ጥቕሲ

"እቲ ብሓቂ ህልው እግዚኣብሄር ጥራይ'ዩ። ንዕኡ፡ ሰብ ኣብ ግዜ፡ ቦታን ግኡዝን የግህዶ'ዩ።" - ሊዮ ቶልስቶይ

tolstoy

ካልኦት ሓጸርቲ ዛንታታት ብሊዮ ቶልስቶይ

ክልተ ዓበይቲ ሰብኡት

ደራሲ - ሊዮ ቶልስቶይ

ትርጕም - ብርሃነ-መስቀል ኣርኣያ

እታ ሰበይቲ በለቶ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ነብዪ ምዃንካ እርኢ ኣሎኹ። ኣቦታትና ኣብዚ ከረን'ዚ ሰገዱ። ንስኻትኩም ግና፡ እታ ክሰግዱላ ዝግባእ ስፍራ ኣብ የሩሳሌም'ያ፡ ኢኹም እትብሉ። የሱስ በላ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ኣብዚ ከረን'ዚ፡ ወይ ኣብ የሩሳሌም ነ'ቦ ዘይትሰግዱላ ግዜ ከም እትመጽእ፡ እመንኒ። … ኣቦ ከምዚ ዝበሉ ሰገድቲ'ዩ ዝደሊ'ሞ፡ እቶም ሰገድቲ ሓቂ ነ'ቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዝሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ'ያ፡ ንሳ ከኣ ሕጂ'ያ። - ዮሃንስ 4፡19-21፡ 23

ኣብ የሩሳሌም ንግደት ብምፍጻም ንንእግዚኣብሄር ከምልኹ ዝወሰኑ፡ ክልተ ዓበይቲ ሰብኡት ነበሩ። እቶም ሓደ ይፊም ታራሲች ሼቬሌፍ እተባህሉ ብዓል ጸጋ ሓረስታይ ነበሩ። እቶም ካልኣዮም ኣሊሻ ቦድሮፍ ግና ብዙሕ ሃብቲ ኣይነበሮምን።

ዪፊም፥ ረዚን፡ ዕቱብን ተሪርን ሰብኣይ ነበሩ። ንሶም፡ መስተ ኰነ ሽጋራ፡ ወይ'ውን ትምባኾ ኣይቐርቡን ነበሩ፡ ኣብ ህይወቶም ከኣ፡ ፈጺሞም ሕማቕ ዘረባ ተዛሪቦም ኣይፈልጡን ነበሩ። ክልተ ሳዕ ሽማግለ ዓዲ ኰይኖም ኣገልጊሎም፡ ሓላፍነቶም ኣብ ዘረከቡሉ'ውን፡ ጉድለት ዝበሃል ኣይነበሮምን። ክልተ ኣወዳት ደቆምን ሓዳር ዝገበረ ወዲወዶምን፡ ምስኦም ብሓባር ይነብሩ ስለ ዝነበሩ፡ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ብዙሓት ነበሩ። ንሶም፥ ደልዳላ፡ ብዓል ነዊሕ ጭሕምን ሰጥ ዝበለ ቁመናን ነበሮም፡ ኣብ ጭሕሞም'ውን እንተኾነ፡ ዕድመኦም ኣብ ሱሳታት ምስ ኣተወ'ዩ፡ ሓሓሊፉ ጻዕዳ ሽበት ክርአ ዝጀመረ።

ኤላያሻ ሃብታም፡ ወይ ድኻ ኣይነበሩን። ፈለማ ከም ጸራባይ ይዓዩ ኔሮም፡ ሕጂ ግና ብዕድመ ስለ ዝሸምገሉ፡ ኣብ ገዛ ንህቢ የርብሑ ነበሩ። እቲ ሓደ ወዶም ስራሕ ክደሊ ገይሹ ነበረ፡ እቲ ሓደ ግና ኣብ ገዛ ይቕመጥ ነበረ። ኣሊሻ ሕያዋይን ሕጉስን ሽማግለ ሰብኣይ ነበሩ። ሓቂ'ዩ ሓሓሊፎም መስተ ይሰትዩ፡ ስንቀን ይሽትቱን ደርፊ ይፈትዉን ነበሩ፡ ይኹን'ምበር ምስ ስድራ-ቤቶምን ጎረባብቶምን ተሳኒዮም ዝነብሩ ሰላማዊ ሰብ ነበሩ። ንሶም፥ ሓጺርን ጽልም ኢሎምን ነበሩ፡ ጥቕሉል ጭሕሚ ከኣ ነበሮም፡ ልክዕ ከምቲ ደጋፊኦም ቅዱስ ኣሊሻ'ውን፡ ኣዝዩ በራሕ ርእሲ ነበሮም።

እዞም ክልተ ዓበይቲ ሰብኡት፡ ኣብ የሩሳሌም ንግደት ክኸዱ፡ ነዊሕ ዝገበረ መብጽዓ ነበሮም፡ ግና ዪፊም ፈጺሞም ግዜ ክፈልዩሉ ኣይኸኣሉን ነበሩ፡ ወርትግ ኣብ ንግዳዊ ንጥፈታቶም ጽሙድ ነበሩ፡ ሓደ ጉዳይ ምስ ወድኡ ኣብ ካልእ ይሰግሩ ነበሩ። ፈለማ መርዓ ወዲወዶም ከዳልዉ ነበሮም፡ ካብኡ እቲ ሕሳስ ልደ ወዶም ካብ ሰራዊት ክምልስ ክጽበዩ ነበሮም፡ ሕጂ ከኣ ሓዳሽ ኣጕዶ ገዛ ክሰርሑ ጀመሩ።

እዞም ዓበይቲ ሰብኡት፡ ሓደ እዋን ባዓል ዕረፍቲ፡ ኣብ ኣፍደገ እታ ኣጕዶ ተራኸቡ፡ ኣብ ገለ ጕንዲ ኰፍ ኢሎም ከኣ፡ ዘረባ ጀመሩ።

“ደሓን፣" በሉ ኣሊሻ፡ "በሉ መዓስ ኢና መብጽዓና እንፍጾም፧"

ዪፊም ገጾም ኣሰሩ።

“ክንጽበ ኣሎና፣" ከኣ በሉ። "እዚ ዓመት ወላ'ኳ ንዓይ ኣይጠዓመንን። እዛ ኣጕዶ ካብ ሚእቲ ሩብል ቁሩብ ዝዛይድ ትወስደለይ ትኸውን፡ ብምባል ሓሲበ ክሰርሓ ጀሚረ፡ ግና ድሮ ከባቢ ሰለስተ ሚእቲ ወዲኣ ኣላ፡ ገና ከኣ ኣይተወደአትን ኣላ። ሓጋይ ክሳዕ ዝኣቱ ክንጽበ ኣሎና። ፍቓድ ኣምላኽ ይኹን'ምበር፡ ኣብ ሓጋይሲ ግድን ክንኸይድ ኢና።

“ኣነ'ኳ ክንደናጎ የብልናን፡ እኳ ደኣ ሕጂ ክንኸይድ ይግባእ ባሃላይ'የ፣" በሉ ኣሊሻ። "ጽድያ እቲ ዝበለጸ ግዜ'ዩ።"

“እቲ ግዜ ጽቡቕ'ዩ ኔሩ፡ ግና እቲ ዝሃንጾ'ኸ፧ ከመይ ጌረ ሓዲግ ክገድፎ እኽእል፧"

“ከምዚ ብዘይ ገለ ሰብ ትገድፎ ዘሎኻ ኣይትኹን! ኣይ'ቲ ወድኻ ክከታተሎ ይኽእል እንዲዩ።"

“ግና ብኸመይ፧ እቲ በዅሪ ወደይ ብዙሕ እሙን ኣይኰነን – ሓሓሊፉ መስተ የብዝሕ'ዩ።"

“ኣታ ዓርከይ፡ ኣይ ምስ ሞትና ዘይባዕሎም'ዮም ክካየዱ። ወድኻስ ተመኵሮ ክኾኖ፡ ሕጂ ደኣ ይጀምሮ።"

“ንሱስ ሓቂ'ዩ፡ ግና ሓንሳዕ እተጀመረስ ተወዲኡ ክትርእዮ'ዩ ባህ ዘብል።"

“ዋይ'ዚ ዓርከይ፡ ኵሉ ዝጀመርናዮ ክንዛዝሞ ኣይንኽእል ኢና። ኣብ ገዛና ዝሓለፈ መዓልቲ፡ እተን ኣንስቲ ንበዓል ፋስጋ ይሓጽባን ገዛ የጽርያን ነበራ። ነዚ ክገብራ፡ ነቲ ክገብራ፡ ኵሉ ክገብራኦ ኣይኸኣላን። ስለዚ እታ ወረጃ ሰይቲ ወደይ ከምዚ በለት፡ "እቲ በዓል ንዓና ከይተጸበየ ይመጽእ ብምዃኑ ክነመስግን ይግባእ፡ ዝገበርና እንተ ገበርና፡ ተዳሊና ክንጸንሖ ኣይከኣለናን'ዩ።"

ዪፊም ኣብ ሓሳብ ኣተዉ።

“ነዚ ክሃንጽ ብዙሕ ወጻኢታት ኣውጺአ'የ፣" በሉ፡ "ሓደ ሰብ ጥራሕ ጁባኡ ንጕዕዞ ክብገስ ኣይኽእልን'ዩ።" ነፍሲወከፍና መሚእቲ ሩብል ከድልየና'ዩ – እዚ ቀሊል ገንዘብ ኣይኰነን።"

ኣሊሻ ሰሓቑ።

“ንዓ ደኣ ንዓ ኣታ ዓርኪ ቀደመይ!” በሉ፡ "ንስኻ ካባይ ዓሰርተ ዕጽፊ ኣሎካ፡ ግና ብዛዕባ ገንዘብ ትዛረብ ኣሎኻ። መዓስ ከም እንብገስ ጥራይ ንገረኒ፡ ወላ'ኳ ሕጂ ገለ እንተ ዘይብለይ፡ ሽዑ ግና ተዳሊየ ክጸንሐ'የ።"

ዪፊም'ውን ፍሽኽ በሉ።

“ወይ ኣነ ጉዳም፡ ክንድ'ዚ ከም ዝሃብተምካ ኣይፈለጥኩን ኔረ!” በሉ። "ብኸመይ፡ ካበይ'ኸ ክትረኽቦ ኢኻ፧"

“ኣብ ገዛ ምስ ዘለዉ ብሓባር ሓርኰትኰት ኢለ ገለ ክኣኻክብ'የ፡ ንሱ እንተ ዘይኣኺሉ፡ ንጎረቤተይ ፍርቂ ቆፎታት ንህቢ እሸጠሉ። ንሱ ክገዝአን ካብ ዝደሊ ነዊሕ ጌሩ'ዩ።"

“ኣብዛ ዓመት እተን ኣናህብ እንተ ዓሲለን ክትጠዓስ ኢኻ።"

“ኣቱም ዓርኪ፡ ክጠዓሰሉ! ኣነስ ኣይፋል! ምሉእ ህይወተይ ብጀካ ብሓጢኣተይ፡ ብኻልእ ነገር ተጣዒሰ ኣይፈልጥን'የ። ካብ ነፍሲ ዝኸብር ዝዀነ ነገር የልቦን።"

“ንሱስ ሓቂ'ዩ፡ ዀይኑ ግን ውራይ ገዛ ሸለል ክትብል ኣይግባእን'ዩ።"

“ግና ነፍስና ሸለል እንተ ኢልናዮ'ኸ፧ ንሱ ዝኸፍአ እንዲዩ። ንሕና መብጽዓ ኣቲና ኢና፡ ስለዚ ንኺድ ጥራይ! ሕጂ ብልቢ እብል ኣሎኹ፡ ንኺድ ጥራይ!”

ኣሊሻ ንብጻዮም ከእምንዎም ከኣሉ። ዪፊም ኵሉ ኣጸቢቆም ድሕሪ ምስትንታን፡ ንግሆ ምስ ኣሊሻ ተራኸቡ።

“ጽቡቕ ኣሎኹም፣" ከኣ በሉ፣" ንኺድ ጥራይ። ህይወትን ሞትን ኣብ ኢድ ኣምላኽ'የን። ሕጂ ብህይወትን እኹል ሓይሊን 'ከሎና ክንኸይድ ይግባእ።"

ድሕሪ ሰሙን እቶም ዓበይቲ ሰብኡት ንጕዕዞ ክብገሱ ድልዋት ኰኑ። ዪፊም ኣብ ኢዶም እኹል ገንዘብ ነበሮም። ሚእቲ ሩብል ንገዛእ ርእሶም ኣትሪፎም፡ ክልተ ሚእቲ ምስ ብዓልቲ እንዳኦም ገደፉ።

ኣሊሻ'ውን ተዳሊዮም ነበሩ። ዓሰርተ ቆፎ ንህቢን ምስተን ኣብ ሓጋይ ካብኡ ክራብሓ ዝኽእላ ዕስለ ንህቢን ንጎረቤቶም ሸጡሎም። ካብቲ መሸጣ ሰብዓ ዶላር ተረከቡ። ነቲ ካብቲ ሚእቲ ሩብል ዝጎዲሉ ዘሎ ገንዘብ፡ ካብ ኣባላት ስድራ-ቤቶም ሓንቲ ከይተርፉ፡ ሓርኰትኰት ኢሎም ኣከቡዎ። ብዓልቲ እንዳኦም ንቀብረን ኢለን ዘዋህለሉዎ ኵሉ ገንዘበን ሃባኦም፡ ሰይቲ ወዶም'ውን ኵሉ ዘለዋ ሃበቶም።

ዪፊም ኵሉ'ቲ በኹሪ ወዶም ክገብሮ ዝግባእ ነገራት ሓበሩዎ፥ ንሱ ከኣ፡ መዓስን ክንድ ምንታይን ሳዕሪ ክዓጽድ ከም ዘለዎ፡ ኣበይ ብካሮሳ ነቲ ድኹዒ ከም ዝጓርቶ፡ ከምኡውን ብኸመይ ነቲ ኣጕዶ ከም ዝዛዝሞን ከም ዝኸድኖን ነበረ። ኵሉ ብደቂቕ ሓሲቦምሉ'ዮም፡ ብኸምኡ መሰረት ከኣ ትእዛዞም ኣመሓላለፉ። ኣሊሻ ብወገኖም ንብዓልቲ እንዳኦም፡ ካብቶም ንሶም ዝሸጡዎም ቆፎታት ንህቢ ዝራብሓ ዕስለ ንህቢ በይነን ክፈልይወንን ብዘይ ገለ ሸፈጥ ብልክዕ እቲ ጎረቤት ከም እተረከበ ከረጋግጻ ከም ዘለወን ጥራይ ኣረድኡወን። ብዛዕባ ውራይ ገዛ ኣመልኪቶም ግና ወላ'ኳ እተዛረቡዎ ነገር ኣይነበረን።

