፣ እግዚኣብሄር ነቲ ነገር ክፍጽም የኽእሎ። እዚ፣ ከምዝተዓወተን ግድን ከምዝዕወትን ይፈልጥ ኢዩ። እቲ ዝድለ በረኸት ክሳብ ዝመጽእ ከኣ፣ ብዘየቋርጽን ብቈራጽን ጽንዓት ብህድኣት ክልምንን ከመስግንን ኢዩ። ኣብዚ፣ ኣብቲ ፈለማ ፍጹም ተገራጫዊ ዝመስለና ዝነበረ ነገር፣ ተጠሚሩ ንርኢ ኣሎና። ንሱ ድማ፣ እቲ ዘይረአ ኣምላኽ ዝምልሶ መልሲ፣ ኣብ ሕጂ እዋን ከምዝወነኖ ገይሩ ዝሕጐስ እምነትን፣ እቲ ክሳብ እቲ መልሲ ዝጋሃድ መዓልቲን ለይቲን ብልማኖ ብትዕግስቲ ዝጽበን ኢዩ። ምቕልጣፍ ምጽማም ኣምላኽ፣ ምስቲ ዕጉስን ዕውትን እምነት ውላዱ ይራኸብ ኢዩ።

መልሲ ይድንጉይ ኢዩ፣ ኣብ ዚብል ቤት ትምህርቲ ዘሎ ጸገም፣ እግዚኣብሄር ዝለመናዮ ነገር ክህበና ፍቓዱ ከይኸውን ይኽእል ኢዩ፣ ኢልካ ክትሓስብ ምፍታን ኢዩ። ጸሎትና ብመሰረት ቃል ኣምላኽን ብመሪሕነት መንፈስ ቅዱስን እንተ ዀይኑ፣ ነዞም ፍርሂታት ዕድል ክንህቦም ኣይግባእን። እኳ ደኣ ንእግዚኣብሄር ግዜ ምሃብ ክንመሃር ይግባእ።

እግዚኣብሄር ምሳና ግዜ የድልዮ ኢዩ። ግዜ ጥራይ እንተ እንህቦ፣ ንሱውን፣ መዓልታዊ ምስኡ እንተ ንሓብርን ህላውኡ ብምልኣት ንዓና እንተ ዝጸልውን፣ ከምኡውን መዓልታዊ ኣብ እንጽበየሉ፣ እምነት ክውን ነገር ኰይኑ ኵለንትናና እንተ ዝመልኦ፣ ንሱ ባዕሉ ድማ፣ ካብ እምነት ናብ ራእይ ከእትወና ኢዩ። ክብሪ ኣምላኽውን ክንርኢ ኢና። ምድንጓይ ንእምነትና ክንቕንቖ ኣይግባእን።

ጽቡቕ ኣብ ዝሓዘ እምነት፦ ቅድም ጮማ ብቝሊ፣ ድሓር ሰዊት፣ ካብኡ ድማ ኣብቲ ሰዊት፣ ብጹሕ ስርናይ ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ ብእምነት እንገብሮ ጸሎት፣ ናብ መወዳእታ ዓወት ዘቕርበና ስጕምቲ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ብእምነት እንገብሮ ጸሎት፣ እቲ ፍረ ክበስልን ናብኡ ክንቐርብን ይሕግዘና። እግዚኣብሄር ጥራይ ንዝፈልጦ መዐቐኒ ጸሎትን እምነትን ድማ ይመልኦ። ኣብቲ ዘይርአ ዓለም ንዘሎ ዕንቅፋት ይስዕሮ። ነቲ መወዳእታውን የቐላጥፎ። ውሉድ ኣምላኽ! ንኣቦ ግዜ ሃቦ። ንሱ ንዓኻ ይጽመመካ ኢዩ። ንሱ፣ እቲ በረኸት ክበዝሕ፣ ምሉእን ርግጸኛን ድማ ክኸውን ይደሊ። ለይቲን መዓልቲን ኣብ እትልምነሉ፣ ንዕኡ ግዜ ሃቦ። ነዚ ቃል ጥራይ ዘክር፤ “ቀልጢፉ ፍትሒ ከምዜውጽኣሎም፣ እብልኩም አሎኹ።”

ካብ ብጽንዓት ምጽላይ እንረኽቦ በረኸት ኣመና ብዙሕ ኢዩ። ከምብእምነት ምጽላይ ገይሩ ልቢ ዝምርምር ነገር የልቦን። ኵሎም በረኸት ከይመጽእ ዝዕንቕፉን ምስ ፍቓድ ኣቦ ዘይሳነዩን ነገራት፣ ክተላልይዎም፣ ክትንስሑዎምን ክተልግሱዎምን ክትኽእሉ ይምህረኩም ኢዩ።

እዚ፣ ምስቲ ንሱ ጥራይ ምጽላይ ክምህር ምዝኽእል ቀሪብና ክንሓብር፣ ናብቲ ብደምን ብመንፈስን እንተ ዘይኰይኑ፣ ብኻልእ ነገር ናብ ዘይተኸወለ ዝያዳ ክንቐርብ፣ ገዛእ ርእስና ክንህብ ይመርሓና። ኣብ ክርስቶስ ክንቐርብን ብቐሊሉ ኣብኡ ክንውከልን ከኣ የኽእለና። ክርስቲያን! ንእግዚኣብሄር ግዜ ሃብ። ንሱ ነቲ ንዓኻ ዘድልየካ ነገር ክፍጽሞ ኢዩ።

“ይጽመሞም - ቀልጢፉ” እዚ ቃል፣ ናብ ኣፍደገ ጸሎት እንኣትወሉ፣ ናይ እግዚኣብሄር ቃለ-ምስጢር ኢዩ። ናትኩምውን ይኹን።

ንገዛእ ርእስኹም፣ ወይ ንኻልኦት ክትጽልዩ ከሎኹም፣ ከምኡ ይኹን። ኵሉ ናይ ሰብነት፣ ይኹን ናይ ኣእምሮ ዕዮ፣ ግዜን ጻዕሪን ይደሊ ኢዩ። ገዛእ ርእስና ንዕኡ ኣሕሊፍና ክንህብ ኣሎና። ተፈጥሮ ምስጢራ ነቲ ትጉህን መስተውዓሊን ጥራያ ኢያ ትገልጽ። ሃብታ ከኣ ትህብ። ዋላውን ሒደት ንረደኣዮ፣ ኣብ መንፈሳዊ ምምሕዳር እውን ከምኡ ኢዩ። ኣብ ሰማያዊ ሓመድ ዝዘራእናዮ ዘርኢ፣ ኣብኡ እነካይዶ ጻዕሪ፣ ከምኡውን ኣብ ላዕላዋይ ዓለም ክነሕድሮ እንደሊ ጽልዋ፣ ኵለንትናና ይደሊ ኢዩ። ገዛእ ርእስና ንጸሎት ክንህብ ኣሎና። ስለዚ፣ እንተ ዘይተሓሊልና ኣብ ግቡእ ግዜ እቶት ክንሓፍስ ኢና፣ እትብል ርግጽኛ ተስፋ ብዘይ ምንቕናቕ ነጽንዓያ።

ከምኡ ከኣ ብፍላይ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ እንጽልየሉ፣ ነዚ ትምህርቲ ንመሃሮ። ንሳ ብርግጽ ከምምስኪን መበለት፣ ጐይታኣ ኣብ ዘይብሉ፣ ኣብ ትሕቲ ጸላእታ ዘላ፣ መአረምታ ክትረክብ ትጽገም ኢያ። ነታ ኣብ ውሽጢ ዓለም ዘላ ቤተ ክርስቲያኑ፣ ወይ ንገለ ክፋላ፣ ብሓያል ስራሕ መንፈሱ ክበጽሓን ንምምጽኡ ከዳልዋን ኣብ እንልምነሉ፣ በቲ ርግጸኛ ዝዀነ እምነት ንጸሊ። ጸሎት ይሕግዝ ኢዩ። እቲ ዘይሕለል ጸሎት፣ ኵሉ ግዜ መልሲ የምጽእ ኢዩ። ንእግዚኣብሄር ጥራይ ጊዜ ሃቡ። ካብኡ መዓልቲን ለይቲን ለምኑ። “እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም መዓልቲን ለይቲን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽኣሎምን ኢዩ፣ ይጽመሞምዶ ኸ፣ ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽኣሎም፣ እብልኩም አሎኹ።”

“ጐይታ፣ ምጽላይ ምሃረና።”