“ኣድላዪ ምስ ዝኸውን እንታይ ክትገብሩ ከም ዝግባኣኩም ትፈልጡ ኢኹም፣" ከኣ በሉ። "ዋናታት ባዕልኹም ኢኹም፡ ስለዚ እቲ ዝሓሸ እትብልዎ ምግባር ትፈልጡ ኢኹም።"

ስለዚ እቶም ዓበይቲ ሰብኡት ንጕዕዞ ተዳለዉ። ስድራ-ቤቶም ዶልሺ ሰንከቱሎም፡ ሳንጣታት'ውን ሰፈዩሎም፡ ከምኡውን ኣብ እግሮም ዝግበር ጨርቂ (ሓረስቶት ደቂ ሩስያ ኣብ ክንዲ ነዊሕ ካልሲ ዝገብሩዎ) ቆረጹሎም። ሓዲሽ ቡት ሳእኒ ወዲዮም፡ ቅያር ካብ ልሕጺ እተሰርሐ ሳእኒ ምስኦም ተማልኡ። ስድራ-ቤቶም ክሳብ ዶብ'ታ ቁሸት ኣፋኒዮሞም ተመልሱ፡ እቶም ዓበይቲ ሰብኡት'ውን ክነግዱ ተበገሱ።

ኣሊሻ ብሕጉስ መንፈስ ካብ ገዛኦም ተበገሱ፡ ካብታ ቁሸት ምስ ተፈለዩ ከኣ፡ ብዛዕባ ውራይ ገዛ ዝኾነ ነገር ኣይሓሰቡን። እቲ ቀንዲ ዘገድሶም፥ ብኸመይ ንብጻዮም ባህ ከም ዘብልዎም፡ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሰባት ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ዘረባ ካብ ኣፎም ከይወጽእ፡ ብኸመይ ኣብቲ ዝሓሰቡዎ ቦታ ከም ዝበጽሑ፡ ከምኡውን ብኸመይ ንገዛኦም ብሰላምን ብፍቕርን ከም ዝምለሱ ነበረ። ኣሊሻ ኣብ መገዲ ኣብ ዝስጉሙሉ፡ ብሕሹኽታ ጸሎት ይገብሩን ነቲ በ'እምሮኦም ክዝክርዎ ዝኽእሉ ህይወት ቅዱሳት የስተንትኑን ነበሩ። ኣብ መገዲ ሰብ ምስ ዘጓንፎም፡ ወይ ምሸት ኣብ ዘዕርፉሉ ቦታታት፡ ብዝከኣሎም ህድእ ኢሎም ጥዑም ቃላት ይዛረቡ ነበሩ። ስለዚ ደስ ኢሉዎም ይጓዓዙ ነበሩ። ሓደ ፈጺሞም ክሓድጉዎ ዘይኸኣሉ ነገር እንተሎ፡ ስንቀን ምሽታት ነበረ። ሽሕ'ኳ ነቲ መትሓዚ ስንቀን ድሕሪት እንተ ገደፉዎ፡ ብብርቱዕ ወልፊ ተታሒዞም ክረኽቡዎ ሃረር ይብሉ ነበሩ። ካብኡ ኣብ መገዲ ዝረኸቡዎ ሓደ ሰብኣይ ስንቀን ሃቦም፡ ብድሕሪኡ ሓሓሊፎም ቁሩብ ዝሕጥ ብምባል (ምእንቲ ነቶም ብጻዮም ኣብ ፈተና ከየእትውዎም)፡ በ'ጻብዕቶም ረምጢጦም ስንቀን ይሽትቱ ነበሩ።

ዪፊም'ውን ሕማቕ ከይገበሩን ከይተዛረቡን፡ ጽቡቕን ኣትሪሮምን ይስጕሙ ነበሩ፡ ግና ልቦም ብዙሕ ኣይፈዀሶምን ነበረ። እቲ ውራይ ገዛ ኣብ ኣእምሮኦም ከቢዱዎም ነበረ። ኣብ ገዛ እንታይ ኣጓኒፉ ይኸውን ብምባል፡ ቀጻሊ ይጭነቑ ነበሩ። ነዚ'ዶ ነቲ ትእዛዝ ንወዶም ኣይሃብዎን ከይዀኑ፧ ወዶም ነቲ ዕዮ ብግቡእ ይፍጽሞ'ዶ ይኸውን፧ ኣብ ጕዕዞኦም ድንሽ ክዝራእ፡ ወይ ድኹዒ ብካሮሳ ክጓረት ምስ ዝርእዩ፡ ወዶም ከምቲ ዝተነግሮ ጌሩ'ዶ ይኸውን፡ ብምባል ይሓስቡ ነበሩ። ድሕሪ ተመሊሶም ነቲ ዕዮ ብኸመይ ክፍጽሞ ከም ዝግባእ ከርእይዎ፡ ወይ'ውን ባዕሎም ክገብርዎ፡ ዳርጋ ደሊዮም ከኣ ነበሩ።

እቶም ዓበይቲ ሰብኡት ሓሙሽተ ሰሙን ተጓዕዙ፡ እቲ ኣብ ገዛ ካብ ልሕጺ እተሰርሐ ሳእኖም ስለ ዝወድኡ፡ ኣብ ንእሽቶይ ሩስያ (ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሃገረ ሩስያ እትርከብ ኰይና፡ ምምሕዳራት ኬይፍ፡ ፖልታቫ፡ ቼሪንጎፍን ኼርሶንን እተጠቓልል'ያ) እተባህለት ቦታ ምስ በጽሑ፡ ሓደሽቲ ኣሳኣን ዓደጉ። ካብ ገዛ ካብ ዝወጹ ንምግቢን ንለይቲ መደቀሲን ገንዘብ ክኸፍሉ ግድን ነበረ፡ ኣብ ንእሽቶ ሩስያ ምስ በጽሑ ግና፡ እቶም ህዝቢ በብወገኖም ኣብዛ ኣጕዶና ኢኹም ትድቅሱ ብምባል ግዲ በሉዎም። ኣብ ገዛ ወሲዶም ከኣ፡ ብዘይ ገለ ክፍሊት ምግቢ ሃብዎም፡ ሕሉፍ ሓሊፎም'ውን፡ ባኒ፡ ወይ ዶልሺ ከይተረፈ፡ ኣብ መገዲ ምግቢ ክኾኖም ብምባል፡ ኣብ ሳንጣታቶም ኣንበሩሎም።

እቶም ዓበይቲ ሰብኡት ብኸምዚ ብዘይ ገለ ወጻኢ ኣስታት ሓሙሽተ ሚእቲ ማይል ተጓዕዙ፡ ግና ኣብቲ ቀጺሉ ዝርከብ ኣውራጃ ምስ ሰገሩ፡ ብድርቂ ኣብ ዝተጠቕዐ ዞባ በጽሑ። እቶም ሓረስቶስ ወላ'ኳ ብናጻ መደቀሲ እንተ ሃቡዎም፡ ግና ብዘይ ክፍሊት ምግቢ ክህብዎም ኣይኸኣሉን። ሓደሓደ ግዜ ወላ'ውን ክዕድጉ እንተ ሓተቱ፡ ግና ዝሽየጥ ባኒ ክረኽቡ ኣይኽእሉን ነበሩ። እቶም ሓረስቶት ዝሓለፈ ዓመት ኵሉ'ቲ እኽሊ ከም እተበላሸወ ገለጹ። እቶም ብዓል ጸጋታት ዝነበሩ ምሉእ ብምሉእ ስለ ዝኸሰሩ፡ ኵሉ ዘለዎም ንብረት ክሸጡ ተገዲዶም ነበሩ። እቶም ማእከላይ እቶት ዝነበሮም ክነድዩ 'ከለዉ፡ እቶም ድኻታት ከኣ ገለ ስለ ዘይተረፎም እንተስ ይልምኑ፡ ወይ ኣብ ገዛ ብኽቱር ጥሜት ይሳቐዩ ነበሩ። ኣብ ክራማት ቅቃሕ እኽሊን እግሪ ዓዓን (ዑፍ) ክበልዑ ተገዲዶም ነበሩ።

ሓደ ምሽት እቶም ዓበይቲ ሰብኡት ኣብ ሓንቲ ንእሽቶ ቍሸት ደው በሉ፡ ዓሰርተ ሓሙሽተ ፓውንድ ባኒ ገዚኦም ኣብኡ ደቀሱ፡ ኣብ መገዲ ሙቐት ከይበርተዐ 'ከሎ ከኣ፡ ጸሓይ ከይበረቐት ጕዕዞ ጀመሩ። ኣስታት ሸሙንተ ማይልስ ኣቢሉ ምስ ተጓዓዙ፡ ወሓዚ ማይ ረኺቦም ኣብኡ ኰፍ በሉ፡ ማይ ኣብ ጭሖሎብምምላእ ከኣ፡ ኣብኡ ገለ ባኒ ኣሊኾም በልዑ። ካብኡ ነቲ ኣብ እግሮም ዝጠቕለሉዎ ጨርቂ ብምቕያር፡ ሒደት እዋን ኣዕረፉ። ኣሊሻ ነቲ መትሓዚ ስንቀን ኣውጽኡ። ዪፊም ብተቓውሞ ርእሶም ነቕነቑሎም።

“ብኸመይ ኢኻ ነቲ ሕማቕ ወልፊ ዘይትሓድጎ፣" ከኣ በሉ።

ኣሊሻ ብምስምማዕ ኢዶም ወዝወዙ። "እቲ ክፉእ ወልፊ ካባይ ይሕይል'ዩ፣" በሉ።

ድሮ ተንሲኦም ጕዕዞ ጀሚሮም ነበሩ። እንደገና ኣስታት ሸሞንተ ማይል ኣቢሉ ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ቁሸት በጽሑ፡ ብማእከላ ሓሊፎማ ከኣ ከዱ። እቲ ሙቐት ወሲኹ ነበረ። ኣሊሻ ስለ ዝደኸሙ ከዕርፉን ማይ ክሰትዩን ደለዩ፡ ዪፊም ግና ደው ኣይበሉን። ዪፊም ካብ ክልቴኣቶም ዝያዳ ይስጉሙ ስለ ዝነበሩ፡ ኣሊሻ ማዕረ ማዕሬኦም ክስጉሙ ኣይኸኣሉን።

“ማይ ዝስተ ጥራይ እንተ ዝረክብ፣" ከኣ በሉ።

“ደሓን፡ ማይ ደኣ ስተ።" በሉ ዪፊም። "ኣነ ግና ኣይደልን'የ።"

ኣሊሻ ደው በሉ።

“ንስኻ ቀጽል ጥራይ፣" ከኣ በሉ፡ "ኣነ ግና ኣብታ ንእሽቶ ኣጕዶ ገጸይ ክጎይይ'የ። ከይደንጎኹ ከኣ ከርክበካ'የ።

“ግርም፣" በሉ ዪፊም፡ ኣሊሻ ገጾም ኣብታ ኣጕዶ ኣብ ዝመለሱሉ፡ ንሶም በይኖም በቲ ዓቢይ ጎደና ጕዕዞኦም ቀጸሉ።

እታ ኣጕዶ መሬት-ጥዑም እተለበጠት ነበረት፡ ታሕታዋይ ሕብራ ጸሊም ኰይኑ፡ እቲ ላዕላ ኖራ ተለኺዩ ነበረ፡ እቲ መሬት-ጥዑም ግና ፈራሪሱ ነበረ። ዳግም ካብ እትልበጥ ነዊሕ ከም ዝገበረት ብንጹር ይርአ ነበረ፡ እቲ ሳዕሪ መኽደኒ'ውን ብሓደ ወገን ተላዒሉ ነበረ። እቲ መእተዊ እታ ኣጕዶ ብወገን'ቲ ቀጽሪ ነበረ። ኣሊሻ ኣብቲ ቀጽሪ ኣተዉ፡ ኣብቲ ዙሪያ'ታ ኣጕዶ ከኣ፡ ሓደ ከም ባህሊ ንእሽቶ ሩስያ ካምችኡ ኣብ ትሕቲ ስርኡ ዝተሸጎጠ (ኣብ ዓባይ ሩስያ ሓረስቶት ካምችኦም ኣብ ልዕሊ ስረኦም ጠልጠል ይብል)፡ ሓደ ዕባራ ጭሕሚ ዘይብሉ ሰብኣይ፡ ኣብ ደንደስ'ቲ መሬታ ደቂሱ ርኣዩ። እቲ ሰብኣይ ኣብ ትሕቲ ጽላል'ውን ይደቅስ፡ ሕጂ ግና እታ ጸሓይ ተጠዊያ መጺኣ፡ ምሉእ ብምሉእ ሰብነቱ ኣርኪባቶ ነበረት። ድቃስ'ኳ እንተ ዘይወሰዶ፡ ኣብኡ 'ከሎ ግና፡ ጎቦ ኰይኑ ነበረ። ኣሊሻ ጸዊዖም ማይ ዝስተ ሓተቱዎ፡ እቲ ሰብኣይ ግና መልሲ ዝበሃል ኣይሃበን።

“እንተስ ሓሚሙ'ሎ፡ ወይ ጋሻ ኣይፈቱን'ዩ፣" ብምባል ኣሊሻ ሓሰቡ፡ ኣብቲ ማዕጾ ምስ ቀረቡ ከኣ፡ ካብ ውሽጢ'ታ ኣጕዶ ቆልዓ ክበኪ ሰምዑ። ነቲ ከም ለዓት ዘገልግል ቀሌበት ብኢዶም ሒዞም፡ ብዕኡ ኳሕኵሑ።

“ኣቱም ሰብ ገዛ!” ብምባል ጸውዑ። መልሲ የልቦን። በቲ በትሮም መሊሶም ኳሕኵሑ።

“ኣቱም ህዝበ ክርስትያን!” ወላ-ወላ ምንቅስቓስ የልቦን።

“ኣቱም ባሮት ኣምላኽ!” ሕጂ'ውን መልሲ የልቦን።

ኣሊሻ ተስፋ ቆሪጾም ክምለሱ ምስ በሉ፡ ድሕር'ቲ ማዕጾ ብቓንዛ ዝእነን ድምጺ ዝሰምዑ መሰሎም።

“ወይ ኣነ፡ ኣብ ልዕሊ'ዞም ሰባት ገለ ሕማቕ ነገር ወሪዱ ኣሎ ማለት'ዩ፧ እንታይ ምዃኑ ከረጋግጽ ኣሎኒ።"