ዎ እግዚኣብሄር ጐይታይ! ሕጂ መገድኻ ክፈልጥን እቲ ፍቑር ወድኻ ዝመሃሮ ብእምነት ክርድኦን ምሃረኒ። “ቀልጢፉ ፍትሒ ከውጽኣሎም ኢዩ።” እቲ ርሕሩሕ ፍቕርኻ፣ ከምኡውን ንደቅኻ ብምስማዕን በረኸትካ ብምሃብን ዝስመዓካ ሓጐስ፣ ቃል ተስፋኻ፣ ማለት ዝተኣመናዮ ከምእንረክብ፣ ዝለመናዮ ከምእንወሃብ፣ ከምኡውን እቲ መልሲ ኣብ ምዱብ ግዜ ከምዝርአ፣ ብዘይ ምውልዋል ክቕበል ይመርሓኒ። ጐይታ! ኣዋርሕ ንተፈጠሮ ብምዕዛብ ንርድኦም ኢና። ስለዚ ነቲ እንናፍቖ ፍረ ብትዕግስቲ ክንጽበ ከምዘሎና ንፈልጥ ኢና። ዎ ካብቲ ዝድለ ግዜ ንላዕሊ ንሓንቲ ደቒቕውን ከምዘይትድንጉን እምነት ነቲ መልሲ ከምዘቐላጥፎን መረጋገጺኻ ሃበና።

ብሩኽ ጐይታ! መዓልቲን ለይቲን ምልማን ምልክት ሕሩይት ኣምላኽ ኢዩ ኢልካ። ዎ ነዚ ክንርዳእ ክንኽእል ምሃረና። ክንዴናይ ቐልጢፍና ከምእንደክምን ከምእንወድቕን ንስኻ ትፈልጥ ኢኻ። እዚ፣ እቲ መለኾታዊ ግርማ ብቐጻሊ እንግብሮ ልማኖ ከምዘይሰምዓና ሓሲብና ብልማኖ ከይነተክሮ ከምምውሳን ኢዩ። ዎ ጐይታ! ጻዕሪ ጸሎት ክውን ነገር ምዃኑ ምሃረኒ። ኣብዚ ምድሪ ዕዮይ ብግቡእ ምዘይፍጽም፣ ከምብሓድሽ ደጋጊመ ብምጽዓር፣ ግዜይን ሓሳበይን ብምሃብ ከምዝዕወት እፈልጥ እየ። ብኸመይ ገዛእ ርእሰይ ንጸሎት ኣሕሊፈ ብምሃብ፣ ብጸሎት ብምንባር፣ ዝለመንኩዎ ዘበለ ከምዝረክብ ምሃረኒ። ልዕሊ ኵሉ፣ ዎ ብሩኽ መምህረይ! ጀማሪን ደምዳሚን እምነት፣ ብጸጋኻ ኵሉ ህይወተይ ነቲ ዘፍቅረኒን ገዛእ ርእሱ ንዓይ ዝሃበን ወዲ ኣምላኽ ክእመን ይኹን። ብዕኡ ጸሎተይ ተቐባልነት ይረክብ። ብዕኡ መልሲ ከምዝረክብ መረጋገጺ ኣሎኒ። ብዕኡ እቲ መልሲ ናተይ ይኸውን። ጐይታ የሱስ! ሳላ’ዚ እምነት ኵሉ ግዜ ብዘይ ምሕላል ክጽሊ እየ። ኣሜን።

መዘኻኸሪ

ገለ ሰባት ብዘይ ምቑራጽ መልሲ ንምርካብ ኢልና እንገብሮ ጸሎት፣ ምስቲ ዚለመኖ ከምዝወሃብ ዝፈልጥ እምነት ዝጋጮ ኰይኑ ይስምዖም። (ማርቆስ 11፣24) ካብቶም ምስጢራት ህይወት ኣምላኽ ሓደ፣ ኣብ መንጐ ዘገምታዊን ሃንደበታዊን፣ ኵሉ ብኡንብኡ ምውናንን ቀስ እናበልካ በብቑሩብ ምእካብን፣ ዘሎ ስኒት ኢዩ። እሞ ኣብዚ ጸኒዕካ ምጽላይ፣ ነፍሲ ምእንቲ ብእምነት ክትብርትዕ እትሕይለሉ ቤት ትምህርቲ ይመስል። ኣብ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ኣገልግሎት፣ ኣብ ገለ ሰባት እምነት ብመልክዕ ብጽንዓት ምጽባይ ይግለጽ። ኣብ ካልኦት ግና ከምዝተሰምዑ ብምርግጋጽ ብናይ ዓወት ምስጋና ጥራይ ይግለጽ።