ካብኡ ኣሊሻ ኣብታ ኣጕዶ ኣተዉ።

ኣሊሻ ነቲ ቀለቤት ምስ ጠወዩዎ፡ እቲ ማዕጾ ኣይተሸገጠን ነበረ። ከፊቶም ከኣ ብማእከል'ቲ ጸባብ ኮረድዮ ክስጉሙ ጀመሩ። ማዕጾ'ቲ መንበሪ ክፍሊ ክፉት ነበረ። ብጸጋም ብሕጡብ እተሰርሐ እቶን ነበረ፡ ኣብ ቅድሚት ኣብቲ መንደቕ ምስሊ ቅዱሳን ደው ኢሉ ነበረ፡ ሓደ ጣውላ'ውን ኣብ ቅድሚኡ ነበረ፡ ጥቓ'ቲ ጣውላ ኣብ ዝነበረ ነዊሕ ኮፍ መበሊ፡ ሓንቲ ጸጉሪ ርእሰን ዘይተሸፈናን ነጸላ ክዳን ጥራይ እተኸድናን፡ ዓባይ ሰበይቲ ኮፍ ኢለን ነበራ። ገጸን ኣብቲ ጣውላ ኣተርኢሰን ኮፍ ኢለን ነበራ፡ ኣብ ጥቐአን ከኣ ሓደ ዕባራ፡ ሕብሪ ገጹ ቁጡዕ፡ ከብዱ ካብ ንቡር ወጻኢ እተቀብቀበ ቆልዓ ነበረ። እጅገአን እናሰሓበን ኣምሪሩ እናበኸየን፡ ገለ ነገር ይሓተን ነበረ። ኣሊሻ ኣተዉ። ኣብታ ኣጕዶ ዝነበረ ኣየር ሕማቕ ጨና ኔሩዎ። ዙርያኦም ምስ ጠመቱ፡ ድሕር'ቲ እቶን ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ምድሪ ደቂሳ ርኣዩ፥ ንሳ፡ ኣዒንታ ተዓሚቱን ጎሮሮኣ ዓገግ እናበለን፡ ኣብ ምድሪ ተሰጢሓ ደቂሳ ነበረት፡ ሓንሳዕ'ውን እግራ እናዘርገሐት፡ ሓንሳዕ ከኣ ንውሽጢ እናጎተተት፡ ኣብዝን ኣብትን ትንነው ነበረት። እቲ ሕማቕ ጨና ካብኣ ይመጽእ ነበረ። ንሳ ንገዛእ ርእሳ ገለ ነገር ክትገብር ከም ዘይትኽእልን ክሕግዛ ዝኽእል ሰብ ከም ዘይነበረን ንጹር ነበረ። እተን ዓባይ ሰበይቲ ርእሰን ቅንዕ ኣበላ፡ ነቶም ጋሻ ከኣ ርኣያኦም።

“እንታይ ደሊኹም፧" ከኣ በላ። "ኣቱም ሰብኣይ፡ እንታይ ደሊኹም፧ ምንም ነገር የብልናን።"

ሽሕ'ኳ በ'ዘራርባ ንእሽቶ ሩሲያ እንተ ተዛረባ፡ ኣሊሻ ተረድኡወን።

“ኣትን ባርያ ኣምላኽ፡ ኣብዚ ዝመጻኹ ማይ ክሰቲ'ዩ፣" በሉ።

“ኣብዚ ወላ ሓደ ሰብ የሎን – ሰብ የሎን – ማይ እንግለሉ'ውን የብልና። መገድኹም ደኣ ቀጽሉ።"

ካብኡ ኣሊሻ ከምዚ ብምባል ሓተቱ፥

“ካብ መንጎኹም ነታ ሰበይቲ ክኣልያ ዝኽእል፡ ደሓን ዝዀነ ሰብ የሎን ማለት ዲዩ፧"

“ኣይፋል፡ ወላ ሓደ ሰብ የብልናን። ወደይ ኣብ ግዳም ይመውት ኣሎ፡ ንሕና ከኣ ኣብዚ ንመውት ኣሎና።"

እቲ ህጻን ቆልዓ ነቶም ጋሻ ምስ ርኣየ ብኽያት ኣቋረጸ፡ ግና እተን ዓባይ ሰበይቲ ዘረባ ምስ ጀመራ፡ እጅገአን ሒዙ እንደገና ከምዚ ብምባል ክበኪ ጀመረ፥

“ባኒ፡ ዓባየይ፡ ባኒ።"

ኣሊሻ ነተን ዓባይ ሰበይቲ ክሓቱአን ምስ በሉ፡ እቲ ሰብኣይ ሰንከልከል እናበለ ኣብታ ኣጕዶ ኣተወ። ብማእከል'ቲ ኮረዲዮ ኣቢሉ'ዩ፡ ነቲ መንደቕ እናተደገፈ ዝኣተወ፡ ግና ኣብቲ መንበሪ ክፍሊ እትው ምስ በለ፡ ኣብቲ ጥቓ'ቲ ልዳት ዘሎ ኵርናዕ ወደቐ፡ ኣብቲ ነዊሕ ኮፍ መበሊ ክትንስእ'ውን ከይፈተነ፡ ብዝተሰባበረ ቃላት ክዛረብ ጀመረ። ሓንቲ ቃል ምስ ኣውጽአ፡ እንደገና ከስተንፍስ ኪርኺር እናበለ፡ ብጻዕሪ ዘረባኡ ይቕጽል ነበረ።

“ሕማም ኣጥቒዑና …፣" በለ፡ "ከምኡውን ጥሜት። ንሱ ብጥሜት … ክመውት'ዩ።”

ኣብቲ ቆልዓ ገጹ ኣመልኪቱ ከኣ፡ ፊቕ ፊቕ እናበለ ክበኪ ጀመረ።

ኣሊሻ ነቲ ተሰኪሞሞ ዝነበሩ ሳንጣ ነው ኣቢሎም ካብ ዝባኖም ኣውረድዎ፡ ነቲ መንጠልጠሊ ካብ ምናቶም ኣውጺኦም ከኣ፡ ኣብ ምድሪ ኣንበሩዎ። ካብኡ ኣብቲ ነዊሕ ኮፍ መበሊ ኣቐሚጦም፡ ነቲ ገመድ ፈትሕዎ። ነቲ ሳንጣ ምስ ከፈቱዎ፡ ካብኡ ባኒ ኣውጺኦም፡ ብካራ ንእሽቶ ቆሪሶም ነቲ ሰብኣይ ሃቡዎ። እቲ ሰብኣይ ግና ኣይተቐበሎምን፡ እኳ ደኣ ኣብቲ ንእሽቶ ወዲን ኣብ ድሕሪ'ቲ እቶን ተዀርሚያ ዝነበረት ንእሽቶ ጓልን ኣመልከተ፡ ከምዚ ዝብል'ውን ይመስል ነበረ፥

“ንዓታቶም ሃቡዎም።"

ኣሊሻ ነቲ ቆልዓ ሃቡዎ። እቲ ቆልዓ ባኒ ምስ ሸተቶ፡ ምናት ኣእዳዉ ዘርጊሑ፡ ነቲ ግደኡ በተን ክልተ ናእሽቱ ኣእዳው ዓትዒቱ ብምሓዝ፡ ክሳዕ ኣፍንጭኡ በቲ ጉማድ ዝኽወልን ቆርጠሞ። እታ ንእሽቶ ጓል ካብ ድሕር'ቲ እቶን ብምምጻእ፡ ነተን ኣዒንታ ኣብቲ ባኒ ቀው ኣበለተን። ኣሊሻ ንዓኣውን እጃማ ሃቡዋ። ካብኡ ካልእ ንእሽቶ ቆሪሶም፡ ነተን ዓባይ ሰበይቲ ሃቡአን፡ ንሰን'ውን ክምንጭትኦ ጀመራ።

“ገለ ማይ ጥራይ እንተ ዝመጽእ፣" ከኣ በላ፡ "ናታቶም ኣፍ ነቒጹ'ዩ። ትማሊ ገለ ማይ ክጓርት ፈቲነ – ወረግ ሎሚ'ዩ መስለኒ – ክዝክር ኣይክእልን'የ፡ ግና ስለ ዝወደቕኩ ክሰልጠኒ ኣይኸኣለን፡ እቲ መገለል'ውን ካልእ ሰብ እንተ ዘይወሲዱዎ ኣብኡ'ሎ።"

“ኣሊሻ እቲ ማይ ዒላ ኣበይ ቦታ ከም ዝርከብ ሓተቱ። እተን ዓባይ ሰበይቲ ነገራኦም። ኣሊሻ ኣብኡ ብምኻድ ነቲ መገለል ረኸቡዎ፡ ማይ ኣምጺኦም ከኣ ነቶም ሰባት ክሰትዩ ሃቡዎም። እቶም ቆልዑን እተን ዓባይ ሰበይቲን፡ ባኒ ወሲኾም ብማይ ቋሲዮም በልዑ፡ እቲ ሰብኣይ ግና ኣየበልዐን።

“ኣነ ኣይበልዕን'የ፣" በለ።

እዚ ኵሉ ግዜ እታ ጎርዞ ሰበይቲ ኣይተበራበረትን ነበረት፡ ግና ኔውነጀው እናበለት ትገማጠል ነበረት። ኣብቲ እዋን ኣሊሻ ኣብታ ቁሸት ኣብ ዝርከብ ድኳን ብምኻድ፥ ብልቱግ፡ ጨው፡ ሓሩጭን ዘይትን ዓደጉ። ፋስ ምስ ረኸቡ ዕንጨይቲ ፈሊጾም ሓዊ ኣጎዱ። እታ ንእሽቶ ጓል መጺኣ'ውን ሓገዘቶም። ካብኡ ጸብሒ ሰኽቲቶም ብምድላው፡ ነቶም ጠሚዮም ዝነበሩ ሰባት ምግቢ ሃቡዎም።

እቲ ሰብኣይ ቁሩብ በልዐ፡ እተን ዓባይ ሰበይቲ'ውን በልዓ፡ እታ ንእሽቶ ጓልን እቲ ንእሽቶ ወዲን ነቲ ሸሓኒ ልሒሶም ኣጽረዩዎ፡ ካብኡ ተሓቛቚፎም ተዓኹሊሎም ህልም ዝበለ ድቃስ ወሰዶም።

ካብኡ እቲ ሰብኣይን እተን ዓባይ ሰበይቲን፡ ብኸመይ ኣብ ከምዚ ዝበለ ኩነት ከም ዝወደቑ፡ ንኣሊሻ ክሕብሩዎም ጀመሩ።

“ካብ ቀድምና'ውን ድኻታት ኢና፧" ከኣ በሉ፡ "ግና እቲ እኽሊ ምስ ተበላሸወ፡ እቲ ዝኣከብናዮ እዋን ጽድያ'ውን ከስግረና ኣይኸኣለን። ክረምቲ ምስ ኣርከበ ወላ ሓንቲ ኣብ ኢድና ኣይተረፈን፡ ስለዚ ካብ ጎረባብትናን ካልኦት ክረድኡና ዝኽእሉን ክንልምን ተገደድና። ፈለማ ይህቡና ኔሮም፡ ካብኡ ግና ክኣብዩና ጀመሩ። ገሌኦም ክሕግዙና ደስ ምበሎም፡ ግና ወላ ሓደ ዝወሃብ ኣይነበሮምን። ንሕና'ውን ምልማን ኣሕፈረና፥ ኵሉ ኣብ ከባቢና ዘሎ፡ ገንዘብ፡ ሓሩጭን ባኒን ይእውደና'ዩ።"

“ኣነ ስራሕ ክረክብ ኣናዲየ፣" በለ እቲ ሰብኣይ፡ "ግና ክረክብ ኣይኸኣልኩን። ኣብ ዝኸድካዮ ሰባት ነዛ መዓልታዊ ቀለቦም ጥራይ ኢሎም ስራሕ ክቑጸሩ ይሓቱ ነበሩ። ሓደ መዓልቲ ሒደት ሰዓት ስራሕ እንተ ረኸብካ፡ ካብኡ ክልተ መዓልቲ ስራሕ ክተናዲ ክተሕልፎ ትኽእል ኢኻ። ካብኡ እዘን ዓባይ ሰበይቲን እዛ ጓልን ኣርሒቖም ክልምኑ ከዱ። ይኹን'ምበር ሕጽረት ባኒ ስለ ዝነበረ፡ ኣዝዩ ሒደት ረኸቡ። ከም ገለ ጌርና ምግቢ ንዓኻኽብ ኔርና፡ ክሳዕ ቀውዒ'ውን፡ እናተቓለስና ክንጽበ ተስፋ ጌርና ነበርና፡ ግና ጽድያ ምስ ቀረበ፡ ሰባት ዝዀነ ነገር ምሃብ ኣቛረጹ። ካብኡ ከኣ እዚ ሕማም ኣጥቕዓና። ኩነታት መመሊሱ እናኸፍአ ከደ። ሓደ ምሸት ገለ ዝብላዕ ንረክብ ንኸውን፡ ካብኡ ክልተ መዓልቲ ምግቢ ዝበሃል የልቦን። ሳዕሪ ክንበልዕ'ውን ጀመርና። እቲ ሳዕሪ ዲዩ ካልእ፡ ኣይፈልጥን፡ ንብዓልቲ እንዳይ ኣሕመማ። ብእግራ ደው ክትብል ኣይኸኣለትን፡ ኣነ'ውን ሓይሊ ዝበሃል ኣይተረፈንን፡ ዝዀነ ዳግም ክንትስእ ዝሕግዘና ሰብ ከኣ ኣይነበረን።"

“ቅሩብ ግዜ በየነይ ተቓሊሰ፣" በላ እተን ዓባይ ሰበይቲ፡ "ግና ኣነውን ምግቢ ምድላይ ኣቛረጽኩ፡ ኣዝየ እናደኸምኩ'ውን ከድኩ። እታ ጓል'ውን እናደኸመትን እናፈርሀት ከይዳ። ኣብ ጎረባብቲ ክትከይድ እንተ ሓበርኩዋ – ንሳ ግና ኣብ ክንዲ ካብታ ኣጕዶ ትወጽእ፡ ኣብ ሓደ ኩርናዕ ተጨቢጣ፡ ኣብቲ'ውን ኮፍ ትብል ነበረት። ቅድሚ ትማሊ ሓንቲ ጎረቤት ተቐልቂላ ርእያትና ኔራ፡ ግና ሓሚምናን ጠሚናን ምስ ርኣየትና፡ ድሕሪት ገጻ ተመሊሳ ብኡ ኣቢላ ገዲፋትና ከደት። ብዓል እንዳኣ ክኸይድ ስለ ዝነበሮ፡ ንሳ'ውን ንናእሽቱ ደቃን እተብልዖም ኣይነበራን። ስለዚ ደቂስና ንሞት ክንጽበ ጀመርና።"

ነዚ ታሪኾም ምስ ሰምዑ፡ ኣሊሻ ነቲ ኣብታ መዓልቲ ንብጻዮም ከርኽቡዎም ዝሓሰቡዎ መደብ ገደፉዎ፡ ምስኦም ከኣ ምሉእ ለይቲ ሓደሩ። ንግሆ ልክዕ ከምዛ ገዛእ ገዝኦም፡ ተንሲኦም ውራይ ገዛ ክገብሩ ጀመሩ። ብደገፍ እተን ዓባይ ሰበይቲ ባኒ ኣብዒጦም፡ ሓዊ ከኣ ኣጎዱ። ካብኡ ኣብታ ኣጕዶ ገለ ነገር ስለ ዘይነበረ፡ ነቶም ኣዝዮም ዘገድሱ ነገራት ከምጽኡ ክብሉ፡ ምስታ ንእሽቶ ጓል ኣብ ጎረባብቲ ከዱ። ኵሉ ዝነበሮም ከም ድስቲ ኮስኮስቲ፡ ክዳንን ካልእን ባኒ ክዕድጉ ክብሉ ሸይጦሞ ነበሩ። ስለዚ ኣሊሻ ዘድሊ ነገራት ብምትካእ፡ ገለ'ውን ባዕሎም ብምስራሕ፡ ካልእ ከኣ ዓደጉ። ኣብኡ ሓደ መዓልቲ፡ ካብኡ ካልኣይ፡ ካብኡ ሳልሳይ መዓልቲ ጸንሑ። እቲ ንእሽቶ ቆልዓ ሓይሊ ስለ ዝደለበ፡ ኣሊሻ ኮፍ ኣብ ዝብሉሉ፡ በቲ ነዊሕ ኮፍ መበሊ እናተንፈሓኸ ኣብኦም ይጥምጥም ነበረ። እታ ንእሽቶ ጓል ተበሪሁዋ ኣብ ኵሉ ዕዮ ትተሓጋገዝ ነበረት፡ ደድሕሪ ኣሊሻ እናጎየየት ከምዚ ብምባል'ውን ትጽውዖም ነበረት፥

“ኣቦ፡ ኣቦ።"

እተን ዓባይ ሰበይቲ ሓይለን ስለ ዝወሰኸ፡ ነቶም ጎረባብቲ ወጺአን ክርእያ ክኢለን ነበራ። እቲ ሰብኣይ'ውን ስለ ዝተመሓየሸ፡ ነቲ መንደቕ ተደጊፉ ክወጽእ ክኢሉ ነበረ። እታ ሰበይቲ ጥራይ ክትንስእ ኣይኸኣለተን፡ ግና ንሳ'ውን ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ቀልባ ፈሊጣ፡ ምግቢ ክህቡዋ ከኣ ሓቲታ ነበረት።

“ደሓን፣" ብምባል ኣሊሻ ሓሰቡ፡ "እዚ ኵሉ ግዜ ኣብ መገዲ አጥፍእ ኢለ ኣይሓሰብኩን ኔረ። ሕጂ ግድን ክብገስ ኣሎኒ።"

እታ ራብዐይቲ መዓልቲ ድሕሪ ጾም ሓጋይ እትበዓል ባዓል ነበረት፡ ኣሊሻ ከኣ ከምዚ ብምባል ሓሰቡ፥

“ኣብዚ ምስዞም ሰባት ጾም ክፈትሕ'የ። ከይደ ገለ ነገር ክገዝእ፡ ምስኦም'ውን ከብዕሎ ኣሎኒ፡ ጽባሕ ምሽተ ከኣ እብገስ።

ስለዚ ኣሊሻ ኣብቲ ቁሸት ብምኻድ፥ ጸባ፡ ሓሩጭ ስርናይን ምካኽ ስብሒን ዓደጉ፡ እተን ሰበይቲ ንመፈሰጊ ጾም ኣፍሊሐን ክስንክታኦ ከኣ ሓገዙወን። ኣሊሻ ኣብ መዓልቲ ባዓል ንቤተ-ክርስትያን ከዱ፡ ካብኡ ምስቶም ኣዕሩኽቶም ነቲ ጾም ኣብታ ኣጕዶ ፈትሑ። ኣብታ መዓልቲ እታ ሰበይቲ ተንሲኣ፡ ቁሩብ ክትንቀሳቐስ ከኣለት። እቲ ሰብኣይ ጭሕሙ ተላጺዩ፡ እተን ዓባይ ሰበይቲ ዝሓጸባሉ ጽሩይ ካምቻ ተኸድነ። ካብኡ ነቲ ሕርሻ መሬቱን ሸኻኡን ብትሕጃ ዝሓዘ፡ ኣብታ ቁሸት ዝነብር ሃብታም ሓረስታይ ምሕረት ክልምን ከደ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ነቲ ሸኻን ሕርሻ መሬትን ክሳዕ እዋን ቀውዒ ክጥቐመሉ ከፍቕደሉ ኢሉ'ዩ ዝኸደ፡ ግና ኣጋ ምሸት ብጓሂ ተዋሒጡ ተመልሰ፡ ክበኪ ከኣ ጀመረ። እቲ ሃብታም ሓረስታይ ኣብ ክንዲ ምሕረት ዝገብረሉ፡ "ገንዘበይ ምለሰለይ።" በሎ።

ኣሊሻ መሊሶም ኣብ ከቢድ ሓሳብ ኣተዉ። "ሕጂስ ብኸመይ ክናበሩ'ዮም፧" ብምባል ምስ ገዛእ ርእሶም ሓሰቡ። "ካልኦት ሰባት ድርቋ ከዳልዉ'ዮም፡ ግና እዚኦም ዝዕጸድ መሬት የብሎምን፡ ሻኻኦም ብትሕጃ ተታሒዙ'ዩ። እቲ እኽሊ ኣጃ ክሽውት'ዩ። ካልኦት ምሕርቲ ክሓፍሱ'ዮም (ኣብዛ ዓመት እቲ መሬት ኣዝዩ ጽቡቕ እኽሊ'ዩ ሂቡ)፡ እዚኣቶም ግና ትጽቢት ዝገብሩሉ ዝዀነ ይኹን ነገር የልቦን። እተን ሰለስተ ኣክረ መሬቶም በቲ ሃብታም ሓረስታይ ተታሒዘን'የን። ኣነ ካብዚ ምስ ከድኩ፡ ኣብቲ ዝጸኑሑኒ ኩነት ክምለሱ'ዮም።"

ኣሊሻ ኣብ መንጎ ክልተ ሓሳባት ተዋጠሩ፡ ግና ኣብ መወዳእታ ክሳዕ ጽባሕ ክጽበዩ'ምበር፡ ኣብታ ምሸት እቲኣ ከይብገሱ ወሰኑ። ኣብቲ መካበብያ ክድቅሱ ወጹ። ጸሎት ጌሮም ከኣ ጎቦ ዀኑ፡ ግና ክድቅሱ ኣይኸኣሉን። ብሓደ ሸነኽ ድሮ ብዙሕ ግዜን ገንዘብን ብምውፋዮም ክኸዱ ከም ዝግባእ ሓሰቡ፡ በቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ ነቶም ሰባት ደንገጹሎም።

“እዚ ጉዳይ መወዳእታ ዘለዎ ኣይመስልን'ዩ፣" በሉ። "ፈለማ ከም ሓሳበይ ሒደት ማይ ከምጽኣሎምን ቁራስ ባኒ ክህቦምን ነበረ፡ ሕጂ ግና ኣበይ ከም ዝመርሓኒ ዘስተንክር'ዩ። እቲ ጉዳይ ነቲ ሻኻን እቲ ሕርሻ መሬትን ክበጀው'ዩ። ንዕኡ ምስ ገበርኩ፡ ላምን እቲ ሰብኣይ እንዳእቲ ዘመላልሰሉ ካሮሳን ክገዝኣሎም ኣሎኒ። ኣታ ሓው ኣሊሻ፡ በል'ስኪ! ኣብ ከመይ ዝበለ ጥምጥም ኢኻ ኣቲኻ፧ ሓንሳዕ ካብ መገድኻ ምስ ተኣለኻ ኣንፈትካ ስሒትካ!”

ኣሊሻ ተንሲኦም ነቲ ከም መተርዓስ ዝጥቐመሉ ዝነበሩ ካቦቶም ኣልዒሎም ኣጸፉዎ፡ ሓሳባተይ'ኮንዶ የነጽረለይ ብምባል፡ ነቲ መትሓዝ ስንቀን ኣውጺኦም በጻብዕቶም ረምጢጦም ሸተቱ።

እንተኾነ ግን ኣብ ክንዲ ሓሳባቶም ዝጥርነፍ፡ በንጻሩ ብዘይ ምቑራጽ ሓሰቡ፡ ኣብ መደምደምታ'ውን ክበጽሑ ኣይኸኣሉን። ንሶም ክብገሱ ኔሩዎም፡ ግና ሓልዮት ኣትረፎም። እንታይ ክገብሩ ከም ዝግባእ ኣይፈለጡን። ነቲ ካቦቶም ዳግም ዘርጊሖም ተተርኣሱዎ። እቶም ኣርሓ ደራሁ ሓንሳዕ ክሳዕ ዝንቅው'ውን፡ ከይደቀሱ ኣብኡ ጎቦ ጥራይ ኰኑ፡ ካብኡ ትኽስ በሉ። ሃንደበት ገለ ሰብ ካብ ዓሚቕ ድቃስ ዘተንስኦም ኰይኑ ተሰምዖም። ንሶም ሳንጣ ኣብ ዝባኖም ተሰኪሞም፡ በትሪ ኣብ ኢዶም ሒዞም፡ ንጕዕዞ ዘድሊ ክዳን ተኸዲኖም ነበሩ። ኣብ ፍንትት ዝበለ ማዕጾ ከኣ ክኣቱ ይጋደሉ ነበሩ። ክሓልፉ ምስ በሉ ሳንጣኦም ብሓደ ወገን'ቲ ሓጹር ተታሕዘ፡ ነቲ ሳንጣ ከልቅቕዎ ኣብ ዝፍትኑሉ፡ እቲ ኣብ እግሮም እተጠምጠመ ጨርቒ በቲ ካልእ ጎድኒ ተታሒዙ ተፈትሐ። ነቲ ሳንጣ ኣብ ዝስሕቡሉ በቲ ሓጹር ዘይኮነ ተታሒዙ፡ እኳ ደኣ እታ ንእሽቶ ጓል ጨቢጣ ሒዛቶ ክትበኪ ርኣዩ።

“ባኒ፡ ኣቦ፡ ባኒ!”

ንሶም ኣብ እግሮም ምስ ጠመቱ፡ ሓደ ደቂቕ ቆልዓ ነቲ ጥምጣም ጨርቂ እግሮም ጨቢጡ ሒዙ፡ እቲ ዋና ገዛን እተን ዓባይ ሰበይቲን ብመስኮት ንዕኦም ክጥምትዎም ርኣዩ።

ኣሊሻ ተበራበሩ፡ ከምዚ ብምባል ከኣ ተዛረቡ፥

“ጽባሕ ነቲ ሕርሻ መሬቶም ክበጀዎ'የ፡ ሓደ ፈረስን ክሳዕ ቀውዒ ዝጸንሕ ሓሩጭን፡ ከምኡውን ነቶም ቆልዑ ሓንቲ ላም ክገዝኣሎም'የ፡ ኣይኰነን ስግር ባሕሪ ነቲ ጐይታ ክደሊ ኣብ ዝገሸሉ፡ ኣብ ገዛእ ርእሰይ ግና ክስእኖ እኽእል'የ።"

ካብኡ ኣሊሻ ድቃስ ወሰዶም፡ ክሳዕ ንግሆ'ውን ደቀሱ። ንግሆ ተንሲኦም ኣብቲ ሃብታም ሓረስታይ ብምኻድ፡ ነቲ ሕርሻ መሬትን እቲ ሻኻን ኣምለሱዎ። ዓቢ ማዕጺድ (ንሱ'ውን ሸይጦሞ ስለ ዝነበሩ) ዓዲጎም ምስኦም ተማልእዎ። ካብኡ ነቲ ሰብኣይ ምእንቲ ክዓጽድ ልኢኾም፡ ንሶም ኣብታ ቁሸት ገጾም ኣምርሑ። ኣብ ሹቕ ሓደ ፈረስ ምስ ካሮሳኡ ከም ዝሽየጥ ሰሚዖም ስለ ዝነበሩ፡ ምስቲ ዋና ተዋግዮም ከኣ ዓደጉዎም። ካብኡ ክሻ ሓሩጭ ዓዲጎም፡ ኣብቲ ካሮሳ ጸዓኑዎ፡ ብዛዕባ እታ ላም ክዘራርቡ ከኣ ብእግሮም ከዱ። ኣብ ጕዕዞኦም ክልተ ኣንስቲ እናውግኣ ክጓዓዛ 'ከለዋ ሓለፉወን። ወላ'ኳ በ'ዘራርባ ንእሽቶ ሩስያ ይዛረባ እንተ ነበራ፡ እንታይ የዕልላ ከም ዝነበራ ግና ተረዲኡዎም ነበረ።

“ፈለማ፡ ዝፈልጥዎም ኣይመስልን ነበረ፡ ተራ ሰብ መሲሎሞም ነበረ። ማይ ዝስተ ክሓቱ ምስ መጹ፡ ብኡ ኣቢሎም ኣብኡ ኣዕረፉ። እንታይ ነገራት ከም ዝዓደጉሎም'ሞ ሕሰብዮ! ሎሚ ንግሆ'ኳ ካብ ሹቕ ፈረስ ምስ ካሮሳኡ ገዚኦምሎም'ዶ ኣይበሉን! ኣብ ዓለምና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ብዙሓት ኣይኰኑን። ኬድና ክንርእዮም ይግባእ'ዩ።"