ብዘገርም ኣገዳስነት ጸኒዕካ ምጽላይን ብዘገምታ መልሲ ክትረክብ ምዃንካ ብቐሊሉ ምርዳእን፣ ኣብ ህይወት ብሉሃርድት ተገሊጹ ንረኽቦ። ከምኣገልጋሊ ወንጌል ዕዮኡ ብሸለልታ ይፍጽም ምዃኑ ብምሕባር ተኸሲሱ። ግዜኡ ዝሓመሙ ሰባት ብምፍዋስ የጥፍእን ካብ ናቱ ማሕበር ወጻኢ ዘለዎ ሕሙማት ፍቓድ ከይሓተተ ይፍውሶምን፣ ምዃኑ ተገሊጹ ኢዩ፣ ተኸሲሱ።

ንሱ ከአ ብወገኑ፣ ከምግብረ መልሲ ከምዚ ስዒቡ ዘሎ ኢሉ ጽሒፉ፤ “ምስቲ ንነፍሳት ዝውንን ሓደ ንምዃንን ብመሰረት ጐይታ ኣብ መልእኽቲ ያእቆብ ምዕራፍ ሓደ ካብ ቍጽሪ 6 ክሳብ 7 ዝኣዘዞ መሰረት እየ፣ ዝዓዪይ ነይረ። ብገዛእ ሓይለይ ተኣሚነ፣ ወይ ካብ ካልኦት ሰባት ዝተፈለየ ውህበት ኣሎኒ ኢለ፣ ኣይፈልጥን። ግና እዚ ሓቂ ኢዩ፣ ኣነ ከምመጠን ገዛእ ርእሰይ ነገልግሎት ወንጌል ዝሃብኩ፣ ናይ ምጽላይ መሰል ኣሎኒ። ኣፍደገ ሰማይ ገና ምሉእ ብምሉእ ከምዘይተኸፍተለይ እውን ብቕልጡፍ ተረዲአ። ተስፋ ቈሪጸ ክገድፎ ዝተወናወንኩሉ እዋንውን ብዙሕ’ዩ ነይሩ። ግና ነቶም ኣብ ዚዀነ ይኹን ቦታ ከይዶም ረድኤት ክረኽቡ ዘይኽእሉ ሕሙማት ምርኣይ፣ ዕረፍቲ ከሊኡኒ። ጐይታ ዚበሎ፣ ነዚ ስዒቡ ዘሎ ቃል ከኣ ሓሰብኩ፣ ‘ለምኑ፣ ክትወሃቡ ኢኹም።’ (ሉቃስ 6፣9-10)

ብተወሳኺ፣ ቤተ-ክርስቲያንን ኣገልገልታን፣ ብሰንኪ ዘይምእማን፣ ትህኪትን ዘይምእዛዝን፣ ንሓይሊ ሰይጣን ክስዕሩ ዘኽእሎም ሓይሊ ከምዝሰኣኑ ሓሰብኩ። ጐይታ፣ ኣብዚ እዋን ስእነትን ጥሜትን ኢዩ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ዝመጸ ዓርኪን እተን ሰለስተ እንጌራን ኣመልኪቱ ምሳሌኣዊ ዛንታ ዝተዛረበ።

ኣብ ፍርቂ ለይቲ፣ ኣብ እዋን ድቕድቕ ጸልማት፣ ኣባል ማሕበረይ ሓገዝ ደሊዩ እንተ ዝመጻኒ፣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቀሪበ ከምዓርኩ ክሓቶ ብቑዕ ከምዘይኰንኩ ሓሰብኩ። ግና ኣብኡ ከሎ ብዘይ ሓገዝ ክኸይድ ኣይደለኹን። ስለዚ ከምቲ እቲ ምሳሌኣዊ ዛንታ ዝገልጾ፣ ወይ ከምቲ ገሌኦም ዝገልጽዎ፣ ብድርቅናን ዓቕሊ እግዚኣብሄር ብዝፍትንን ምዅሕዃሕ ቀጺለ። ዋላውን ከምኡ እንተ መሰለ፣ ነቲ ጋሻይ ኣብኡ ከሎ ድሌቱ ከይሃብኩዎ ኣይከፋንዎን እየ። ኣብዚ እዋን፣ ብዛዕባ እታ መበለት ኣመልኪቱ ዝተዘንተወ ዛንታ፣ ንዓይ ልዑል ኣገዳስነት ነበሮ። እታ ቤተ ክርስቲያን እታ መበለት ኢያ፣ ኣነ ድማ ኣገልጋሊ ቤተ-ክርስቲያን እየ።

ክንድኣ ኰይነ ኣንጻር ተጻይታ ክዛረብ መሰል ኣሎኒ። ግና ጐይታ ንነዊሕ እዋን ኣይዛረብን ይኸውን። ካብቲ ነጋይሸይ ዘድልዮም ሰለስተ እንጌራ ንላዕሊ ኣይለመንኩን። ኣብ መወዳእታ ከኣ፣ ጐይታ፣ ነቲ ብዘይ ምቑራጽ ዝልምን ለማኒ ሰሚዑ ሓገዘኒ። ብኸምኡ ኣገባብ ምልማናይ ገይጋ ዶ ነይሩ? እዞም ክልተ ምሳሌኣዊ ዛንታታት፣ ኣብ ገለ ቦታ ተግባራዊ ክዀኑን ብልዑል ከገልግሉን ይኽእሉ ዶ ኣይኰኑን?