ኣሊሻ ንዕኦም የወድስዎም ምህላወን ተገንዘቡ፡ ነታ ላም ክዕድጉ'ውን ኣይከዱን፡ እኳ ደኣ ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ተመልሱ፡ ዋጋ'ቲ ፈረስ'ውን ከፈሉ፡ ምስ ጸመዱዎ ከኣ፡ እናዘወሩ ኣብታ ኣጕዶ ብምኻድ፡ ካብቲ ካሮሳ ወረዱ። እቶም ኣብታ ኣጕዶ ዝነበሩ ሰባት ነቲ ፈረስ ምስ ርኣዩዎ ተደነቑ። ንዓና'ዩ ዝኸውን ኢሎም'ኳ እንተ ሓሰቡ፡ ደፊሮም ክሓቱ ግና ኣይኸኣሉን። እቲ ሰብኣይ ነቲ ኣፍደገ ክኸፍተሎም ወጸ።

“ኣባሓጎ፡ ካበይ ረኺብኩሞ'ዚ ፈረስ፣" ብምባል ሓተተ።

“ስለምንታይ፡ ዓዲገዮ፡” በሉ ኣሊሻ። "ብሕሱር'ዩ ተሸይጡ። ኬድካ ሳዕሪ ዕጸድ'ሞ፡ ምእንቲ ለይቲ ክበልዖ፡ ኣብቲ መብልዒ ሓሰር ኣንብሮ። ነዚ ክሻ ከኣ ኣእትዎ።"

እቲ ሰብኣይ ነቲ መጽዓኛ'ቲ ፈረስ ኣራጊፉ፡ ነቲ ክሻ ኣብቲ ቤት-መኽዘን ተሸኪሙ ተማልኦ። ካብኡ ሳዕሪ ዓጺዱ ከኣ፡ ኣብቲ መብልዒ ሓሰር ኣንበሮ። ኵሎም ክድቅሱ ጎቦ ኰኑ። ኣሊሻ ወጺኦም ጥቓ'ቲ መገዲ ጎቦ ኰኑ። ኣብታ ለይቲ እቲኣ ሳንጣኦም ምስኦም ሒዞም'ዮም ዝወጹ። ኵላቶም ምስ ደቀሱ፡ ተንሲኦም ሳንጣኦም ጠርኒፎም ጠመሩዎ፡ ነቲ ነጸላ ጨርቂ ኣብ ኣእጋሮም ጠምጠምዎ፡ ሳእኖምን ካቦቶምን ገበሩ፡ ደድሕሪ ዪፊም ክስዕቡ ከኣ ተበገሱ።

ኣሊሻ ልዕሊ ሰለስተ ማይል ምስ ተጓዕዙ፡ እቲ መሬት ክበርህ ጀመረ። ኣብ ትሕቲ ገረብ ኮፍ ኢሎም ሳንጣኦም ከፈቱ፡ እቲ ዝነበሮም ገንዘብ ምስ ቆጸሩዎ፡ ዓሰርተው ሾብዓተ ሩብልን ዕስራ ኮፔክን ጥራይ ከም ዝተረፎም ኣረጋገጹ።

"ደሓን፣" ብምባል ሓሰቡ፡ "ነዚ ሒዝካ ነቲ ባሕሪ ክትሰግር ኣይከኣልን'ዩ። እናለመንኩ ካብ ምኻድ ዘይምኻድ'ኳ ይምረጽ። ዓርከይ ዪፊም ብዘይካይ ኣብ የሩሳሌም ክኣቱ'ዮ፡ ብስመይ ከኣ ኣብቲ ቅዱስ ስፍራ ሽምዓ ከንብር'ዩ። ኣነ ግና ብህይወት 'ከሎኹ፡ ነቲ መብጽዓይ ክፍጽም ዕድል ዝረክብ ኣይመስለንን። ስለ'ቲ ሓጥኣን ይቕረ ዝብል መሓሪ ጐይታ ዝፍጸም ብምዃኑ ከመስግን ኣሎኒ።"

ኣሊሻ ሳንጣኦም ጸግ ኣቢሎም ኣብ ዝባኖም ድሕሪ ምስቓል፡ ድሕሪት ገጾም ተመልሱ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ከየለልዮም ብምባል፡ ነታ ቁሸት ኣኳሊሎም ብቕልጡፍ ኣብ ዓዶም ገጾም ሰጎሙ። ካብ ገዛ ኣብ እተበገስሉ እቲ ጕዕዞ ኣሸጊሩዎምን ማዕረ ዪፊም ምስጓም ስኢኖምን ነበሩ፡ ሕጂ ካብ መገሻ ኣብ ዝምለሱሉ እዋን ግና፡ ኣምላኽ ደጊፉዎም ድኻም ዝበሃል ከይተሰምዖም ጥርጥር እናበሉ ይስጉሙ ነበሩ። እቲ ምስጓም ጸወታ ቆልዑ ዀይኑ ተሰምዖም። ምርኵሶም ኣብዝን ኣብትን እናንቀሳቐሱ፡ ኣብ መዓልቲ ካብ ኣርባዓ ክሳብ ሓምሳ ማይል ተጓዕዙ።

ኣሊሻ ኣብ ገዛ ምስ በጽሑ ቀውዒ ተወዲኡ ነበረ። ስድራ-ቤቶም ዳግም ስለ ዝረኣዩዎም ተሓጒሶም ነበሩ፡ ኵሎም ከኣ እንታይ ከም ዘጓነፎም ክፍልጡ ተሃንጠዩ፥ ስለምንታይን ብኸመይን ድሕሪት ክተርፉ ከኣሉ፧ ስለምንታይ'ኸ ኣብ የሩሳሌም ከይበጽሑ ተመልሱ፧ ኣሊሻ ግና ኣይነገርኦምን።

“ኣብኡ ክበጽሕ ፍቓድ ኣምላኽ ኣይነበረን።" ከኣ በሉ። "ኣብ መገዲ ገንዘብ ወዳእኩ፡ ካብ ብጻየይ'ውን ድሕሪት ተረፍኩ። ስለ ጐይታ ክትብሉ፡ ይቕረ በሉኒ!”

ኣሊሻ ነተን ዓባይ ሰበይቶም ተሪፉዎም ዝነበረ ገንዘብ ሃቡወን። ካብኡ ንዅሎም ብዛዕባ ውራይ ገዛ ሓተቱኦም። ኵሉ ደሓን ነበረ፡ ኵሉ ዕዮ ብዘይ ሸለልትነት ብግቡእ ተፈጺሙ፡ ኵሎም ከኣ ብሰላምን ብስኒት ይነብሩ ነበሩ።

ኣብታ መዓልቲ ስድራ-ቤት ዪፊም ንሶም ከም እተመልሱ ስለ ዝሰምዑ፡ ብዛዕባ ኣቦኦም ክሓቱ መጹ፡ ኣሊሻ ንዓታቶም'ውን ተመሳሳሊ መልሲ ሃቡዎም።

“ዪፊም ጽቡቕ'ዮም ዝስጕም። ቅድሚ ሰለስተ መዓልቲ ንመዓልቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ተፈላለና፡ ዳግም ከርክቦ ሓሳብ ኔሩኒ፡ ግና ብዙሕ ዝተፈላለየ ጉዳያት ኣጋጠመ። ገንዘብይ ወዳእኩ፡ ካብኡ ክቕጽል ከኣ ኣይኸኣልኩን፡ ስለዚ ድሕሪት ገጸይ ተመለስኩ።"

እቶም ሰባት ከምዚኦም ዝበሉ ለባም ሰብኣይ፡ ከምዚ ዓይነት ዕሽነት ብምፍጻሞም ተገረሙ፡ ንሱ ከኣ፥ ጕዕዞ ጀሚሮም ኣብ መዕልቦ ቦታኦም ዘይምብጻሖምን ገንዘቦም ኣብ ፈቐዶ ምዝራዎምን ነበረ። ቅሩብ እዋናት በቲ ጉዳይ ተገረሙ፡ ደሓር ግና ኵሉ ረስዕዎ፡ ኣሊሻ'ውን ረስዕዎ። ኣብቲ ክሊ ገዝኦም ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ዳግም ዕዮኦም ጀመሩ። ብሓገዝ ወዶም ኣብ ክረምቲ ንሓዊ ዝኸውን ዕንጨይቲ ፈለጹ። ብሓባር ምስተን ኣንስቲ ነቲ እኽሊ ኣኸዱዎ። ካብኡ ነቲ ኣብ ግዳማዊ ጎድኒ እታ ኣጕዶ ዘሎ መኽደን ኣጕዶ ኣዐረይዎ፡ ነተን ኣናህብ ኣጎልበቡ፡ ኣብ እዋን ጽድያ ንጎረቤቶም ዝሸጡዎ ዓሰርተ ቆፎ ንህቢን ካብኡ ዝተራብሓ ዕስለ ንህቢን ከኣ ኣረከቡ። እተን በዓልቲ እንዳኦም ክንድ ምንታይ ዕስለ ንህቢ ካብተን ቆፎታት ከም ዝተራብሓ ክዛረባ ኣይደለያን ነበራ፡ ኣሊሻ ግና ብልክዕ ኣበየናይ ቆፎ ዕስለ ንህቢ ከም ዝተራብሓን ኣበየናይ ከም ዘይተራብሓን ክፍልጡ ኣይተጸገሙን። ስለዚ ንጎረቤቶም ኣብ ክንዲ ዓሰርተ፡ ዓስረተው ሾብዓተ ዕሰለ ንህቢ ኣረከቡዎም። ኵሉ ንኽራማት ዘድሊ ነገራት ምስ ኣዳለዉ፡ ኣሊሻ ካብ ልሕጺ ሳእኒ ክሰርሑን ቆፎታት ንህቢ ዝኸውን ጓንጋ ጉንዲ ከዳልውን መደቡ፡ ወዶም ከኣ ኣብ ደገ ስራሕ ከናዲ ሰደዱዎ።

ኣሊሻ ምስቶም ሕሙማት ሰባት ኣብቲ ኣጕዶ ደው ምስ በሉ፡ ዪፊም ምሉእ መዓልቲ ይጽበዩዎም ነበሩ። ቅድሚ ኮፍ ምባሎም ቅሩብ መገዲ ጥራይ'ዮም ሰጒሞም። ብዙሕ ተጸበዩ፡ ድቃስ ከኣ ቀም ኣበሉ፡ ተበራቢሮም ከኣ ከም ብሓዲሽ ኮፍ ኢሎም ክጽበዩ ጀመሩ፡ ግና እቶም ብጻዮም ኣይመጹን። ኣዒንቶም ክሳዕ ዘቐንዙዎም ጠመቱ። እታ ጸሓይ ድሕሪ'ቲ ገረብ ክትሕት ጀሚራ ነበረት፡ ደሃይ ኣሊሻ ግና ኣይነበረን።

“ምናልባት ሓሊፉኒ ይኸውን፣" ብምባል ዪፊም ሓሰቡ፡ "ወይ'ውን ገለ ብካሮሳ ዝማልኦ ሰብ ረኺቡ፡ ደቂሰ 'ከሎኹ ከይረኣየኒ ሓሊፉኒ ይኸውን። ግና ከመይ ጌሩ'ኸ ክርእየኒ ይኽእል፧ ኣብዚ ምድረ ሳዕሪ ሓደ ሰብ ኣርሒቑ ክጥምት ኣይኽእልን'ዩ። ድሕሪት ገጸይ ክምለስ'ዶ፧ ቀዲሙኒ እንተኾነ ከኣ፡ ዝገደደ ፈጺምና ከይንራኸብ ንኽእል ኢና። ጕዕዞይ እንተ ቀጸልኩ ዝሓሸ'ዩ፡ ኣብቲ እዛ ለይቲ እነዕርፈላ ቦታ ግድን ክንራኸብ ኢና።

ኣብ ሓንቲ ቁሸት ምስ በጽሑ፡ ነቲ ዋርዳይ መግለጺ እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ድሕሪ ብምሃብ፡ ንሶም እንተ መጺኦም ኣብቲ ዪፊም ዘዕረፉሉ ኣጕዶ ክመርሖም ሓበሩዎ። ኣሊሻ ግና ኣብታ ለይቲ ኣይመጹን። ዪፊም ጕዕዞኦም ቀጸሉ፡ ኵሎም ዘጓነፉዎም ሰባት ከኣ፡ "ሓደ ደቂቕ በራሕ ሽማግለ ሰብኣይ ርኢኹም'ዶ፧" እናበሉ ይሓቱ ነበሩ። ከምኦም ዝኣመሰሉ ተጓዓዘይ ዝርኣየ ሰብ ኣይነበረን። ዪፊም ተገረሙ፡ ግና ከምዚ ብምባል ጕዕዞኦም ቀጸሉ፡

“ኣብ ኦዴሳ፡ ወይ ኣብ ልዕሊ'ታ መርከብ ምስ ደየብና ግድን ክንራኸብ ኢና፣" ካብኡ ንኔው ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ብዙሕ ኣይተጨነቑን።

ኣብ መገዲ ነዊሕ ጸጉሮም፡ ቆቢዕ ኣቕሽሽቲ ዝወደዩ፡ ካቦት ቀሺ እተኸድኑ፡ ንንግደት ዝኸዱ ሰብኣይ ረኸቡ። እቶም ነጋዲ ኣብ እምባ ኣቶስ ጸኒሖም፡ ሕጂ ከኣ ንኻልኣይ ግዜ ንየሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። ሓንቲ ለይቲ ክልቴኣቶም ኣብ ሓደ ቦታ ከዕርፉ ደው ምስ በሉ'ዮም ዝተራኸቡ፡ ካብኡ'ውን ብሓደ ክጓዓዙ ጀመሩ።

ኣብ ኦዴሳ ብሰላም በጽሑ፡ ካብኡ ሰለስተ መዓልቲ መርከብ ክጽበዩ ነበሮም። ብተመሳሳሊ ብዙሓት ካብ እተፈላለየ ስፍራ ዝመጹ ነገድቲ ኣብኡ ይጽበዩ ነበሩ። ዪፊም እንደገና ብዛዕባ ኣሊሻ ሓተቱ፡ ግና ዝርኣዮም ሰብ ኣይነበረን።

ዪፊም ሓሙሽተ ሩብል ከፊሎም፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ንመኸዲ ዘገልግል ፓስፖርት ወነኑ። ኣብ የሩሳሌም በጺሕካ መመልሲ ትኬት ብኣርባዓ ሩብል ዓደጉ፡ ከምኡውን ንጕዕዞ ዝዀኖም ባኒን ዓሳን ዓደጉ።

እቶም ነጋዲ ብኸመይ ከይኸፈልካ ኣብቲ መርከብ ክትስቐል ከም እትኽእል መግለጺ ክህብዎም ጀመሩ፡ ዪፊም ግና ክሰምዕዎም ኣይደለዩን። "ኣይፋል፡ ኣነ ክኸፍል ተዳሊየ'የ መጽኤ፡ ስለዚ ክኸፍል'የ፣" ከኣ በሉ።

ኣቑሑ ኣብ ልዕሊ'ታ መርከብ ተጻዕነ፡ ዪፊምን እቶም ሓዲሽ ብጻዮምን ዝርከቡዎም ነገድቲ ኣብ ልዕሊኣ ደየቡ። እቲ መልህቕ ተላዒሉ ከኣ፡ እታ መርከብ ኣብቲ ባሕሪ ጕዕዞ ጀመረት።

ምሉእ መዓልቲ ብህድኣት ተጓዓዙ፡ ግና ኣጋ ምሸት ንፋስ ተላዕለ፡ እታ መርከብ'ውን ተነውነወትን ማይ ኣተዋን። እቶም ሰባት ፈርሁ፡ እተን ኣንስቲ ወጨጫን ኣእወያን፡ እቶም ድኹማት ሰብኡት መኸወሊ ደሊዮም ኣብታ መርከብ ክጎዩ ጀመሩ። ዪፊም'ውን ፈርሁ፡ ግና ከግህድዎ ኣይደለዩን፡ ኣብቲ መጀመርያ ክስቀሉ 'ከለዉ፡ ጥቓ እቶም ዓበይቲ ደቂ ዓዲ ታምቦፍ ኮፍ ኢሎም ካብ ዘዕረፉሉ ቦታ ኣይተንቀሳቐሱን። ንሳቶም ኣብኡ ምሉእ ለይትን እታ ስዒባ ዘላ መዓልትን ሳንጣኦም ሒዞም ኮፍ በሉ። ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ክሃድእ ጀመረ፡ ኣብ ሓሙሸይቲ መዓልቲ ከኣ፡ ኣብ ቆንስጣንጢኖስ መልህቕ ደርበዩ። ገለ ካብቶም ነገድቲ፡ ነታ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ቱርኪ ዘላ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ሶፊያ ክበጽሑ፡ ኣብቲ ምድሪ ኣምርሑ። ዪፊም ካብታ መርከብ ኣይወረዱን፡ ኣብኡ ጻዕዳ ባኒ ከኣ ዓደጉ። ኣብኡ ዕስራን ኣርባዕተን ሰዓት ድሕሪ ምጽናሕ፡ እንደገና ኣብቲ ባሕሪ ጕዕዞ ጀመሩ። መሊሶም ኣብ ስሚርና ደው በሉ፡ ካብኡ'ውን ኣብ ኣሌክሳንደሪያ፡ ግና ኣብ መወዳእታ ብሰላም ኣብቲ ኵሎም'ቶም ነገድቲ ዝወርዱሉ ኣብ ያፋ በጽሑ። ካብኡ'ውን ክሳብ የሩሳሌም ልዕሊ ኣርባዓ ማይል መገዲ ነበረ። እቶም ሰባት ኣብ ዝወርዱሉ'ውን ኣዝዮም ፈርሁ። እታ መርከብ ነዋሕ ነበረት፡ እቶም ሰባት ከኣ ኣብ ጀላቡ ክጸዓኑ ነበሮም፡ ኣብ ዝወርዱሉ ኣብ ማእከል'ቲ ማይ ክወድቑ ተኽእሎ ነበረ። ብርግጽ ከኣ ገለ ሰባት ማይ ጠልቐዩ፡ ግና ኣብ መውዳእታ ኵሎም ብሰላም ኣብ መሬት በጽሑ።

ብእግሪ ተጓዒዞም፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ እዋን ፋዱስ ኣብ የሩሳሌም በጽሑ። ካብታ ከተማ ወጻኢ ኣብቲ ፓስፖርቶም መእተዊ ፍቓድ ዝውቐዓሉ መዕረፍ ኣጋይሽ ደው በሉ። ካብኡ ድሕሪ ምሳሕ፡ ዪፊም ምስቶም ዝነግዱ ብጻዮም ኣብቶም ቅዱሳት ቦታታት ምብጻሕ ፈጸሙ። ኣብቲ ቅዱስ መቓብር (ክርስቶስ ሞት ስኢሩ ዝተንስኣሉ) ዝርከባ፡ ቤተ-ክርስትያን ትንሳኤ ክርስቶስ ምብጻሕ ክፍጽሙ፡ ግዜኡ ገና ፍቑድ ስለ ዘይነበረ ግና፡ ኣብቲ እንዳ ኣቡን ኣምርሑ። ኵሎም ነገድቲ'ውን ኣብኡ ተኣከቡ። ኣንስቲ ካብ ሰብኡት ተፈለዩ፡ ኵሎም ብክቢ ብዘይ ሳእኒ ኮፍ ክብሉ ተነግሮም። ካብኡ ሓደ ፈላሲ እግሮም ክሓጽብዎም ሽጎማነ ሒዞም መጹ። ነቶም ኣብቲ ክሊ ዘለዉ ከኣ፡ ነፍሲወከፎም ሓጺቦምን ደሪዞምን ኣእጋሮም ሰዓሙዎም። እግሪ ዪፊም'ውን ከምቶም ካልኦት ሰባት ተሓጺቡ ተሳዕመ። ንሶም፡ ምሸትን ድሕር ቀትሪን ኣብ እተገብሩ ቅዳሰታት ተሳተፉ፡ ጸሎቶም ኣዕረጉ፡ ኣብተን ቅድስቲ ስፍራታት ሽምዓታት ወልዑ፡ ምእንቲ ስለ'ቶም ወለዶም ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ጸሎት ክግበር፡ ስም ወለዶም እተጻሕፎ ንእሽቶ መጽሓፍ ኣረከቡ። ንሳቶም ኣብቲ እንዳ ኣቡን ምግብን ወይኒ ዝስተን ተዋህቦም። ጽባሒቱ ንግሆ ማርያም ግብጺ እተባህለት ብንስሓ ኣብ እትቕመጠሉ ዝነበረት ክፍሊ ከዱ። ኣብኡ'ውን ሽምዓታት ወልዑን ብንባብ ጸሎት ኣዕረጉን። ካብኡ እንዳ ደብሪ ኣብርሃም ከዱ፡ ኣብርሃም ነቲ ንወዱ ንኣምላኽ ክስውእ ተዳሊዩሉ ዝነበረ ቦታ'ውን ርኣዩ። ካብኡ ኣብቲ ክርስቶስ ንማርያም መቕደላዊት እተገልጸላ ስፍራን ኣብታ ብስም ሓው ጐይታ እተሰምየት ቤተ-ክርስትያን ያእቆብን በጽሑ። እቶም ነጋዲ ንዪፊም እዚ ኵሉ ቦታታት ኣርኣዩዎምን ኣብ ነፍሲወከፍ ቦታ ክንዲ ምንታይ ገንዘብ ክህቡ ከም ዘለዎምን ነገሩዎም። ኣጋ ፋዱስ ኣቢሉ ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ተመሊሶም ብሓባር መሲሖም። ጎቦ ክዀኑን ከዕርፉን ኣብ ዝዳለዉሉ እዋን፡ እቶም ነጋዲ ወጨጩ፡ ነቲ ክዳውንቶም ብዅሉ ወገናቱ ክፍትሽዎ ጀመሩ።

“ማሕፉዳይ ተሰሪቐ፡ ኣብኡ ዕስራን ሰለስተን ሩብል ከኣ ኔሩ፣" በሉ፡ "ክልተ በብዓሰርተ ጥቕሉልን እቲ ካልእ ሽሩፍን'ዩ።"

ኡፍ ኢሎም ድሕሪ ምስትንፋስ ከኣ ብዙሕ ደጕዑ፡ ግና ዝግበር ነገር ስለ ዘይነበረ፡ ክልቴኦም ደቀሱ።

ዪፊም ኣብኡ ጎቦ ኰይኖም 'ከለው፡ ብፈተና ተጨነቑ።

“ካብዞም ነጋዲ ዝዀነ ገንዘብ ዝሰረቐ ሰብ የሎን፣" ብምባል ሓሰቡ፡ " ገንዘብ ኔሩዎም ኢለ ኣይኣምንን። ኣነ ከም ዝህብ'ውን እንተ ገበሩ፡ ንሶም ግና ኣብ ዝዀነ ቦታ ክህቡ ኣይርኣኹዎምን፡ ካልእሲ ይትረፍ ካባይ ሩብል ተለቒሖም'ዶ ኣይኰኑን።"

ነዚ ሕስብ ምስ ኣበሉ፡ ዪፊም ንገዛእ ርእሶም ከምዚ ብምባል ገሰጹ፡ "ሰብ ክፈርድ እንታይ ስልጣን ኣሎኒ፧ እዚ ሓጢኣት'ዩ። ብዛዕባ' ዳግም ኣይክሓስብን'የ።" ብኡንብኡ ግና ሓሳባቶም ክህውትት ጀመረ፡ ብዛዕባ እቶም ነጋዲ ከኣ ሓሰቡ፥ ብኸመይ ፍቕሪ ገንዘብ ዘለዎም ሰብኣይ ምዃኖም፡ ከምኡውን ብኸመይ እቲ ማሕፉዳይ ተሰሪቐ ምባሎም ሓቅነት ከም ዘይብሉ'ዩ።

“ገንዘብ ዝበሃል ኣይነበሮምን፣" ብምባል ዪፊም ሓሰቡ። "ኵሉ ፈጠራ'ዩ።"

ኣጋ ምሸት ተንሲኦም፡ ኣብቲ መቓብር ጐይታ ዝርከባ፡ ዓባይ ቤተ-ክርስትያን ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ኣብ ፍርቂ ለይቲ ዝፍጸም ቅዳሴ ክሳተፉ ከዱ። እቶም ነጋዲ ኣብ ጥቓ ዪፊም ጽግዕ ኢሎም፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት ምስኦም ተተሓዚዞም ከዱ። ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ምስ መጹ፡ ብዙሓት ነገድቲ ኣብኡ ጸንሑዎም፡ ሩስያውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራትን፥ ግሪኻውያን፡ ኣርመናውያን፡ ቱርካውያንን ሶርያውያንን ከኣ ነበሩ። ዪፊም ምስቲ እኩብ ህዝቢ በተን ቅዱሳት ደገታት ኣተዉ። ሓደ ፈላሲ ነቲ ሓለውቲ ቱርኪ ዘለዎ ቦታ ኣሕሊፎም፡ ኣብቲ ጐይታና ካብ መስቐል ወሪዱ ዝተገነዘሉ፡ ከምኡውን ሽምዓታት ኣብ ትሽዓተ ቀንዴል ዝበርሃሉን ቦታ ወሰዱዎም። እቶም ፈላሲ ኵሉ ኣርእዮም ገለጹሎም። ዪፊም ኣብኡ ሽምዓ ወልዑ። ካብኡ እቶም ፈላሲ ንዪፊም ንየማን ገጾም በቲ ዓቐብ መሪሖም፡ ንጎልጎልታ እቲ መስቀል ደው ኣብ ዝበለሉ ስፍራ ወሰዱዎም። ዪፊም ኣብኡ ጸሎት ገበሩ። ብድሕሪኡ ነቲ እቲ ምድሪ ብዕሙቐት እተፈንጨለሉ ነቃዕ ቦታ፡ ብምቕጻል ነቲ ኣእዳውን ኣእጋርን ክርስቶስ ኣብ መስቀል ዝተሸንከረሉ ቦታ፡ ሻቡ ነቲ ደም ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ'ቲ ኣዕጽምቲ ኣዳም ዝነጠበሉ፡ መቓብር ኣዳም ኣርኣዩዎም። ስዒቡ ንሳቶም እቲ ክርስቶስ ኣብ ርእሱ ኣኽሊል እሾኽ ተኒጎም ኣብ ዝደፍኡሉ እዋን ኮፍ ኢሉሉ ዝነበረ እምኒ፡ ካብኡ ክርስቶስ ብኹርማጅ ኣብ ዝተገርፈሉ እዋን ተኣሲሩሉ ዝነበረ ጉንዲ ንዕኦም ኣርኣዩዎም። ብምቕጻል ዪፊም ንኣእጋር ክርስቶስ ክልተ ነዃል ዘለዎ እምኒ ርኣዩ። ካልእ እተፈለየ ነገር ከርእዩዎም መደብ ነበሮም፡ ግና ኣብ ማእከል'ቲ እኩብ ሰብ ዕግርግር ስለ እተፈጠረ፡ እቲ ህዝቢ ተቐላጢፉ፡ ኣብታ ቤተ-ክርስትያን ትንሳኤ ክርስቶስ ኣምርሐ። ሻቡ እቲ ብቛንቋ ላቲን ዝተገበረ ቅዳሴ ተወዲኡ፡ እቲ ብቛንቋ ሩሲያ ዝግበር ቅዳሴ ጀሚሩ ነበረ። ዪፊም'ውን ምስቲ እኩብ ሰብ፡ ኣብቲ ካብ ከውሒ ተጸሪቡ እተሰርሐ፡ ትንሳኤ ክርስቶስ እተፈጸመሉ ቦታ መቓብር ኣምርሑ።

ብቐጻሊ ኣብ ልዕሊ'ቶም ነጋዲ በ'እምሮኦም ይሓጥኡ ስለ ዝነበሩ፡ ካብኦም ከርሕቕዎም ደለዩ፡ ግና እቶም ነጋዲ ካብኦም ምፍላይ ኣበዩ፡ እኳ ደኣ ምስኦም ኣብ ውሽጢ'ታ ቤተ-ክርስትያን ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ኣብ ዝካየድ ቅዳሴ ክሳተፉ ኣምርሑ። ቅድሚት ገጾም ክሓልፉ ድሌት'ኳ እንተ ነበሮም፡ ግና ስለ ዝደንጎዩ ኣይኸኣሉን። እቲ እኩብ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ስለ ዝነበረ፡ ድሕሪት ይኹን ቅድሚት ክትንቀሳቐስ ዝከኣል ኣይነበረን። ዪፊም መመሊሶም ጁባኦም ሓሰስ እናበሉ፡ ቅድሚት ገጾም ጠሚቶም ጸሎት ይገብሩ ነበሩ። ሓሳባቶም ንኽልተ ተኸፊሉ ነበረ፡ ሓንሳዕ እቶም ነጋዲ ዘታልልዎም ይመስሎም፡ መሊሶም ከኣ ምናልባት እቶም ነጋዲ ከምቲ ዝበሉዎ፡ ብሓቂ ማሕፉዳኦም ተሰሪቖም እንተ ዀይኖም፡ ንሶም'ውን ተመሳሳሊ ዕጫ ክበጽሖም ይኽእል'ዩ።