እሞ ፍረ ጸሎተይ እንታይ ኢዩ? እቲ ኣብ መጀመሪያ ፍቓደኛ ዘይነበረ ዓርኪ፣ ኪድ ሕጂ፣ ዓርክኻ ዘድልዮ ባዕለይ ክህቦ እየ፣ ኣይተድልየንን ኢኻ፣ ኣይበለን። እኳ ደኣ ምእንቲ ንዓርከይ ክህቦ፣ ከምመጠን ዓርኩ ንዓይ ሂቡኒ። ኣነውን ነተን ሰለስተ እንጌራ ገለ ኣትሪፈ ቈጢበ ተጠቒመለን። እቲ ቀረብ ግና ሒደት ነበረ። ኣብ እዋን ፍርቂ ለይቲውን ይኹን፣ ናብ ዓርከይ ብምዃድ፣ ብልቢ ክሕግዞም ምዃነይ ስለ ዝፈለጡ ድማ፣ ሓደሽቲ ኣጋይሽ ናባይ መጹ። ምእንትኦም ኣብ ዝለመንኩሉውን፣ እንደገና ዘድልየኒ ምስ ገለ ተረፍ ተወሃበኒ። ከመይ ገይረ’የ፣ ጽጉማት ቀጻሊ ናብ ገዛይ እናመጹ ክሕግዞም ዝኽእል? ስለምንታይ ናባይ ትመጹ ብምባል ተሪረ ክዛረቦም ዶ ኣሎኒ? በጃኹም ኣብቲ ዓበይቲን ብሉጻትን ገዛውቲ ኣለውልኩም፣ ናብኦም ኪዱ። መልሶም ድማ፣ ክቡር ጐይታ፣ ናብኣታቶም ክንኸይድ ኣይንኽእል ኢና። ቅድም ሕጂ ናብኦም ኬድና ኔርና። ምእንታና ኣብ ክንዲ ናብ ዓርኮም ብምኻድ ዝልምኑ፣ ብጥሙይ ከብድና ሰጒጐምና።

ኪድ፣ ስቓይና በዚሑ ኢዩ’ሞ እንጌራ ኣምጽኣልና። እንታይ ክገብር ይኽእል? እቲ ዝተዛረቡዎ ሓቂ ኢዩ። እቲ ስቓዮም ልበይ ተንኪፉኒ። ነፍሲ ወከፍ ግዜ ከኣ፣ ድኻመይ ከይጸብጸብኩ ብምኻድ፣ ነተን ሰለስተ ቁራስ እንጌራ ኣምጺአ። መብዛሕቱ እዋን ድማ፣ ካብቲ መጀመርታ ዝልምኖ ዝነበርኩ፣ ብዝቕልጥፍን ብዝበዝሕን ተዋሂቡኒ። ግና ኵሎም ስለ ዘይኰኑ ነዚ እንጌራ ዝደልዩዎ፣ ገሌኦም ብጥሙይ ከብዶም ተመልሱ።”1

ኣብ መጀመርታ ምስ ክፉኣት መናፍስቲ ኣብ ዘካይዶ ቃልሲ፣ ቅድሚ ነቲ ዓወት ብምልኣት ምጭባጡ፣ ልዕሊ 18 ኣዋርሕ ምጽላይን ምዕያይን ኣድለዮ። ብድሕሪኡ ግና ብቐሊሉ ናብ ዝፋን ኣምላኽ ኣቲዩ፣ ምስቲ ዘይርአ ዓለም ብቐረባ ይራኸብ ነበረ። ሕሙማት ፈውሲ ደሊዮም፣ ደብዳበ ናብኡ ኣብ ዝሰዱሉ፣ ንላዕሊ ገጹ ቍሊሕ ብምባል ጥራይ፣ ክሓውዩ ይኽእሉ እንተ ዀኑ መልሲ ይረክብ ነበረ።

1From Johann Christophe Blumhardt, Ein Lebenabild von F. Etindel