ዪፊም፡ ኣብቲ ኣብ ልዕሊኡ ሰላሳን ሹዱሽተን መብራህቲ እተወልዓሉ ትንሳኤ ክርስቶስ እተፈጸመሉ መቓብር፡ ዝርከባ ንእሽቶ ቤት ጸሎት ገጾም ኣተኲሮም ይጥምቱ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ርእሲ'ቲ ህዝቢ ኣብ ዝጥምቱሉ፡ ሓደ ዘይተጸበዩዎ ነገር ተዓዘቡ። ትሕቲ'ቲ መብራህትታት፡ ኣብቲ ቅዱስ ሓዊ ዝነደሉን ቅድሚ ኵሉ'ቲ ህዝቢን፡ ዪፊም፡ ንሓደ ሓሙኽሽታይ ካቦት እተኸድኑ፡ በራሕ ዝርእሶም፡ ርእሶም ዘንጸባርቕ፡ ልክዕ ንኣሊሻ ቦድሮፍ ዝመስሉ ሽማግለ ሰብኣይ ርኣዩ።

“ንዕኡ ይመስል፣" ብምባል ዪፊም ሓሰቡ፡ "ግና ኣሊሻ ክኸውን ኣይኽእልን'ዩ። ንሱ ክቕድመኒ ኣይኽእልን'ዩ። እታ ቅድሜና እተበገሰት መርከብ ብሰሙን ትቕድመና'ያ። ብዕኣ ክመጽእ ኣይኽእልን'ዩ፡ ኣብታ ናትና ከኣ ኣይነበረን፡ ኵሎም ኣብኡ እተሰቕሉ ነገድቲ በብሓደ ርእየዮም'የ።"

ዪፊም ነዚ ሓሲቦም ከይወድኡ፡ እቶም ደቂቕ ሽማግለ ሰብኣይ ክጽልዩ ጀመሩ፡ ሰለስተ ግዜ ከኣ ሰገዱ፥ ሓደ ግዜ ንቕድሚት ንኣምላኽ፡ ሻቡ ሓደ ግዜ ኣብ ክልቲኡ ወገን ንዝነበሩ ኣሕዋትን'ዩ። ርእሶም ንየማን ምስ ጠወዩ ከኣ፡ ዪፊም ኣላለዩዎም። እቲ ኣብ ከባቢ ምዕጉርቶም ክሽይብ ጀሚሩ ዝነበረ ጸሊምን ጥቕሉልን ጭሕሞም፡ ሸፋሽፍቲ ኣዒንቶም፡ ኣዒንቶምን ኣፍንጫኦምን፡ ቅምጥ ኢሎም ባዕሎም ኣሊሻ ቦድሮፍ ነበሩ። እወ፡ ብርግጽ ንሶም'ዮም!

ዪፊም ንብጻዮም ዳግም ብምርካቦ ኣዝዩ ባህ በሎም፡ ኣሊሻ ብኸመይ ክቕድምዎም ከም ዝኸኣሉ ከኣ ተገረሙ።

“ኣሊሻ፡ ግርም ገበርካ!” ብምባል ሓሰቡ። "ርአ በል ብኸመይ ቅድሚት ከም ዝሓለፈ። ገለ መገዲ ዘርእዮ ሰብ ግድን ረኺቡ ኣሎ ማለት'ዩ። ካብዚ ኣብ እንወጻሉ ክረኽቦ'የ፡ ነዞም ቆቢዕ ቀሺ ዝገበሩ ሰብኣይ ካባይ ኣርሒቐ፡ ምስ ኣሊሻ ክኸውን'የ። ብኸመይ ኣነ'ውን ኣብ ቅድሚት ከም ዝሓልፍ ከርእየኒ'ዩ።"

ዪፊም ምእንቲ ኣሊሻ ካብ ዓይኖም ከይክወሉዎም ክብሉ ኣተኲሮም ይጥምቱ ነበሩ። ይኹን'ምበር እቲ ቅዳሴ ምስ ተዛዘመ፡ እቲ እኩብ ሰብ ነታ ቅድስቲ ስፍራ ትንሳኤ ክርስቶስ ክሳለም ክብል፡ ንዪፊም ንጎድኒ ደፊኡ፡ ክንነው ጀመረ። ሕጂ'ውን ማሕፉዳኦም ከይስረቕ ሰግኡ። ነቲ ማሕፉዳ ብኢዶም ጸቒጦም ብምሓዝ ከኣ፡ ብታህዋኽ ግዳም ክወጹ፡ ምስቲ እኩብ ህዝቢ ክደፋፍኡ ጀመሩ። ኣብ መውጽኢ ኣፍደገ ምስ በጽሑ፡ ንኣሊሻ ኣብ ግዳምን ኣብ ውሽጢ'ታ ቤተ-ክርስትያንን ብዙሕ ደለዩዎም። ኣብተን ክፍልታት እታ ቤተ-ክርስትያን ዝተፈላለዩ ሰባት፡ ክበልዑ፡ ወይኒ ክሰትዩ፡ ከንብቡን ኣብኡ ደቂሶም 'ከለውን ርኣዩ። ደሃይ ኣሊሻ ግና ፈጺሙ ኣይነበረን። ስለዚ ዪፊም ብጻዮም ከይረኸቡ ኣብቲ መዕረፊ ኣጋይሽ ተመልሱ። እታ ምሸት እቶም ቆቢዕ ቀሺ ዝገበሩ ሰብኣይ ኣይተመልሱን። ነቲ ዘለቅሕዎም ሩብል ከይኸፈሉ ከዱ፡ ዪፊም ከኣ በይኖም ተረፉ።

ጽባሒቱ ዪፊም ምስቶም ኣብታ መርከብ ዝረኸቡዎም ካብ ዓዲ ታምቦፍ ዝመጹ ሽማግለ ሰብኣይ፡ ኣብታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ትንሳኤ ክርስቶስ ከዱ። ኣብ ቅድሚት ክዀኑ እንተ ፈተኑ'ውን፡ እንደገና ተደፊኦም ድሕሪት ገጾም ተመልሱ፡ ስለዚ ጥቓ'ቲ ዓንዲ ደው ኢሎም ጸሎት ገበሩ። ቅድሜት ገጾም ምስ ጠመቱ፡ ኣብቲ ትሕቲ'ቲ መብራህታት፡ ጥቓ ስፍራ ትንሳኤ ጐይታ፡ ኣሊሻ እቲ በራሕ ርእሶም እናጸባረቐ፡ ልክዕ ከም ቀሺ ኣብቲ መንበረ ታቦት ኣእዳዎም ዘርጊሖም ነበሩ።

“ደሓን፡ ሕጅስ፣" በሉ ዪፊም፡ "ፈጺሙ ኣይክሓልፈንን'ዩ!”

ቅድሚት ገጾም ደፊኦም ከዱ፡ ግና ኣብኡ ምስ በጽሑ፡ ኣሊሻ ኣብኡ ኣይነበሩን፡ እኳ ደኣ ብቕጽበት ተሰዊሮም ነበሩ።

ዪፊም፡ እንደገና ኣብ ሳልሳይቲ መዓልቲ፡ ዪፊም ምስ ጠመቱ፡ ኣብቲ ስፍራ ትንሳኤ ክርስቶስ፡ ኣብታ ቅድስተ ቅዱሳን፡ ኣሊሻ ኣብ ቅድሚ ኵሉ ሰብ፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ከምዛ ገለ ነገር ዝረኣዩ ኣዒንቶም ንላዕሊ ገጹ እናጠመተ፡ ደው ኢሎም ርኣዩ። እቲ በራሕ ርእሶም'ውን ብዅለንትንኡ የንጸባርቕ ነበረ።

“ደሓን፡ ሕጅስ፣" ብምባል ዪፊም ሓሰቡ፡ "ፈጺሙ ከምልጠኒ ኣይኽእልን'ዩ! ኣብቲ ኣፍደገ ከይደ ጠጠው ክብል'የ፡ ካብኡ ክንተሓላልፍ ኣይንኽእልን ኢና!"

ዪፊም ወጺኦም፡ ክሳዕ ፋዱስ ዝሓልፍ፡ ኣብቲ መእተዊ ማዕጾ ጠጠው በሉ። ኵሉ ሰብ ከኣ ንግዳም ወጸ፡ ግና ሕጂ'ውን ኣሊሻ ኣይተቐልቀሉን።

ዪፊም ኣብ የሩሳሌም ሹዱሽተ ሰሙን ገበሩ፡ ኣብ ኵሉ ቦታታት፥ ኣብ ቤት-ልሄም፡ ቤታንያን ዮርዳኖስን በጽሑ። ኣብ እዋን ቀብሮም ዘገልግል፡ ኣብታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ትንሳኤ እተሓትመ ሓዲሽ ካምቻ፡ ጥርሙዝ ማይ ዮርዳኖስ፡ ቅዱስ ሓመድ፡ ከምኡውን ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ዝርከብ ሃልሃልታ ዝውላዕ ሽምዓ ተማልኡ። ኣብ ሸሞንተ ቦታታት ጸሎት ዝግበረሎም ስም ሰባት ኣቕረጹ፡ ብጀካ ንዓዲ መምለሲ ዝኸውን፡ ኵሉ ገንዘቦም ከኣ ወድኡ። ካብኡ ንዓዶም ገጾም ተበገሱ። ንሶም ክሳብ ያፋ ብእግሮም ተጓዕዙ፡ ሻቡ ንኦዴሳ ብመርከብ ተሳገሩ፡ ብድሕሪኡ ብእግሮም ንዓዶም ገጾም ሰጎሙ።

፲፩

ዪፊም በቲ ዝመጹዎ መገዲ ተመልሱ፡ ኣብ ዓዶም ምስ ቀረቡ ከኣ፡ እቲ ውራይ ገዛ ብዘይካኦም ከመይ'ኮን ተኻዊኑ ይኸውን ዝብል ጭንቐት ቀደሞም ተመልሶም። እቲ ምስላ፡ "ኣብ ዓመት ብዙሕ ማዩ ዝፈስስ፣" ይብል። ንሶም፡ መነባብሮ ገዛኻ ክትሃንጾ ኵሉ ዘመን ህይወትካ'ዩ ዝጠልብ፡ ክተፍርሶ ግና ግዜ ኣይወስደልካን'ዩ፡ ብምባል ሓሰቡ። እቲ ወዶም ብዘይካኦም ብኸመይ ኣመሓዲሩዎ ይኸውን፧ ብኸመይ እዋን ጽድያት ኣሒሊፎሞ ይዀኑ፧ እቶም ከብቲ ከመይ'ኮን ከሪሞም፧ ከምኡውን እታ ኣጕዶ ብጽቡቕ ተዛዚማ'ዶ ትኸውን፧ ብምባል ኣስተንተኑ። ዪፊም ኣብታ ዝሓለፈ ክረምቲ ምስ ኣሊሻ እተፈላለዩሉ ኣውራጃ ምስ በጽሑ፡ እቶም ሕጂ ኣብኡ ዝጸንሑዎም ሰባት እቶም ቅድም ዝርኣዩዎም ኢሎም ክኣምኑ ተጸገሙ። ዓሚ ጥሜት ነበሮም፡ ሕጂ ግና ብምሾት ይነብሩ ነበሩ። እቲ ቀውዒ ጽቡቕ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰባት ተመሓይሾም እቲ ዘሕለፉዎ ጸበባ ረሲዖሞ ነበሩ።

ሓደ ምሸት ዪፊም ኣብቲ ኣሊሻ ድሕሪት ዝተረፉሉ ቦታ በጽሑ፡ ኣብታ ቁሸት ኣብ ዝኣትዉሉ፡ ጻዕዳ ገፊሕ ጥብቖ እተኸድነት ጓል ካብ ሓንቲ ኣጕዶ እናጎየየት ወጸት።

"ኣቦ፡ ኣቦ፡ ኣብ ገዛና እተዉ!"

ዪፊም መገዶም ክቕጽሉ'ዮም ሓሲቦም፡ ግና እታ ንእሽቶ ጓል ክተሕልፎም ኣይከኣለትን። ካቦቶም ሒዛ፡ እናሰሓቐት ኣብቲ ኣጕዶ ገጻ ጎተተቶም፡ ሓንቲ ሰበይቲ ምስ ሓደ ንእሽቶ ወዲ ኣብ ገበላ ወጺኣ ብኢዳ ጸወዓቶም።

“ኣባሓጎ ፡ እተዉ፣" በለት። "ምሳና ተደረሩ፡ ኣብዚ ከኣ ሕደሩ።"

ዪፊም'ውን ኣተዉ።

“ብዛዕባ ኣሊሻ'ውን ክሓትት እኽእል፣" ብምባል ሓሰቡ። "ማይ ክሰቲ ዝኸደላ ኣጎዶ እዚኣ ክትኸውን ኣለዋ እብል።"

እታ ሰበይቲ ነቲ ተሸኪሞሞ ዝነበሩ ሳንጣ ከውርዱ ሓገዘቶም፡ ገጾም ክሕጸቡ ከኣ ማይ ሃበቶም። ሻቡ ጥቓ'ቲ ጣውላ ኮፍ ኣበለቶም፡ ጸባ፡ ልስሉስ ዶልሺን ገዓትን ከኣ ቀረበትሎም። ዪፊም ንሓደ ነጋዲ ስለ ዘርኣየቶ ለውሃት ኣመስጊኖም ነኣዱዋ። እታ ሰበይቲ ርእሳ ነቕነቐት።

“ነገድቲ ብሓጐስ ክንቕበል ብቑዕ ምኽኒት ኣሎና፣" በለት። "ሓደ ነጋዲ'ዮም ህይወት እንታይ ምዃኑ ዘርኣዩና። ንሕና ንእግዚኣብሄር ረሲዕና ንነብር ነበርና፡ እግዚኣብሄር'ውን ዳርጋ ክሳዕ ሞት ቀጽዓና። ዓሚ ክረምቲ ከምኡ ኣጓኒፉና፡ ኵላትና ብዘይ ምግቢን ገለ ደገፍን ሓሚምና ተደርበና። ብርግጽ ከኣ ምሞትና፡ ግና እግዚኣብሄር ክንዳኹም ዝዀኑ፡ ሓደ ሽማግለ ሰብኣይ ክረድኡና ለኣኸልና። ሓደ መዓልቲ ማይ ክሰትዩ ምስ መጹ፡ ኵነታትና ርእዮም ደንገጹልና፡ ምስና ከኣ ጸንሑ። ምግቢን ማይን ሂቦም ኣብ እግርና ደው ኣበሉና፡ መሬትና ኣምለሱልና፡ ካሮሳን ፈርስን ዓዲጎም ከኣ ሃቡና።"

ሻቡ ኣብታ ኣጕዶ ዝኣተዋ ዓባይ ሰበይቲ፡ ነታ ሰበይቲ ኣቋሪጾም ከምዚ በሉ፥

"ሰብ ዲዮም መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣይፈለጥናን። ኵላትና ኣፍቀሩና፡ ደንገጹልና፡ መን ኢልና ከይንጽሊ ከኣ ስሞም ከይነገሩና ከዱ። ሕጂ ኵሉ ኣብ ቕድሚ ዓይነይ ይረኣየኒ'ሎ! ሓደ በራህ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ ዝምጹሉ፡ ኣብቲ ሞት መጺኡ ክወስደኒ ደቂሰ እጽበ ነበርኩ። ክትርእዮም ብዙሕ ዘብህጉ ኣይነበሩን፡ ማይ ዝስተ ከኣ ሓተቱ። ኣነ ሓጥእ ኣነ፡ ምስ ገዛእ ርእሰይ ከምዚ ብምባል ሓሰበኩ፡ "ኣብዚ ሰላሕ ኢሎም ዝመጹስ እንታይ ክሰርቑ'ዮም፧" ግና ዝገበሩዎ'ሞ ሕሰቡዎ! ርእይ ምስ ኣበሉና፡ ኣብዛ ቦታ እዚኣ፡ ሳንጣኦም ኣውሪዶም ፈትሕዎ።"

እታ ንእሽቶ ጓል ከም እንደገና ተሓወሰቶም።

“ኣደዓባይ፡ ኣይፋል፣" ከኣ በለት፡ "ፈለማ ኣብዛ ማእከል ኣጕዶ'ዮም ኣንቢሮሞ፡ ብድሕሪኡ ከኣ ኣልዒሎም ኣብቲ ነዊሕ ኮፍ መበሊ ኣቐመጥዎ።"

ኵሉ እተዛረቡዎን ዝገበሩዎን፡ ኣበይ ኮፍ ከም ዝበሉን ከም ዝደቀሱን፡ ንነፍሲወከፎም ዝበሉዎምን ዘኪሮም ከኣ ተዘራረቡሉ።

ምሸት ባዕሉ እቲ ሓረስታይ ፈረሱ እናገለበ መጸ፡ ንሱ'ውን ብዛዕባ ኣሊሻን ምስኦም ዘሕለፉዎ ግዜን ክነግር ጀመረ።

“ንሶም እንተ ዘይመጹ ኵላትና ብሓጢኣትና ምሞትና ኔርና። ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ሰብን እናማረርና፡ ተስፋ ቆሪጽና ንመውት ነበርና። እንተኾነ ግን ብኽልተ ኣእጋርና ደው ከም እንብል ገበሩና፡ ሳላኦም ንእግዚኣብሄር ክንፈልጦን ኣብ ሰብ ጽቡቕ ነገር ከምዘሎን ክንእመን ክኢልና። ጐይታ ይባርኮም! ናብራ እንሳሳ ነሕልፍ ኔርና፡ ንሶም ግና ሰብ ገበሩና።"

ንሳቶም ንዪፊም ድሕሪ ምግብን ዝስተን ምሃቦም፡ ዝድቅሱሉ ቦታ ኣርእዮም፡ ባዕላቶም'ውን ክድቅሱ ጎቦ ዀኑ።

ዪፊም ወላ'ኳ ጎቦ እንተኾኑ፡ ድቃስ ክወስዶም ግና ኣይኸኣለን። ኣሊሻ ካብ ኣእምሮኦም ክወጹ ኣይኸኣሉን፡ እኳ ደኣ ብኸመይ ሰለስተ ሳዕ ኣብ የሩሳሌም ኣብቲ ቀንዲ ቦታ ደው ኢሎም ከም ዝረኣዩዎም ዘከሩ።

“ብኸምኡ'ባ እዩ ዝቐደመኒ።" ብምባል ዪፊም ሓሰቡ። "እግዚኣብሄር ነቲ ንግደተይ ተቐቢሉዎ፡ ወይ ኣይተቐበሎን ይኸውን፡ ግና ነቲ ናቱ ብርግጽ ተቐቢሉዎ'ዩ።"

ጽባሒቱ ንግሆ፡ ዪፊም፡ ነቶም ቅድሚ ንስራሕ ምውፋሮም፡ ኣብ ውሽጢ'ቲ ሳንጣኦም ዶልሺታት ዘቐመጡ ሰባት ተሰናቢቶም፡ ጕዕዞኦም ቀጸሉ።

፲፪

ዪፊም መገሻ ኢሎም ካብ ዝብገሱ ልክዕ ዓመቶም ኰነ፡ ኣብ ገዝኦም ኣብ ዝተመልሱሉ ድሮ ዳግም ጽድያ ኣቲዩ ነበረ። ወዶም ኣብ ገዛ ኣይነበረን፡ እኳ ደኣ ኣብ ቤት መስተ ከይዱ ነበረ፡ ኣብ ዝተመልሰሉ እዋን ከኣ፡ ብመስተ ጸጊቡ ነበረ። ዪፊም ክሓቱዎ ጀመሩ። ኵሉ ነገራት እቲ መንእሰይ ኣቦኡ ኣብ ዘይነበሩሉ እዋን ሰንከልከል ይብል ከም ዝነበረ'ዩ ዝእምት። እቲ ገንዘብ ከንቱ ባኺኑን እቲ ዕዮ ቦኺሩን ነበረ። እቶም ኣቦ ንወዶም ክገንሕዎ ጀመሩ፡ እቲ ወዲ'ውን ስነ-ስርዓት ዝጎደሎ መልሲ ሃበ።

“ባዕልኻ ኣብዚ ኰይንካ ዘይትከታተሎ ነበርካ፧” ከኣ በለ። “ነቲ ገንዘብ ምሳኻ ሒዝካዮ ኬድካ ክተብቅዕ፡ ሕጂ ንዓይ ትሓተኒ ኣሎኻ!”

እቶም ሽማግለ ሰብኣይ ሓረቑ፡ ንወዶም ከኣ ጸፍዕዎ።

ንግሆ ዪፊም ብዛዕባ ጠባይ ወዶም ክጠርዑ ኣብ ሽማግለ'ታ ቁሸት ከዱ። ብእንዳ ገዛ ኣሊሻ ኣቢሎም ኣብ ዝሓልፍሉ፡ ሰይቲ ዓርኮም ኣብ ገበላ ኰይነን ሰላም በላኦም።

“ኣቱም ጎረቤት፡ ከመይ ኢልኩም ኣሎኹም፣" በላ። "ኣቱም ፍቑር ዓርኪ፡ ከመይ ትኾኑ ኣሎኹም፧ ኣብ የሩሳሌም ሰላም'ዶ በጺሕኩም፧"

ዪፊም ደው በሉ።

“እወ፡ ኣምላኽ ይመስገን።" ከኣ በሉ። "ኣብኡስ በጺሐ'የ። እቲ ሽማግለኹም ጠፊኡኒ፡ ግና ኣብ ገዛ ብሰላም ከም ዝበጽሐ ሰሚዐ።"

እተን ዓባይ ሰበይቲ ዘረባ ይፈቱዋ'የን፥

“እወ፡ ኣቱም ጎረቤት፡ ተመሊሶም'ዮም፣" ከኣ በላ። "ነዊሕ ጌሮም ካብ ዝምለሱ። ጌጋ ይኽለኣለይ'ምበር፡ ደድሕሪ ዕርገት'ዮም እተመልሱ። ጐይታ ኣባና ብደሓን ስለ ዝመለሶም ተሓጒስና ኢና! ብዘይካኦም ገለ ነገር ክንገብር ኣይንኽእልን ኢና። ሕጂ'ኳ ብዕድመ ስለ ዝደፍኡ፡ ካብኦም ብዙሕ ስራሕ ኣይንጽበን ኢና፡ ግና ሕጂውን እንተኾነ ኣቦ ገዛ ንሶም'ዮም፡ ኣብ ገዛ እንተለዉ ዝያዳ ይብርሃካ። እቲ ወድና ብዙሕ ተሓጒሱ! ንሱ፡ "ኣቦ ኣብ ዝገሸሉ፡ ከምዛ ጸሓይ ዘይበረቐት'ዩ!" ከኣ በለ። ኣቱም ፍቑር መሓዛ፡ ብዘይክኦም ኣይብርሃካን'ዩ። ንሕና ኣመና ኢና እነፍቅሮም፡ ጽቡቕ ከኣ ንከናኸኖም ኢና።"

“ሕጂ ኣብ ገዛ'ዶ ኣሎ፧"

“ኣቱም ፍቑር መሓዛ፡ እወ'ለዉ። ምስተን ኣናህቦም ኣለዉ። ነተን ዕስለ ንህቢ ኣብ ቆፎ የእትዉ ኣለዉ። ኣብዛ ዓመት ጽቡቕ'የን ዓሲለን በሉ። እቲ ጐይታ ከምዚ ጌሩ ነቶም ኣናህብ ሓይሊ ክህቦም፡ በዓል እንዳይ ቅድም ሕጂ ርእዮም ኣይፈልጡን'ዮም። 'ጐይታ ከምቲ ግብሪ ሓጢኣትና ኣይኰነን ዓስቢ ዝህበና፡' በሉ። ኣቱም ፍቑር ጎረቤት፡ ንዑ እተዉ፡ ዳግም ክርእዩኹም ኣዝዮም ክሕጐሱ'ዮም።"

ዪፊም ምእንቲ ንኣሊሻ ክረኽቡዎም፡ በቲ መእተዊ ኣብቲ ቀጽሪ ብምእታው ኣብቲ እንዳ መፍረ ንህቢ ኣምርሑ። ኣሊሻ፡ ከምቲ ዪፊም ኣብ የሩሳሌም ኣብታ ቅድስቲ ቤተ-ክርስትያን ትንሳኤ ክርስቶስ ዝርኣዩዎም፡ ሓሙኹሽታይ ካቦቶም ተኸዲኖም፡ ኣብ ገጾም መንፊት መከላኸሊ፡ ወይ'ውን ኣብ ኢዶም ጓንቲ ከይገበሩ፡ ኣብ ትሕቲ ቢርች እተባህለ ኣግራብ ደው ኢሎም፡ በራሕ ርእሶም እናንጸባረቐ፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንላዕሊ ኣንቃዕሪሮም ይጥምቱ ነበሩ፡ ኣብ ልዕሌኦም ከምቲ ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ዝነበረ ሃልሃልታ ሓዊ፡ እቲ ጩራ ጸሓይ ብማእከል'ቲ ኣግራብ ቢርች ኣቢሉ ብምእታው ብድምቐት ተዀሊዑ ነበረ፡ እተን ወርቃዊ ሕብሪ ዘለወን ኣናህብ ከኣ ከይነኸሳኦም፡ ከም ኣኽሊል ኣብ ልዕሊ ርእሶም ብዓንኬል ይነፍራ ነበራ።

ዪፊም ደው በሉ። እተን ዓባይ ሰበይቲ ንሰብኣየን ጸውዓ።

“እንሄለ ዓርክኹም መጺኦም፣" በላ ዓው ኢለን።

ኣሊሻ ብፍሽሕው ገጽ ተጠዊዮም ድሕሪ ብምጥማት፡ ካብቲ ጭሕሞም ተጠንቂቖም ኣናህብ እናውጽኡ፡ ኣብ ዪፊም ገጾም መጹ።

“ኣታ ጎረቤት፡ ኣታ ፍቑር ዓርኪ፡ ሰላም መዓልቲ ንዓኻ። ኣብኡ ብደሓን'ዶ በጻሕካ፧"

“ኣእጋረይሲ ኣብኡ ብሰላም በጽሓ፡ ካብኡ ካብ ፈለግ ዮርዳኖስ ማይ ተማሊኤልካ ኣሎኹ። ኣብ ገዛ መጺኻ ውሰዶ። ግና ጐይታ እቲ ጻዕረይ ተቐቢሉዎ ዲዩ፡ ወይስ ...”

“ደሓን ምስጋና ንጐይታ ይኹኖ! ክርስቶስ ይባርካ!” በሉ ኣሊሻ።

ዪፊም ሒደት እዋን ስቕ በሉ፡ ካብኡ ወሲኾም ከምዚ በሉ፥

“ኣእጋረይ ኣብኡ በጺሑ'ዩ፡ ግና ነፍሰይ ዲዩ፡ ወይስ ነፍሲ ካልእ፡ ዝያዳ ብሓቂ ኣብኡ ዝነበረ ...”

“ኣታ ጎረቤት፡ ንሱስ ንእግዚኣብሄር ይምልከቶ፡ ንእግዚኣብሄር ይምልከቶ፣" ብምባል ኣሊሻ ኣቛረጹዎም።

“ካብ መገሻ ኣብ ዝምለሰሉ እዋን ኣብ ሓንቲ ንስኻ ድሕሪት ዝተረፍካላ ኣጕዶ ኣላገስኩ ...”

ኣሊሻ ሰግኡ፡ ቅልጥፍ ኢሎም ከኣ ከምዚ በሉ፥

“ኣታ ጎረቤት፡ ንእግዚኣብሄር ይምልከት፡ ንእግዚኣብሄር ይምለከት! ንዓ ኣብቲ ኣጕዶ እተው፡ ገለ ካብዚ መዓርና ክህበካ'የ።" ኣሊሻ ነቲ ዘረባ ቀየሩዎ፡ ብዛዕባ ውራይ ገዛ ከኣ ተዛረቡ።

ዪፊም ኡፍ ኢሎም ኣስተንፈሱ፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብታ ኣጕዶ ዝነበሩ ሰባት ኰነ፡ ኣብ የሩሳሌም ንዕኦም ከም ዝረኣዩዎም ንኣሊሻ ኣይተዛረቡዎምን። እንተኾነ ግን ሕጂ ነፍሲወከፍ ሰብ ኣብ ህይወት 'ከሎ፡ ንኻልኦት ሰባት ከፍቅሮምን ሰናይ ክገብረሎምን፡ እቲ ዝበለጸ መገዲ ምፍጻም መብጽዓ ኣምላኽን ምትግባር ፍቓዱን ምዃኑ ብግቡእ ተረዲኡዎም'ዩ።

ተፈጸመ